‘ጓል 12 ዓመት እንከለኹ'የ፡ ንኽምርዖ ብ9 ዶላር ተሸይጠ’

ታማራን ፕሪንስ ወዳን

ምንጪ ስእሊ, YOUSEF ELDIN / BBC

መግለጺ ስእሊ, ታማራን ፕሪንስ ወዳን

ብደረጃ ዓለም: 20 ሚእታዊት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚኤን 18 ከይኣኸለ ከምዝምርዓዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዋላ ኣብተን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝኽልክል ሕጊ ዘለወን ሃገራት’ውን እንከይተረፈ እዚ ሕጊ ክጥሓስ ይርኣይ’ዩ።

እንተኾነ ማላዊ ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምግታእ ሓዲሽ ምዕባለ ተርኢ ኣላ።

ንታማራ ንምርካብ ንሳልሳይ ግዜ ናብቲ ንሳ ትቕመጦ ቦታ ምስ ከድና ናብ በረኻ ወፊራ ከምዘላ ተነጊሩና።

ታማራ ጓል 13 ዓመት ኮይና ናይ ትሽዓተ ወርሒ ነፍሰ ጾር’ያ፡ 'ንዒ ይኣኽለኪ፡ ኣዕርፊ' ዝብላ ግን ኣይረኸበትን፡ ናብራኣ’ውን ከተዕርፍ ኣይፈቐደላን።

ታማራ [ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን] ኣብ 20ታት ዝርከብ ብዓል ቤታ ሃዲሙ ገዲፍዋ ምስ ከደ ኣብ ሓንቲ ሓትንኣ ዝሃበታ ንእሽተይ ኣጉዶ ተንኮበት ኣብ ባይታ ኣንጺፋ’ያ ትድቅስ ዘላ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝከላኸሉ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ድሕነት፡ ይደልይዎ ከምዘለዉ ምስ ፈለጠ’ዩ ብዓል ቤታ ራሕሪሕዋ ሃዲሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ዓማታት ኣብ ህይወት ታማራ ብዙሕ ነገራት’ዩ ተቐያይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዛ ኣብ ደቡብ ማላዊ ነኖ ኣብ ዝብሃል ምምሕዳር ዝተወለደት ታማራ፤ ስድርኣ ብደረጃ መቓን ማላዊ ከምቶም 65 ሚእታዊት ዜጋታት እታ ሃገር ናብርኦም ትሕቲ ድኽነት’ዩ ዝሰራዕ።

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዝነበረ ስርናይን ድኵዕን ክነeኪ ምኽንያት ስለዝዀነ፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ’ያ ተሸሚማ ዘላ።

ስድራ ታማራ ከኣ፡ 'ኣብ ነበረታ ተወሰኸታ' ኮይንዎም ካብ ድኽነት ናብ ሕሱም ድኽነት ወሪዶም።

ወለዲ ታማራ ተመራሪሖም ምስ ሞቱ፡ እታ እንኮ ጓሎም ናብታ ነቀይነቐይ ትብል ዝነበረት ዓባያ ተወሲዳ።

ሓደ መዓልቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ ተመለሰት ዓባያ ሓደ ዜና ሒዛትላ ጸኒሓ።

“ክምርዖ ከምዘለኒ ነጊራትኒ” ትብል ታማራ፤ ብምስዓብ “ድሮ’ውን ካብቲ ክምርዓወኒ ዝሓሰበ ሰብ ሰልዲ ተቐቢላ ነይራ’ያ” ትውሰኽ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ታማራ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሰብ ንዓባያ 15 ሽሕ ክዋቻ ሰልዲ ማላዊ ከፊልዋ [ 9 ዶላር ፤ ወይ 7 ፓውንድ]።

ዓባያ ንታማራ’ውን፡ እቲ ስልዲ ድሮ ነቲ ስድራ ዝኸውን ዕፉን ስለዝገዝኣትሉ፡ እቲ ንታማራ ክምርዖ ዝሓሰበ መንእሰይ 'ሰልደይ ተበሊዑ' ኢሉ፡ ዓቕለን ከጽብበለንን ጀመረ።

ንሱ ታማራ ትምህርታ ኣቋሪጻ ምስኡ ክትነብር’ዩ ዝደሊ።

ኣብ ማላዊ ካብ 2017 ጀሚሩ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብሕጊ ተኸልኪሉ’ዩ።

