ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ኬንያዊ ኣትሌት ኬልቪን ኪፕቱም ብሓደጋ መኪና ሞይቱ

ኣትሌት ኬልቪን ኪፕቱም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ክብረወሰን ሰይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ኬልቪን ኪፕቱም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ክብረወሰን ሰይሩ

ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ዝዀነ ወዲ 24 ዓመት ኬንያዊ ኣትሌት ኬልቪን ኪፕቱም ኣብ ዓዱ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ምስኡ ዝነበረ ሩዋንዳዊ ኣሰልጣኒኡ ጀርቫይስ ሃኪዚማና እውን ብሰንኪ እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኪፕቱም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን፡ ነቲ ውድድር ብክልተ ሰዓትን 35 ካልኢትን ብምዝዛም ነቲ ክብረወሰን ካብ ወዲ ሃገሩ ኤልዮድ ኪፕቾገ ከምዝወሰደ ይዝከር።

ኪፕቾገ፡ እቲ ክብረወሰኑ ዝመንጠሎ ኣትሌት፡ ኣብ ቅድሚኡ "ንምእማኑ ዘጸግም ዕብየት" ዝጽበዮ ዝነበረ ኮኾብ ምዃኑ ብምግላጽ ንስድርኡ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንኪፕቱም ኣብ ዓለም ኣሰር ዝገደፈ ፍሉይ ስፖርተኛ ክብል ገሊጽዎ።

ፖሊስ ብዛዕባ ዝርዝር ናይቲ ሓደጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኪፕቱም ይዝውር ከምዝነበረን "[ነታ መኪና] ክቆጻጸር ዘይምኽኣሉ ስዒቡ፡ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ናብ ጸጋማይ ሸነኹ ናብ ዝርከብ ጐዳጉዲ ከምዝኣተወን" ገሊጹ።

ኪፕቱምን ሃኪዚማናን ኣብቲ ዝተጋጨወሉ ቦታ ክሞቱ እንከለዉ፡ ምስኦም ዝነበረት ሓንቲ መንእሰይ ብኸቢድ ቆሲላ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ’ላ።

እታ ኪፕቱም ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ንምርመራ ኣብ መደበር ፖሊስ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, እታ ኪፕቱም ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ንምርመራ ኣብ መደበር ፖሊስ ትርከብ

እቲ ኣቦ ክልተ ቆልዑ ብቕልጡፍ እዩ ዝና ረኺቡ - ኣብ 2022 ድማ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ምሉእ ማራቶን ተሳቲፉ።

ኣብ ማራቶን ቫለንሽያ ድማ ብ2፡01፡53 ክዛዝም ከሎ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን ድማ ብ2፡01፡25 ብምዝዛም ራብዓይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣመዝጊቡ፡

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብ ሳልሳይ ማራቶኑ፡ ኪፕቱም ኣብ ቺካጎ ካብ ክብረወሰን ዓለም ብ34 ካልኢት ኣመሓይሹ።

ኪፕቱም ኣብ 2018 ንፈለማ እዋን ናብ ዓቢ ውድድሩ ክጽንበር ከሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ጫማ ክገዝእ ዓቕሚ ስለዘይነበሮ ብዝተለቅሖ ጫማ እዩ ተወዳዲሩ።

ወዲ 36 ዓመት ኣሰልጣኒኡ ሃኪዚማና ጥሮታ ዝወጸ ሩዋንዳዊ ኣትሌት እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኪፕቱም ክብረወሰን ዓለም ዒላማ ንኽገበር ንኣዋርሕ ሓጊዝዎ እዩ።

ከም ኣሰልጣንን ኣትሌትን ዝነበሮም ርክብ ኣብ 2018 ዝጀመረ’ኳ እንተዀነ፡ ንመጀመርታ ዝተራኸቡ ግን ኪፕቱም ገና ኣዝዩ ንእሽቶ እንከሎ ኣብ 2009 እዩ።

ሃኪዚማና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ "ንእሽቶ ወዲ ከሎ እየ ዝፈልጦ፡ ጥራይ እግሩ ጥሪት ይጓስይ ነይሩ" ክብል ተዘኪሩ ነይሩ። "ኣብ ጥቓ ሕርሻ ኣቡኡ ልምምድ ይገብር ነይሩ።"

"ሕጂ፡ ስለቲ ዝረኸቦ ዓወት ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።"