ኬንያ፡ ኣብ ናይሮቢ ብዘጋጠመ ባርዕ ጋዝ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ቆሲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ መምልኢ ጋዝ [ስሊንደር] ብዘጋጠመ ባርዕ ኣማኢት ሰባት ሓደጋ ምቅጻል ከጋጥሞም እንከሎ ካልኦት ሓያለ ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተሰጊኡ።
እቲ ባርዕ ኣብ ኢምባካሲ ዝተበሃለ ክፋል ናይሮቢ ኣብ ሓደ መምልኢ ስሊንደር ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ለይቲ ከምዘጋጠመ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ እቲ ባርዕ ዘጋጠሞ ፋብሪካ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ከምዝርከብ የርኢ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ኣስታት 300 ሰባት ንህጹጽ ሕክምና ናብ ሆስፒታላት ከምዝተወሰዱን ካልኦት 27 ከኣ ኣብቲ ቦታ ቀዳማይ ረድኤት ተገይርሎም ከምዝተፋነዉን ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከኣ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ምማቶም ገሊጸን ኣለዋ።
ጠንቂ እቲ ባርዕ ይጻረ ከምዘሎ ፖሊስ ኬንያ ሓቢሩ ኣሎ።
ወሃቢ ቃለ-መንግስቲ ኬንያ ኣይዛክ ምዋራ ብኤክስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ባርዕ ከንተይነርስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ፋብሪካ መምልኢ ጋዝ ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምግላጽ፡ “እቲ ባርዕ ኣብ ዝተለዓለሉ ኣብቲ ፋብሪካ ስሊንደር ይምላእ ነይሩ፡ ብዙሓት በቲ ባርዕ ዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ” ኢሉ።
ድሒሩ ከምዝተነግረ ግን፡ ጋዝ ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ድሕሪ ምንታጓ ዝተፈጥረ እዩ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ “እቲ ትካል በቲ ባርዕ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ኣሎ፡ ጠንቂ እቲ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ከኣ ንመክር” ኢሉ።

እቲ ባርዕ ካብቲ ፋብሪካ ብምብጋስ ናብ ሓያለ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝለሓመ ክግለጽ እንከሎ ካብዚ ብምብጋስ ቍጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ባርዕ ብዝፈጠሮ ሓያል ድምጺ ፈኲስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተሰመዖም ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ሓደጋ ባርዕ ዘጋጠሞም ቦኒፈይስ ሲፉና ዝተበሃለ ነባሪ እቲ ከባቢ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እናሃደምኩ እንከለኹ’ዩ እቲ ባርዕ ጋዝ ኣርኪቡ ኣቃጺልኒ” ኢሉ።
ቦኒፈይስ ብምስዓብ “እቲ ባርዕ ካባይ ርሑቕ ኣይነበረን፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ድምጺ ወዲቐ እቲ ባርዕ ከኣ ኣርኪብኒ፡ ሓይለይ ኣኻኪበ ክሃድም ምኽኣለይ ኣዝየ ዕድለኛ’የ” ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበር ጋዜጠና ‘ኔሽን’ ዝተበሃለት ጋዜጣ ኬንያ ብወገኑ ድሕሪ እቲ ባርዕ ብምሉኡ ነበሪ እቲ ከባቢ ካብ ገዝኡ ሃዱሙ ከምዝወጽአ ገሊጹ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሰራሕተኛታት ነቲ ገና ሃልሃልታኡ ዘይቅሃመ ባርዕ ንምጥፋእ ይረባረቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







