እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ቀታሊን ኣዕናውን ዝገብርዎ ሸውዓተ ረቛሒታት
ብዓርቢ ኣብ ሚያንማር፡ 7.7 ደረጃ ሬክተር ዝዕቀን ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ።
እዚ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ምኽንያት ሞት 1700 ሰባት ከም ዝዀነ ሰራዊት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።
ካልኦት ኣማኢት ሰባት ድማ ደሃዮም ኣይተረኽበን ዘሎ።
እዚ ክሳብ ጐረቤት ሃገር ታይላንድ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ 81 ሰባት ሞይቶም። ኣብ ባንኮክ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝነበረ ብዓል 30 ደርቢ ህንጻ ብምፍራሱ፡ ዝተደብዩ 76 ሰራሕተኛታት ህንጻ ንምውጻእ ቀጻሊ ጻዕሪ ምድሓን ህይወት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ 2019 ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ካሊፎርንያ 7.1 ደረጃ ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ'ኳ እንተ ነበረ፡ ዝሞተ ሰብ ግን የሎን - ኣብ መሰረተ-ልምዓት`ውን ዓቢይ ዕንወት ኣየስዓበን።
ብ2023'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ዓለም፡ መጠኑ ዝፈላለ ሓያለ ክስተታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተራእዩ ነይሩ።
ዝኸበደ ዕንወት ዘኸተለ፡ እቲ ኣብ ለካቲት ዘጋጠመ 7.8 ደረጃ ሬክተር ዝዓቐኑ ምስ ሶርያ ኣብ ዘዳወብ ከባቢ ደቡብ ምብራቕ ቱርኪ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 50,000 ሰባት ቀቲሉ፣ ብውሑዱ ልዕሊ 160,000 ኣባይቲ ኣዕንዩ።
ኣብ ኤርትራ'ውን፡ ኣብ ወርሓት ግንቦት፡ ሓምለን ነሓሰን፡ መጠናዊ ክበሃል ዝከኣል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተራእዩ እዩ። እዚ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝሕመረቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንገለ ክፋል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሓድሓደ ቦታታት ማእከል ኢትዮጵያ`ውን ተሰሚዑ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሞሮኮ፡ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 2800 ሰባት ሞይቶም።
እዚ 6.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብቲ ኣብ 2019 ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣመሪካ ዘጋጠመ ዝወሓደ እዩ።
እዚ ርኡይ ፍልልይ ኣብ መጠን ሞትን ዕንወትን ደኣ ካብ ምንታይ እዩ? ክብደት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብመንጽር ሞትን ዝወርድ ዕንወትን ዝጸልዉ ረቛሒታት እምበኣር ብዙሓት እዮም።
ካብዚኦም እቶም ኣዝዩ ትርጕም ዝወሃቦም ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፤
መጠንን ንውሓት ግዜን
ምንቅጥቃጥ መሬት ብ’ሞመንት ማግኒትዩድ ስኬል’ (Mw) እዩ ዝዕቀን። እቲ ግዜኡ ዝሓለፎን ልክዕነት የብሉን ዝበሃል ሬክተር በዚ መዐቀኒ ተተኪኡ ኣሎ።
እቲ ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኣሳሲሩ ዝግለጽ ቍጽሪ፡ እቲ ስንጣቐ መሬት፡ ውህደት ናይ ዝተንቀሳቐሰሉ ርሕቀትን እቲ ዘንቀሳቐሶ ሓይልን ዝውክል እዩ።
ትሕቲ 2.5 ደረጃ ሬክተር ዝዀነ ምንቅጥቃጥ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፍለጠናን፣ ብመሳርሒታት ግን ክፍለጥ ይኽእል።
ክሳብ 5.0 ደረጃ ሬክተር ክፍለጠናን ንእሽቶ ዕንወት ከስዕብን ይኽእል።
እቲ ኣብ ሞሮኮ ዝጓነፈ 6.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ማእከላይ ክሳብ ሓያል ክምደብ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ዘጋጠመ 7.8 ዝዓቐኑ ድማ ከም ዓቢይ ይምደብ።
"ኣዝዩ ዓቢይ" ተባሂሉ ዝግለጽ ልዕሊ 8.0 እዩ። እዚ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ፍጹም ከጥፍኦም ዝኽእል ኣዝዩ ኣዕናዊ እዩ።
ኣብ ርእሲ መጠን ክብደቱ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ፡ ነቲ ኣዕናዊ ሓይሊ ኣዝዩ ክጸሉዎ ይኽእል።
"ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተለምዶ ንውሑዳት ካልኢታት ጥራሕ ክጸንሑ እንከለዉ፡ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሱማትራ - 2004 ዝኣመሰሉ ካብ ማእከላይ ክሳብ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንሓደ ክልተ ደቓይቕ ክጸንሑ ይኽእሉ፡" ይብል መርበብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፓሲፊክ ሰሜናዊ ምዕራብ።
ዕምቈት
መጠን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ትርጕም ዘለዎ እንኮ ረቛሒ ኣይኰነን፣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጅምረሉ መቓምጦ መሬት እውን ኣገዳሲ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት 18 ኪሎ ሜተር ትሕቲ መሬት እዩ ተበጊሱ። እዚ ካብ ቍመት እምባ ኤቨረስት ኣስታት ዕጽፊ’ኳ እንተዀነ፡ ብስነ-ምድራዊ መዐቀኒታት ግን ከም ዓሚቝ ኣይቍጸርን እዩ።
"እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተዛማዲ ዓሚቝ ኣይነበረን። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊኡ ነቲ ጸዓትን ስንባደን ንምብታን ክሕግዝ ዝኽእል መሬት ውሑድ እዩ። እቲ ንዝናዘን ምንድቕዳቕን ኣዝዩ ጸዓት ነይርዎ" ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ እትሰርሕ ክኢላ እሳተ ጐመራን ስነ-ምድራዊ ስነ-ፍልጠትን ዶክተር ካርመን ሶላና ንቢቢሲ ገሊጻ።
ብኣንጻሩ፡ ብ11 መስከረም ማሉኩ ኣብ ዝተበሃለ ርሑቕ ግዝኣት ሰሜን ኢንዶነዥያ ዘጋጠመ 6.2 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 168 ኪ.ሜ ዕምቆት ነይርዎ። ዝሞተ ሰብ ግን ኣይነበረን።
ዘጋጥመሉ ሰዓት
እቲ ኣብ ማእከላይ ሞሮኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣጋጢሙ፡ እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ቀታሊ ምንባሩ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ረቛሒ እዩ።
"ሰባት ደቂሶም ከለዉ ብዙሓት ህንጻታት ዓንዮም’ዮም" ትብል ዶክተር ሶላና።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ሰባት ብዝፈርሱ ህንጻታት እዮም ዝቕተሉ። ብርግጽ ክኢላታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓደ ልሙድ ኣበሃህላ ኣለዎም - "ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብቐጥታ ንሰባት ኣይቀትልን ህንጻታት እዮም ዝቐትሉ።"
ስለዚ ውሑዳት ሰባት ኣብ ውሽጢ ህንጻታት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ቀትሪ ዘጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተዛማዲ ዘስዕቦ ቍጽሪ ሞት ትሑት እዩ።
ኣገባብ ህንጸት
ብዘይካ እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንኻልእ ዝጻወር ኣባይቲ ምህናጽ ይከኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ህንጻታት ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ጸዓት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክመጽዩ ኣለዎም።
ብመሰረት ጂኦሎጂያዊ ዳህሳስ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዓለም እታ ዝያዳ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዐት ሃገር ጃፓን፡ ኣብ ምህናጽ ተጻዋርነት ዘለዎም ህንጻታት ፈላሚ ስራሕ ሰሪሓ እያ።
"እቲ መዋቕር ንዅሉ ጸዓት [ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ] ክመጺ ምስ ዝኽእል፡ ኣይፈርስን'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ መሃንድስ መዋቕርን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ዝዀነ ጁን ሳቶ።
እዚ ብቐንዱ ኣብ ‘ስይስሚክ ኣይሶሌሽን’ ኣብ ዝበሃል መስርሕ እዩ ዝፍጸም። እቶም ህንጻታት ወይ መዋቕራት ኣብ ሓደ ዓይነት መምጠጢ ጸዓት ምንቅጥቃጥ ወይ ‘ሾክ ኣብዞርበር’ እንተተቐሚጦም ምንቅስቓስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ መምጠጢ ጸዓት ምንቅጥቃጥ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ካብ 30-50 ሴንቲሜተር ርጉድ ዝበለ ድርብራብ ጎማ ክኸውን ይኽእል።
ከምዚ ዓይነት መሰረት ህንጻ ግን ኣመና ክቡር እዩ፤ ባጀት ህንጻ ከምኡ’ውን ንዋት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብዓቢኡ ይፈላለ እዩ።
