እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ምድሪ ከይወድቕ ተሰጊኡ ዘሎ ምስ 'ኑክሌሳዊ ቦምባ ዝዳረግ' ደንጐላ ጠፈር
ንፕላኔት ምድሪ ሓደጋ ከይወድቃ ንምክልኻል ብሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ዝተዋህበን ትካላት ነቲ ናብታ ፕላኔት ከይወድቕ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ደንጐላ ጠፈር (ኣስትሮይድ) ብዕቱብ ይከታተልኦ ኣለዋ።
ትካል ስነጠፈር ኣውሮጳ (ESA) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ከውሒ ጠፈር ኣብ 2032 ንምድሪ ከይተንከፈ ብሰላም ክሓልፍ ዘለዎ ተኽእሎ 99 ሚእታዊት ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ። እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ጽልዋ " የብሉን ምባል ኣይክኣልን'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ብዕለት 22 ታሕሳስ 2032 ብጥቓ ምድሪ ክሓልፍ ትጽቢት ዝግበረሉ "2024 ዋይ-ኣር4" (YR4) ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ኣስትሮይድ ንምድሪ ክጸልዋ ዘለዎ ተኽእሎ 1.3 ሚእታዊት ምዃኑ'ዩ ሕጂ ዝንገር ዘሎ።
ዶ/ር ሮበርት ማሰይ ካብ ሮያል ኣስትሮኖሚካል ሶሳይቲ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ዘጨንቕ የብለይ ወይ ድቃስ ዝኸልኣኒ ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።
"ምስንባድ ኣየድልን'ዩ" ዝበለ እቲ ኣስትሮኖመር፡ "እዚ ከምዚ ዝበለ ፍጻመታት ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ቅመራ እናተነጸረ ምስከደ ዝጠፍእ ምዃኑ'ዩ"።
"ንቑሓትን ትኩራትን ክንከውን የድልየና፡ ንኣስትሮነመራት (ተመራመርቲ ስነከዋኽብቲ) እኹል ጸጋታት ብምሃብ ንከምዚኦም ዝበሉ ሓደጋታት ብምክትታትል ቀልጢፍና ስጕምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና" ድማ ይብል።
እቲ ዘይትኣደነ ዶንጐላ ፈለማ ብ27 ታሕሳስ 2024 እዩ ተራእዩ። ኣስትሮነመራት ብዘካየድዎ ቅመራ ድማ ካብ 40 ክሳብ 90 ሜትሮ ዝበጽሕ እዩ። ንምድሪ እንተሃሪሙዋ ድማ ምስ ሓደ ኑክሌራዊ ቦምባ ዝዳረግ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ከባቢ እንተወዲቑ ከቢድ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል'ዩ።
እንተኾነ፡ ክኢላታት ከምዝብልዎ ኣብ ውቅያኖስ ወይ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት እዛ ፕላኔት ክወድቕ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ምድሪ ኣዝዩ ርሒቑ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣበይ ክወድቕ ከምዝኽእል ብንጹር ንምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን።
ካብ ፈለማ ጥሪ ጀሚሮም ተመራመርቲ ስነኮኾብ፡ ንዓቐንን ኣንፈትን ናይቲ ኣስተሮይድ ብንጹር ንምግምጋም ተሌስኮፕ ክጥቀሙ ጸኒሖም እዮም። ሕጂ YR4 ኣብ ብዓይኒ ነቲ ስግኣት ዝዕቅን (Torino Impact Hazard Scale) ዝተባህለ ኣገባብ ኣብ መበል 3 ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። እዚ ቅርበት እዚ ድማ'ዩ ኣቓልቦ ኣስትሮኖመራትን ህዝብን ክስሕብ ኣኽኢሉዎ ዘሎ። ግና ኣብ ገጽ ምድሪ ዒሊቡ ዕንወት ከስዕብን እንተኾይኑ እቲ ተኽእሎ 8፡ 9 ወይ 10 ክበጽሕ ኣለዎ።
