ከይሓልፈኩም! 7 ፕላኔታት ተሰሪዐን ብዓይኒ ሰብ ዝርኣያሉ ፍሉይ ክስተት

ዓመተ-2025 ካብ ሓያለ ካልኦት ዓመታት ጽዕቕ ዝበለ ንጥፈታት ተፈጥሮ ኣድማስ ጠፈር ሒዛትልና'ያ መጺኣ ዘላ።

ኣብዚ ሰሙን ሸውዓተ ፕላኔታት - ማርስ፡ ጁፒተር፡ ዩራንየስ፡ ቬኑስ፡ ኔፕቱን፡ ሜርኩሪን ሳተርንን ኵለን ኣብ ምሸት ንሓጺር እዋን ኣብ ሰማይ ክረኣያ እየን።

እዚ ብ'ፕላኔታዊ ሰልፊ' ዝፍለጥ ተርእዮ ሳሕቲ ዝረአ ኰይኑ፡ ክሳብ 2040 ሸውዓተ ፕላኔታት ብሓንሳብ ንመወዳእታ ግዜ ደሚቐን ዝረኣያሉ ክኸዉን'ዩ።

እዘን ፕላኔታት፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን ረቡዕ፡ ሓሙስን ዓርብን ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ ክርኣያ እየን።

ኣርባዕተ ካብተን ፕላኔታት - ሜርኩሪ፡ ቬኑስ፡ ጁፒተርን ማርስን - ብዓይንና ክንርእየን ንኽእል ኢና።

ምናልባት እታ ኣርማ ፕላነታት ዝዀነት ሳተርን ኣብ ደረት-ትርኢት ትሒታ ስለ ትጸንሕ ንምርኣያ ከጸግም ይኽእል ይኸውን።

እተን ዝራሓቓ ዩራነስን ነፕቱንን ግን ንምርኣይ ግን ተለስኮፕ ክሓትት'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ እቶም ኣብ ብሩህ ሰማያት ዝተዓደለ ሃገር ወይ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ድሮ ተዓዚብኩመን ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።

እቶም ብሰንኪ ብደበና ዝተጎልበበ ሰማያት ግርደት ዘጋጠመኩም ወይ ንብሩህ ሰማያትኩም ቍሊሕ ዘይበልኩም ግን፡ ለካቲት'ውን ነቲ ዕድል ዓቚራ ሒዛትልኩም ኣላ- ናብቲ ብብሩሃት ከዋኽብቲ ዝወቀበ ሰማያት ምቁማት ኣይትረስዑ።

ኣብ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን 6 ፕላኔታት ኣብ ሓደ መስመር ተሰሪዐን ዝረኣያሉ ኵነታት ተኸሲቱ'ሎ።

ቪነስ፡ ማርስ፡ ጁፒተር፡ ሳተርን፡ ዩራነስን ነፕቱንን ኣብዚ እዋን'ዚ ብዓይንና ኣብ ብሩህ ሰማያት ደሚቐን ክንርእየን ንኽእል ኢና።

ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ለካቲት፡ ፕላነት ሜርኩሪ ምስ ተጸንበረተን ሸውዓቲአን ቅጅል ክብላኹም እየን- እቲ ክስተት ክሳብ 2040 ስለዘይፍጠር፡ ከይሓልፈኩ፞ም ነቲ ዕድል ተጠቐምሉ።

ብፍላይ ካብ ዕለት 25 ክሳብ 27 ዘለዋ መዓልታት፡ ጸሓይ ዕርብ ክትብል እንከላ ዘለዋ ደቓይቕ ዝበለጸ ዕድል ኣሎ።

'ፕላኔታዊ ሰልፊ' እንታይ'ዩ?

እተን ሸሞንተ ኣውራ ፕላኔታት ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ጠፈርን ብዝተፈላለየ ናህሪን እየን ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት ዘካይዳ።

ንኣብነት እታ ናብ ጸሓይ ኣዝያ ዝቐረበት ሜርኩሪ ሓደ ምሉእ ዑደት ንኽትፍጽም 88 መዓልታት (ሓደ ዓመት ሜርኩሪ) ይወስደላ።

ኣብ ማእከል ዘላ ምድሪ ድማ ሓደ ዑደት ከተካይድ 365 መዓልታት (ሓደ ዓመት-ምድሪ) ይወስደላ።

እታ ዝረሓቐት ነፕቱን ግን ሓደ ዑደት ክትፍጽም ኣዝዩ ነዊሕ እዋን፡ 60,190 መዓልታት (165 ዓመታት ምድሪ) የድልያ።

እዚ ፍልልይ'ዚ ድማ'ዩ ኣብ ገለ እዋን ኣብ ሓደ መስመር ማዕረ ጸሓይ ተሰሪዐን ክረኣያ ዝገብረን። ማዕረ ኣብ ዝዀናሉ ድማ ብዓይንና ክንሪአን ዕድል ንረክብ። ሳሕቲ'ውን ኵለን ተሰሪዐን ዝረኣያሉ ኵነታት ክፍጠር ይኽእል'ዩ።

ሜርኩሪ፡ ቪነስ፡ ማርስ፡ ጁፒተርን ሳተርንን ብሩሃት ብምዃነን ብዓይኒ ክርኣያ ዘጸግም ኣይኮነን። ንዩራነስን ነፑቱንን ንምርኣይ ግን መነጸር ወይ ቴለስኮፕ የድሊ።

ብሰንኪ ኣብ ስርዓተ-ጸሓይ ዘሎ ናይ ዑደተን መስመር፡ ኣብ ሰማይ ክርኣያ እንከለዋ ኣብ ክንዲ ኣብ ቀጥታዊ መስመር ቀስቲ ሰሪሐን ክረኣያ ይኽእላ'የን። ደበና ኣብ ዘይብሉ ብሩህ ለይቲ ድማ ብዘይካ ሜርኩሪ ኵለን ተሰሪዐን ብዓይኒ ክረኣያ ይኽእላ። እዚ ክስተት'ዚ 'ፕላኔታዊ ሰልፊ' (ፕላነታሪ ፓሬድ) ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ'ዩ።

ብፍላይ ዕለት 28 ለካቲት፡ ኵነታት ኣየር እንተ ፈቒዱ፡ ብርሃን ኵለን ሸውዓተ ፕላኔታት ሚልዮናት ወይ ቢልዮናት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዙ ኣብ ዓይኒ ሰባት ክዓርፍ'ዩ።

እቲ ፕላኔታዊ ክስተት ኣብ ልዕሊ ስርዓተ-ጸሓይ (ሶላር ሲስተም) ዓቢ ጽልዋ ዘለዎን፡ ብዛዕባ ፕላኔትና ምስኡ ዘለዋ ዝምድናን ሓድሽ ኣመታት ክህብ ዝኽእልን ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።

ብሪጣንያዊት ኣስትሮኖመር ጀኒፈር ሚላርድ ከምእትብሎ ግን፡ ፕላኔታዊ ሰልፊ ክንዮ ዘደንቕ ትርኢት ዝሓልፍ ኣብ ምድሪ ይዅን ካልእ ጽልዋ ኣለዎ ንዝብል መግለጺታት ስነፍልጠታዊ መሰረት ከምዘይብሉ'ያ ትምጕት።

ኣብ 2019 ግን ገለ ተመራመርቲ፡ እቲ ክስተት ኣብ ጸሓያዊ ንጥፈታት ጽልዋ ከምዘለዎ ኣሚቶም ነይሮም።

ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሄልምሆልዝ-ዘንትረም ዝተባህለ ማእከል ምርምር ዝሰርሕ ምሁር ፊዚክስ ፍራንክ ስተፋኒ ከምዝብሎ፡ እቲ ተርእዮ ህቦብላታትን ማዕበላትን ብምፍጣር ኣብ ኵነታት ኣየር ጸሓይ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል የመልክት።

2025 ኣዳልያቶ ዘላ ካልእ ክስተታት ጠፈር

ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ'ኳ እንተዀነ፡ ድሮ ዓመተ 2025 ግርማ ዝዓሰሎ ትርኢታት ኣድማስ ጠፈር ክትልግስ ጀሚራ'ላ።

ብዘይካ መስርዕ ፕላኔታት፡ 'ሚቶራይትስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ካብ ሰማያት ክወድቁ ዝረኣዩ ከዋኽብቲ (ሹቲን ስታርስ) ነቶም ንብሩህ ሰማያት ለይቲ ዝቋመቱ ሰባት ባህታ ክፈጥረሎም ጀሚሩ'ሎ። እዞም ፍንጭልጫል ኣኻውሕ ጠፈር ኣብ ሓደ ካልኢት 70 ኪሜ ዝንቆቱ'ዮም።

ኣጆኹም፡ ዘሰክፍ ግን የሎን. . . ጕዕዞኦም ነዊሕ ብምዃኑ ኣብ ጥቓ ገጽ ምድሪ ከይበጽሑ'ዮም ሃፊፎም ዝጠፍኡ- ልክዕ ከምዚ ርሺታት ሓድሽ ዓመት ማለት'ዩ።

ከፊላዊ ግርደት ጸሓይ'ውን ኣብዚ ዓመት'ዚ ክግሃድ'ዩ። እዚ ክስተት'ዚ፡ ካብ 30 ክሳብ 40 ሚእታዊት ጸሓይ ብቐትሩ ብወርሒ ክትሽፈን እንከላ ዝፍጠር'ዩ። ግዳ፡ ብቐጥታ ብዓይንኹም ክትቋመቱ ከይትፍትኑ፡ ሓደጋ ስለዘለዎ፤ ፍሉይ መርኣዪ መነጸራት ኣናድዩ ክብሉ'ዮም ተመራመርቲ ጠፈር ዝመኽሩ።

ወርሒ'ውን ንዝፈጠረቶ ግርደት ጸሓይ ዋጋ ክትከፍለሉ'ያ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ምሉእ ግርደት ወርሒ ክህሉ'ዩ። እዚ ድማ ጸሓይ፡ ምድርን ወርሒን ኣብ ሓደ ህሞት ኣብ ሓደ መስመር ተሰሪዐን ዝረኣያሉ ክስተት'ዩ። ምድሪ ነቲ ኣብ መንጐ ወርሕን ጸሓይን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ብዝመስል፡ ኣብ መንጐአን ደው ምስበለት ጩራ ጸሓይ ዝተሓረማ ወርሒ ደም ክትሰርብ'ያ።

ብተግባራት ምድሪ ባህ ዘይብላ ወርሒ ብወገና ስምዒታ ንምግላጽ ናብ ኣፍንጫ ፕላኔትና ተጸጊዓ ዕብየታ ንምርኣይ 'ሱፐርሙን' ዝተባህለ ክስተት ክትፈጥር ትጽቢት ይግበረላ።

ኣብ መወዳእታ፡ ድሙቓት ብርሃናት (ኣውሮራስ) ሰሜንን ደቡብን'ውን ንክልቲኡ ጫፋት ዓለም ግርማ ከልብሱ'ዮም- ሰብ ዕድል ኣይሕለፈኩም።