‘በጃኹም ኣይትቕተሉና’ - ብዘስካሕክሕ ቅትለት-ደቂ ኣንስትዮ ዘማረረት ሃገር

ኣብ መላእ ዓበይቲ ከተማታት ኬንያ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ዝቃወሙ ሰልፍታት ተኻይዶም።
ኣስማት ናይተን ዝተቐተላ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ጭርሖታት ዝሓዙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቶም ሰልፊታት ተሳቲፎም።
ብዙሓት ድማ "ሲሲ ኒ ዋቱ ሲዮ ዋንያማ" ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም - እዚ ብቋንቋ ስዋሂሊ "ንዓና ምቕታል ደው ይበል" ማለት እዩ።
ካልኦት ድማ "ንደቂ ኣንስትዮ ዝቐትሉ ድኹማት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዮም" ከምኡ'ውን "ግዳይ ብዝተወቐሰት ቁጽሪ ኩሉ ግዜ ነቲ ቀታሊ ተተባብዖ ኣለኻ" ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ተራእዮም።
እዚ ተቓውሞ ተኸታታሊ ዘስካሕክሕ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ዘስዓቦ እዩ።
ጓል 33 ዓመት ዊኒ ቸላጋት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብቲ ሰልፊ "ብሕርቃን” ከምዝተሳተፈት ገሊጻ።
"ጌጋ'ዩ፡ ሰልችዩና፡ ገለ ስጉምቲ ድማ ክውሰድ ንጠልብ" ኢላ።
ሰብኡትን ኣወዳትን ኣብ ክንዲ ንነብሶም ንምክልኻል እቲ ጾር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝገብርዎ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ተግባራት ሓላፍነት ክወስዱ ከምዘለዎም ካልእ ሚካኤል ኦንያንጎ ዝተባህለ ሰልፈኛ ገሊጹ።
"ደቅና ክንምህሮምን ደቂ ኣንስትዮ ምቕታል ደው ከብሉ ከምዘለዎም ክንነግሮምን ይግባእ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሓንቲ ግዳይ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኤርቢኤንቢ ክራይ ኣፓርታማ ኣካላታ ተቖራሪጹ ብፕላስቲክ ተዓሺጉ ከምዝተረኸ ይዝከር።
ድሒሩ ድማ ናይዛ ግዳይ ከምዝዀነ ዝእመን ዝተቖርጸ ርእሲ፣ ዝተረኽበት ሓንቲ ግዳይን ካልኦት ቅትለታትን ይርከብዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ፈሚሳይድ’ (ቅትለት-ጓል ኣንስተይቲ)፡ ኮነ ኢልካ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ጥራይ ዝፍጸም ቅትለት እዩ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኬንያ ኣብ መንጎ 2016ን 2023ን ልዕሊ 500 ፍጻመታት ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተመዝገበ የመልክት።
ብዙሓት ካብተን ግዳያት ብናይ ቀረባ መጻምድቲ ወይ ዝፈልጥወን ሰባት እየን ተቐቲለን።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰበስልጣን ንኹለን ኣብ ቀረባ እዋን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕቲን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ብቕልጡፍ ፍትሒ ክወሃብ ይጠልቡ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር፡ መንግስቲ ንቕትለት-ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ክእውጅ ሓቲቶም።
ብተወሳኺ፡ ቅትለት-ደቂ ኣንስትዮ ካብ ካልእ ቅትለት ዝተፈልየ ፍሉይ ገበን ምዃኑ ክእውጅ’ውን ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ 2022 መንግስቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ኬንያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኣብ ገለ እዋን ኣካላዊ ዓመጽ ከምዘጋጠማ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