ኣስትሮይድስ ፈለማ ክግምገሙ እንከለዉ ትሑት ተኽእሎ ምስ ዝህልዎም፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ባዶ'ዩ ዝወርድ።
ኣብ 2004 ሓደ 'ኣፖፊስ' ዝተባህለ ዶንጐላ ጠፈር ኣብ 2029 ንመሬት ክሃርማ ዘለዎ ተኽእሎ 2.7 ሚእታዊት ምዃኑ ተገምጊሙ ነይሩ። ጸኒሑ ግን እቲ ስግኣት ምሉእ ብምሉእ ተኣልዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 50 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኣካል ጠፈር ምስ ምድሪ ክጋጮ ዘለዎ ተኽእሎ ሓደ ሚእታዊት ኰይኑ፡ ጥንቃቐታት ክግበር ዝድርኽ እዩ። በዚ መሰረት፡ ዋላ'ኳ እቲ ስግኣት ውሱን እንተዀነ፡ ኣድላዪ ምክትታል ብምግባር ንምብርዓኑ ዝሕግዝ ስጕምትታት ክዳሎ ኣለዎ።
ቀዳማይ ደረጃ ናይቲ ስጕምቲ፡ ደገፍ ሕቡራት ሃገራት ዘለወን ንከምዚ ዝበለ ስግኣት ንምክትታል ዝቘማ ትካላት ኣብ ተጠንቀቕ ክኾና ይግበር። ሃገራዊ ትካል ስነጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ዝመርሖ መርበብ ጥንቃቐ ኣስትሮይድ (ኣስትሮይድ ዎርኒንግ ነትዎርክ) ወይ ስፔስ ሚሺን ፕላኒን ኣድቫይሶሪ ግሩብ (SMPAG) ዝተባህለ ብትካል ስነጠፈር ኣውሮጳ ዝምራሕ ጕጅለን እቶም ናይቲ ዕማም ሓላፍነት ዝወሰዱ እዮም።
ኣውሮጳዊ ትካል ጠፈር ዝመርሖ ጕጅለ (SMPAG) ነቲ ኵነታት ንምግምጋም ኣብዚ ሰሙን'ዚ ተኸታታሊ ኣኼባታት የካይድ ኣሎ። ዋላ'ኳ ዛጊት ህጹጽ ዝኾነ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘገድድ ከምዘየለ እንተደምደመ፡ ንዓቐንን ኣንፈትን ናይቲ ደንጐላ ምክትታል ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ወይ ግንቦት ዝግበር ኣኼባታት ድማ ንዝበጽሖ ደረጃ ብምግምጋም እንታይ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ክውስን'ዩ።
ናብ ምድሪ ክዓልብ ዘለዎተኽእሎ ልዕሊ 1 ሚእታዊት እንተዀይኑ ንሕቡራት ሃገራት እማመ ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።
ጸቡቕ ኣሎ ሕማቕ ኣሎ፡ ናብዛ ሕሉብና ንጹፍና ዝኾነት ምድርና ገጹ ክንቆት እንተጀሚሩ ግን ሮኬት ጠፈር ብምውንጫ ተሃሪሙ ኣንፈቱ ከምዝቕይር ምግባር'ዩ። ኣብ 2022፡ 'ዳርት' ዝተባህለት መንኮርኮር ናሳ ናብ ሓደ ንምድሪ ዘየስግእ ኣስትሮይድ ከምእትጋጮ ብምግባር ኣንፈቱ ከምዝቕይር ዝገበረ ዕዉት ፈተነ ምንባሩ ይዝከር።
"እታ ብናሳ ዝተወንጨፈት ዳርት፡ ኣንፈት ኣስትሮይድ ንምቕያር ዓቕሚ ከምዘለና'ያ ኣርእያትና፡ ግና ኣቐዲምና ክንርእዮ እንተኺልና ጥራይ'ዩ" ይብል ዶ/ር ማሰይ።
ዋይ-ኣር4 (YR4) ኣብዚ እዋን'ዚ ብቐጥታዊ መስመር ካብ ምድሪ ይርሕቕ ስለዘሎ ናብዛ ፕላኔት ቅድሚ ምምላሱ ዘካይዶ ዑደት ንምግምጋም ኣጸጊሙ'ሎ።
ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ካብ ዓይኒ እናተሰወረ ክመጽእ'ዩ፡ ብድሕሪኡ ግን በቶም ኣብ ምድርን ጠፈርን ዘለዉ ተለስኮፓት ምክትታል ክግበረሉ'ዩ።
ትካል ጠፈር ኣውሮጳ ከምዝብሎ፡ "ኣስትሮይድ 2024 YR4 ኣብ 2032 ናብ ምድሪ ከምዘይዓልብ መደምደምታ ክሳብ ዝብጻሕ ካብ ዓይኒ ክስወር'ዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ኣስትሮይድ ኣብ ምክትታል ትካል ጠፈር ኣውሮጳ ክጸንሕ'ዩ፡ ክሳብ ኣብ 2028 ዳግማይ ዝቕልቀል።"