ኤርትራ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ስንብታኡ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, ERISAT
ላዕለዋይ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቲቨን ዎከር ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ስርሑ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋና ከምዘለዎ ገሊጹ።
ንሱ፡ ብማሕበራዊ ሜድያ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘርግሖ መልእኽቲ፡ “ናብዛ እትድነቕ ሃገር ኣዝዩ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበርኩምለይ፡ ሃብታም ባህልኹምን ታሪኽኩምን ስለዘካፈልኩምኒ፡ ብፍላይ ኣብ 1993 ብዝረኸብኩምዎ ናጽነት ብቝዕ ዝዀነ ሓበንኩምን አመስግነኩም’’ ክብል ንህዝቢ ኤርትራ ናእዳኡ ገሊጹ።
ስቲቨን ዎከር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጸገማት ከቢድ ኵነታት የሕልፍ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘድሊ ጽገናታት ክገብር ጸዊዑ። ንሱ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ቃልሲ፡ ኣነን ብዙሓት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካልኦትን፡ ሓቅነት መከራኹም፡ ትብዓትኩም፡ ከምኡ’ውን ህዱእ ክብርኹምን ንፈልጦ ኢና፤ መስዋእትኹምን ቃልስኹምን ንፈልጦ ኢና’’ ድሕሪ ምባል፡ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ወትሩ ኣብ ሓሳበይን ጸሎተይ ክትህሉ እዩ’’ ክብል ጽሒፉ።
ስቲቨን ዎከር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሜድያ ኮንፈረንስ፡ ምስ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ቃለመሕትት ዘካየደ ናይ ፈለማ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት እዩ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ከኣ፡ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ መብርሂ ንኽህብ ተደጋገሚ ሕቶታት’ኳ እንተቕረበ ከምዝተነጽገ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ንመንግስታዊ ትካላት ሜድያ ሓሳቡ ክህብ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣብሪሁ ነይሩ።
ስቲቨን ዎከር፡ “ናጻ ፕረስ እምነ-ኵርናዕ ናይ ጥዕና ዘለዋ፡ ደሞክራስያዊትን ናጻን ሃገር’ዩ” ብምባል፡ መሰረት ሰብኣዊ መሰላትን ቍጠባዊ ምዕባለን ምዃኑ መጒቱ።
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራን ኤምባሲ ኣሜሪካን

ምንጪ ስእሊ, US Embassy
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ኣንጻር እቲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝህቦ ዝነበረ ሓደ ሓደ መግለጺታት ብዓውታ ግብረ መልሲ ይህብ ብምንባሩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ስሒቡ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ ክብል ክነቅፍ ጸኒሑ። ኣብ መንጎ እቲ ሚኒስተርን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካን ዝግበር ናይ ቃላት ምልልስን ምጉትን ብዙሕ ከዘራርብ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኤምባሲ፡ ብማሕበራዊ ሜድያ ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጽገናታት ክገብርን፡ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ክጽውዕ ጸኒሑ።
ብተወሳኺ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእን፡ ነቶም ግፍዕታት ዝፈጸሙ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓላፍነት ክሓቶምን ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ።
ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, US Embassy
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ኤርትራን ኣሜሪካን ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአን ከመሓይሻኦ ተራእየን ነይረን።
ኣብ 2018 ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ።
ኣብ 2019 እውን፡ ብኣሜሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣሜሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም።
እንተዀነ ዳሕራይ፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እገዳ ኣንቢራ። ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ እውን እገዳ ኣንቢራ።
ብድሕሪ እቲ ውሳነ ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣሜሪካ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም። ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ "ውዲት'ዩ" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርበሉ “ሓቅነት ዘይብሉ” ዝብሎ ክስታት መልሲ ካብ ምሃብ ስቕ ከምዘይብል ብምግላጽ ከኣ፡ "ምምሕዳር ኣሜሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልይዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ" ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ።
ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ወገን ዝተመዙ ኣምባሳደራት ግን የብለንን። ኣሜሪካ፡ ካብ 1993 ኣትሒዙ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እኳ እንተነበራ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግና እቲ ዝምድና እናንቈልቆለ ምምጽኡ ይፍለጥ።
ስቲቨን ዎከር መን እዩ?
ኣባል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኣሜሪካ ስቲቨን ዎከር፡ ካብ ታሕሳስ 2019 ላዕለዋይ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ ሰሪሑ። ቅድሚኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ዓቕሚ ምክትልን ተሓጋጋዚ ጸሓፍን ኰይኑ ዘገልገለ ስቲቨን ዎከር፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዒራቕ፡ ማልታ፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ የመን፡ ማውሪታንያን ቱርክን ከም ዲፕሎማት ሰሪሑ።
ኣብ ሃዋይ ተወሊዱ ዝዓበየ ስቲቨን፡ ቀዳማይ ዲግሪ ካብ ሪድ ኮሌጅ፣ ካልኣይ ዲግሪ [ማስተርስ] ብኣህጉራዊ ዝምድናታት ካብ ናይ ሕግን ዲፕሎማስን ዩኒቨርሲቲ ፈልትቼር፣ እንደገና ብስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ካልኣይ ማስተርስ ካብ ናሽናል ዎር ኮሌጅ፡ ዝተመረቐ ኰይኑ፡ ምርዑውን ኣቦ ክልተ ቈልዑን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