ኣብቲ ዝኸፍአ ዕንወት ዘጋጠመሉ ርሑቕ ክፋል ሞሮኮ፡ ብዙሓት ህንጻታት ብሕጡብ ጭቃ ወይ ዘይተጠብሰ ሕጡብ ተሰርሑ ስለዝዀኑ ንኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወሩ ኣይሕሰብን።
ብዙሓት ነበርቲ ዘለዉዎም ነዋሕቲ ህንጻታት ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተፈሪሶም ዕንወትን ገዚፍ ሞት ከስዕቡን ይኽእሉ።
ብዙሓት ቱርካውያን፡ ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሓት ህንጻታት ድሕሪ ምፍራሶም፡ ነቲ ድኹም ደረጃ ህንጻታት ነቒፎም ነይሮም።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓያል'ኳ እንተነበረ፡ ብግቡእ ዝተሃንጹ ህንጻታት ከይፈረሱ ክጸንሑ ክኽእሉ ነይርዎም ይብሉ ክኢላታት።
"እቲ ዝለዓለ ጽዓት ናይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓያል'ኳ እንተነበረ፡ ብግቡእ ዝተሃንጹ ህንጻታት ንምፍራስ ግን እኹል ኣይነበረን" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደን ክኢላ ውጥንን ምሕደራን ህጹጽ እዋን ፕሮፌሰር ደቪድ ኣሌክሳንደር።
"ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት፡ እቲ ደረጃ ምንቅጥቃጥ ካብቲ ዝለዓለ ዝተሓተ እዩ ነይሩ፤ ስለዚ ካብቶም ዝፈረሱ ኣሽሓት ህንጻታት፡ ዳርጋ ኵሎም ዝዀነ ሕጊ ህንጸት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘማልኡ ኣይነበሩን፡ ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና።"
ጻዕቂ ህዝቢ
ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ጥቓ ሓውሲ ደሴት ኣላስካ 8.2 ዝዓቐኑ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ። ይዅን’ምበር ብዛዕባ’ዚ ዝዝክሩ ሰባት ዘይክህልዉ ይኽእሉ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ መበል ሻብዓይ ዝዓበየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምዃኑ ይግመት። እንተዀነ ግን ዝዀነ ዝሞተ ወይ ዝተጐድአ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት፡ ካብ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሎም ከባቢታት ኣዝዩ ርሒቑ ዘጋጠመ ብተዛማዲ ዓሚቝ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዝነበረ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ጥሪ 2010 ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ 7.0 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሰፊሕ ሞትን ዕንወትን ኣስዒቡ’ዩ። ልዕሊ 250,00 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣስታት 300,000 ከም ዝቘሰሉን ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉን ይግመት።
ምሉእ ሓይሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ’ዩ ነይሩ።
እታ ከተማ ኣዝዩ ልዑል ጻዕቂ ህዝቢ ነይርዋ፡ ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ማለት’ዩ። እዚ ድማ ብኸፊል ነቲ ዝወረደ ዕንወት ዝጸለወ ረቛሒ’ዩ።
ዓይነት መሬት
ዝረገጽናዮ መሬት ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምዃኑ፡ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንምድሓን ዘለና ዕድል ኣዝዩ ዝጸሉ’ዩ።
እቲ ሓመድ ብማይ ዝተሸፈነ ድዅዒን ልሕሉሕን እንተዀይኑ፡ እቲ መሬት ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ትሑት ስለዝኸውን ስርበት ከስዕብ ይኽእል።
ስርበት ምስ ዝህሉ ድማ ብተለምዶ ደረቕ ዝዀነ ነገር ከም ናይ ፈሳሲ ባህሪ ከርኢ ይጅምር፤ ስለዝዀነ ድማ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዕቦ ዕንወት ኣዝዩ ይውስኽ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ሕብርቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኤርዚን ግን ዳርጋ ዝዀነ ጉድኣት ኣየጋጠማን።
ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ከተማታት ዓንየን። ኣብ ከተማ ኤርዚን ግን ዝሞተ ሰብ የለን፤ ዋላ ሓንቲ ህንጻ እውን ኣይፈረሰትን።
ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ፡ ኤርዚን ኣብ መከላኸሊ ቀጸላ ኣኻውሕን ተሪር መሬትን ስለእትርከብ፡ ሓደጋ ከም ዘየጋጠማ ይዛረቡ።
ህጹጽ ግብረመልሲ
ንባህርያዊ ሓደጋ ምድላው፡ ህይወት ሰባት ንምድሓን ቀንዲ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ጃፓን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘድሊ ልምምድ ክገብራ ኣለወን። ህጻናት እውን ኣብ ገዛ ይዅን ኣብ ደገ ወይ ኣብ መኪና ከመይ ምላሽ ከም ዝህቡ ይምሃሩ እዮም። ታይዋን ዓቕሚ ናይተን ምላሽ ዝህባ ጕጅለታት ድሕነት ንምፍታን ኣብ መላእ ሃገር ህጹጽ ልምምድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተካይድ።
እዚ ግን ብፍላይ ኣብተን ሳሕቲ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዘጋጥመን ሃገራት ኣይፍጸምን።
ፍጥነትን ዓቐንን ናይቲ ህጹጽ ምላሽ እውን ወሳኒ እዩ፤ ዝተጐድኡን ዝተደበዩን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺቦም ብህይወት ዝጸንሑሉ ግዜ ድሩት እዩ።
ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ እንተተሃስዩ ብቕልጡፍ ናይ ምጽጋን ዓቕሚ፡ ምላሽ ንምሃብ ወሳኒ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየ ርሑቕ ክፋል ሞሮኮ፡ ካብቶም ዝነበሩ ውሑዳት ጽርግያታት መብዛሕትኦም ብመደራጋሕን ፍርስራስን ተዓጽዮም ነይሮም። ስለዝዀነ ዝተፈላለያ ቁሸታት ውሑድ ህጹጽ ምላሽ ከም ዝረኸባ ወይ ፈጺሙ ከም ዘይተዋህበ ጥርዓን ኣቕሪበን እየን።
ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሞሮኮ እውን ነቐፌታታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ፤ መንግስቲ ሞሮኮ ገለ ዓለምለኸ ዕድላት ሓገዝ ንምቕባል ከም ዝደንጐየ ይግለጽ።
ካልኣዊ ሳዕቤናት
ከም ሳዕቤን ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ጠንቂ ሞት ዝዀኑ ዝፈረሱ ህንጻታት ጥራይ ኣይኰኑን።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ንዝፍጠር ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተቓላዕቲ እዮም፤ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ቀታሊ ሱናሚ ከበግስ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ 2004 ኣብ ኤስያ ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ 9.1 ዝዓቐኑ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዓቦ እዩ ነይሩ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪን ድሕሪኡ ዝመጸ ሰፊሕ ማዕበልን ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣስታት 230 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ’ዩ። እቲ ማዕበል ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ስግር ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ርሑቕ ኣፍሪቃ እውን ህይወት ሰባት ከም ዘጥፍአ ይዝከር።
ኣብ ጐቦታት ዝበዝሖ መሬት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መደራጋሓት የስዕብ፤ እዚ ድማ ኣባይቲ የዕኑን ንጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ይዕንቅፍን እዩ።
ኣብ 2015 ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዳርጋ 9 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ነይሩ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 3 ሽሕ መደራጋሓት ከም ዘስዓበ ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ ይገልጹ።
እቲ ብ1906 ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንኣስታት 20 - 25 ካልኢት ጥራይ ዝጸንሐ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ማዕበል ግን ንመስመራት ጋዝን ማይን እታ ከተማ ንምብታኽ እኹል እዩ ነይሩ።
እቲ ዝፈሰሰ ጋዝ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ባርዕ ሓዊ ኣበጊሱ። ሕጽረት ማይ ድማ ነቲ ባርዕ ንምምካት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለዝገበሮ ብድምር ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም።