ኣብ ኤርትራ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ

ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከተማ ምጽዋዕ 39 ኪሜ ንሸነኽ ደቡብ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ።

እቲ ብረቡዕ 13 መስከረም ምሽት ሰዓት 8፡51 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጠዕ ምድሪ 5.0 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንባሩን ኣብ 15.2 ኪሜ ዕምቘት ከምዝተበገሰን ጸብጻባት ምርምር ጂኦሎጂ ኣሜሪካ ጠቒሱ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያን፣ ካብ ዓንኬል እቲ ማእከል ከከም ርሕቀቱ ብዝተፈላለየ መጠን ተሰሚዑ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ኣቃሊሑ።

ቢቢሲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ ኣብ ሰባት ምስንባድ ፈጢሩ ምንባሩ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኣብ መቐለ’ውን ከምዝተሰምዐ ወኪልና ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሚኒስትሪ ማዕድንን ጸዓትን፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 41 ኪ.ሜትር ንሸነኽ ደቡብ ምጽዋዕ ኣብ 10 ኪ.ሜትር ዕምቈት ከምዝተኽስተን፡ ኣብ ከተማታት ዓዲቐይሕ፡ ጊንዳዕ፡ ምጽዋዕን ኣስመራ ብዝተፈላለየ መጠን ከም ዝተሰምዐን ከም ዘረጋገጸ ብምሕባር፡ ዝወረደ ጉድኣት የለን ኢሉ።

ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተበጊሱ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰንጢቑ ንደቡብ ክሳዕ ሞዛምቢክ ዝዝርጋሕ ዓቢይ ስንጭሮ፡ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ሰለስተ ቀንዲ ቅናታት እሳተጐመራዊ መስርሓት ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ፡ ብፍላይ እናሻዕ ዝደጋገም ኤርትራ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብቐንዱ ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝኽሰት፡ ንምንቅጥቃጥ መሬትን እሳተ-ጐመራን ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።

ቅድሚ ሕጂ...

ብ 1 ነሓሰ ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብፍሉይ ኢራፋይለ ኣብ ዝበሃል ቦታ 5.6 ሬክተር ከምኡ’ውን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ክሳዕ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኖም ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሞም ምንባሮም ይዝከር።

በቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ 5 ኣባይቲ እኳ እንተፈረሰ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘይነበረ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብቲ እዋን ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ብ2 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 7፡51 ምሸት፡ 4.2 ዓቐንን ዝነበሮ፡ 10ኪሎሜተር ዕምቈት፡ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ ነይሩ።

እዚ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ፡ ካብቲ ሕመረቱ ዝዀነ ገልዓሎ፡ ኣብ ዓንኬል 300ኪሎሜተር ዝርከቡ ቦታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝሃረመ እውን ተገሊጹ።

ኣብ ግንቦት 2023 እውን፡ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ-መሬት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ከም ዘጋጠመ፡ ሚኒስትሪ ጸዓትን መዓድንን ኤርትራ ገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እዚ፡ ካብ ፎሮ 15 ኪሎሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፡ ካብ ዓዲቐይሕ ድማ 38 ኪሎሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ “ሰዓተረ” ኣብ ዝተሰምየ ቦታ ማእከሉ ዝገበረ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ፡ 40 ኪሎሜተር ዕምቈት ከም ዝነበሮ፡ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ነይሩ።

ስነፍልጠተኛታት ከም ዝገልጹዎ፡ ድሕሪ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓቐን፡ ዝዓበየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክስዕብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ኣብዚ ዞባ’ዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ዝውቱር ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ኣብዚ ንገልዓሎ ማእከል ዝገበረ ክሳዕ 300ኪሎሜተር ዝሽፍን ዞባ’ዚ፡ ካብ 4.2ን ልዕሊኡን ሬክተር ዘመዝገበ፡ 39 ግዜ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ኣጋጢሙ። እዚ ማለት፡ ብገምጋም፡ ኣብ 3 ወርሒ ሓንሳብ የጋጥም ማለት እዩ።