እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞሮኮ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 2000 በጺሑ
ኣብ ሞሮኮ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 2000 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።
ጉድኣት ዘጋጠሞም እውን ብተመሳሳሊ ካብ 2000 ሓሊፉ ኣሎ።
ካብዚኦም ልዕሊ 1400 ዝዀኑ ከቢድ መጕዳእቲ ዘጋጠሞም ምዃኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሞሮኮ ሓቢሩ።
ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ንሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ክእውጅ እንከሎ፡ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት መዕቆቢ፡ መግቢን ካልእ ሓገዝን ክወሃብ ኣዚዙ’ሎ።
ብዙሓት ነበርቲ ንኻልኣይ ለይቲ ኣብ ደገ የሕልፉ ኣለዉ። ሕጽረት መግቢን ማይን ከም ዘጋጠሞም’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ዓቐን እቲ ዓርቢ ምሸት ኣብ ማራካሽን ብዙሓት ከተማታትን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 6.8 ሬክተር እዩ።
እቲ ሕብርቲ ምንቅጥቃጥ ካብ ማራካሽ ንደቡባዊ ምዕራብ 71 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኣትላስ እዩ ነይሩ።
ይዅን’ምበር ኣብታ ኣስታት 350 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ርእሰ ከተማ ራባት ከምኡ’ውን ኣብ ካዛብላንካ፡ ኣጋዲርን ኤሳውራን’ውን ተሰሚዑ’ዩ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ሞት ኣብ ኣውራጃ ኣል ሃውዝ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብታ ብዩኔስኮ እትሕሎ መስሕብ በጻሕቲ ማራካሽ ብዙሕ ጉድኣት’ኳ እንተወረደ፡ ቍጽሪ ሞት ግን ትሑት ምዃኑ ይግለጽ።
ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ባንዴራታት ትሕት ኢሎም ከም ዝስቀሉ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ክሕግዙ ኣዚዙ።
ዜጋታት እታ ሃገር እውን፡ ንግዳያት ንምሕጋዝ ዝውዕል ደም ይልግሱ ኣለዉ።
ሞሮኮ ኣብ 1960 ኣብ ኣጋዲር ዘጋጠመ 6.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ከም ዝቐተለ ይፍለጥ።
እዚ ዳሕረዋይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ሞሮኮ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ጐረቤት ሃገር ኣልጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ሞሮኮ ተጻባኢ ዝምድናታት እኳ እንተነበራ፡ ሕጂ ግን ናብ ሞሮኮ ሰብኣዊ በረራታት ክሊ ኣየራ ትኸፍት ኣላ።