እንተኾነ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ከም ባህሊ ኮይኑ ከኸይድ ስለዝጸንሓ ሰብ ቀልጢፉ ነቲ ሕጊ ክርዕሞ ኣይክኣለን፡ ኣብቲ 85 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝነብሮ ገጠራት ገና ይቅጽል ኣሎ።

ብመሰረት ካብ ሓደ ‘ገርልስ ኖት ብራይድ’ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ 40 ሚእታዊት ካብ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ዕድምኤን ገና 18 ከይመልአ እንከሎ ዝተመርዓዋ’የን።

ታማራ “እቲ ዝወሰደኒ ዓቢ ስለዝኾነ ህይወተይ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ፡ ዝኾነ ጌጋ ምስ ዝገብር ብዘይ ንሕስያ’ያ ዝቕጥቅጠኒ ነይሩ” ትብል።

ሰባት ንሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ክሳብ ዝነግሩ ምስኡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተቐሚጣ፡ ንታማራ ናብ ትምህርታ ንምምላስ መደባት እናተሓንጸጸ እንከሎ ግን ታማራ ነፍሰ ጾር ምዃና ተረዲኣ።

እዛ ገና ጓል 12 ዓመት ዝኾነት ህጻን፡ ኣብ ከብዳ ካልእ ህጻን ከተዕኵኽ ጀሚራ።

--------------------------------------------------------

ካብታ ታማራ ትነብረላ ኣጉዶ 100 ኪሎሜተር ንሸነኽ ዶብ ሞዛምቡክ ኣብ ትርከብ ድሙቕ ቀጠልያ ሕብሪ ዝተለኸየት ገዛ ናይ ማላዊ ሙዚቃ ዓው ኢሉ ይስማዕ፡ ቤት ጽሕፈት መደበር ራድዮ ምዛቲ’ዩ።

ኣብ 20ታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝመስረትኦ መደበር ራድዮ’ዩ፡ መደባተን ንኽፍንዋ’የን ዝሸባሸዋ ዘለዋ።

እዛ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተመስረተትን ብደቂ ኣንስትዮ መደባት እተቕርብን መደበር ራድዮ፡ ንዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣቶኵራ’ያ መደባት እተቕርብ።

ኩፖታን ሉሲ ሞሪስን፡ ብቋንቋ እቲ ከባብን ብእንግሊዝን እናተቐባበላ መደባትን የቕርባ።

እዚ ሎሚ ዘቕረብኦ መደብ ብሓደ ‘ኤጅ ኣፍሪካ’ ዝተብሃል ደቂ ኣንስትዮ ንኽምሃራ ዝጉስጉስን ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዝተመወለ ኮይኑ ሰሙናዊ ዝቐርብ መደብ’ዩ፤ እታ መደበር ራድዮ ኣብ ብልዕሊ 4 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ትስማዕ።

መብዛሕትአን ሰማዕቲ እታ ራድዮ ከም ታማራ ዝኣመሰላ ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ’የን።

ሉሲ ሞሪስ

ምንጪ ስእሊ, YOUSEF ELDIN / BBC

መግለጺ ስእሊ, ሉሲ ሞሪስ

እታ መደበር ራድዮ ሎሚ እተቕርቦ መደብ ኣብ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዘተኮረ’ዩ ክኸውን።

ሞሪስ “ኣብዚ ቦታ እቲ ቀንዲ ጠንቂ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ድኽነት’ዩ፡ ወለዲ ንደቆም ናብ ድሓን ከንብርወን ዝኽእሉ ምምርዓው ከም ሓደ ጽቡቕ ኣማራጺ’ዮም ዝርእይዎ” ትብል።

“እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዕድመ ምስ ዘይዳረግወን ሰብኡት’የን ዝምርዓዋ” ትውስኽ ሞሪስ።

እዘን ኣቅረብቲ መደብ ራድዮ ደርፊ ቅድሚ ምውልዐን ሰማዕተን ብዋትስኣፕ ርእይቶ ክሰዳለን ደጋጊመን’የን ዝምሕጸና።

ጎኒ ጎኒ ከኣ ልክዕ ከም ጭርሖ “ትምህርቲ ንኹሉ ነገር የድልየክን’ዩ፡ ናብ ትምህርቲ ክትምለሳ ዝበለጸ ምርጫ’ዩ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ግጉይ ልምድን ጎዳእን’ዩ” ይብላ።

ሞሪስ “ደቂ ኣንስትዮ እንተተማሂረን መሰላትን ክፈልጣ ይኽእላ’የን፡ ትሕቲ መርዓ እንከለዋ ኣገዲዱ ከመርዕወን ንዝሓስብ ወይ ክምርዓወን ንዝሓስብ ደው ከብላኦ ከምዝኽእላን ኣበይ ከይደን ደው ከምዝሓተኦን ክፈልጣ’የን፡ እዚ ኣካል ናይቲ ንሕና ንሰርሓሉ ዘለና ዕላማ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ክዛረባ፡ ታሪኻን ከዕልልና እሞ፡ ካልእ ዝበለጸ መንገዲ ከምዘሎ'ውን ክፈልጣ ኢና ንሰርሕ” ትብል።

እዛ ራድዮ ግን ሰማዕታ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣይኮናን፡ ሓደ ካብም ነዛ ራድዮ ዝሰምዕ ኣማሓዳሪ ቁሸት ጉሉምባ ቤንሶን ክወለኒ’ዩ።

ንሱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትምህርቲ ክኸዳ ከምዘተባብዕን ትሕቲ 18 ዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ክምርዓዋ እንከለዋ ከምዘይምርቕን’ዩ ዝገልጽ።

መርዓ ትሕቲ ዕድመ

  • ካብዘን ሎሚ ኣብ ዓለም ብህይወተን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እተን ኣስታት 650 ሚልዮን ዕድሚኤን 18 ከይኣኸለ ከምዝተመርዓዋ ዩኒሴፍ ይሕብር።
  • ኣብ ደቡብ ኤስያ ዝርከባ ሃገራት እተን ዝበዝሓ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸመለን ሃገራት ኮይነን 40 ምእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እተን ሃገራት 18 ከይመላኣ ይምርዓዋ፡ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ከኣ ብ18 ምእታዊት ይስዕበአን።
  • ብደረጃ ዓለም ኣስታት 21 ምእታዊት ደቂ ኣንስትዮ 18 ከይመልኣ ከምዝምርዓዋ ዎርልድ ቪዥን ይሕብር።
  • ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ኤስያን ኣፍሪቃን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ፡ እንተኾነ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣብ ሃገራት ካሪብያንን ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ገርልስ ኖት ብራይድ’ ይሕብር።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሚቸል ኦባማ [ብዓልቲ ቤት ባራክ ኦባማ] ኣማል ክሎነን መሊንዳ ጌትስን ናብ ማላዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየዳሉ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ላራሩስ ቻክወራ ኣብታ ሃገር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምግታእ ተወሳኺ ምወላ ከምዝተረኸበ ተዛሪቡ።

እዘን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየዳ ሰለስተ ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብታ ሃገር ኣንጻር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንዝሰርሓ ማሕበራት ኣብ ምሕጋዝ ኣበርቲዐን ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣብ ማላዊ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ድሕነት ንነፍሲ ወከፍ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ’ኳ ኣንተዘይብሎም ኣብታ ሃገር ህዝቢ ኣብ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዘለዎ ኣመለካክታ ኣዝዩ ተማሕይሹ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ 2020 ሕቡራት ሃገራት ብዝገበሮ ጎስጓስ ሓደ ርብዒ ካብቶም ባህላውያን ኣመሓደርቲ ገጠራት ማላዊ ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ ከምዝኽልክሉን ኣንጻር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከምዝቃለሱን ቃል ኣትዮም።

ኣብቲ ታማራ እትነብረሉ ዞባ ነኖ ዝርከቡ ክልተ ባህላውያን ኣመሓደርቲ፡ ኣብቲ ዞባ ብሕቡእ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ይፍጸም ከምዘሎ ጽንጽንታ ከምዘለዎም ይዛረቡ።

ንልዕሊ 2000 ሰባት ዘመሓድር ጆን ጁዋ “ገለ ወለዲ ይመጽኡና’ዮም፡ ንሕና ከኣ እታ ጓል ትሕቲ 18 ምዃና እንተኣረጋጊጽና ነቲ መርዓ ደው ኢና ነብሎ፡ እቶም ወለዲ ጓሎም ንመርዓ ከምዝኣኸለት ይከራኸሩና ዝተወለደትሉ ምስክር ወረቀትን ናይ ሕክምና ወረቐትን ኣምጽኡ ብምባል ከኣ ነገራት ነረጋግጾ” ይብል።

ጆርጅ ምፒንዳ’ውን ኣመሓዳሪ ልዕሊ 1000 ሰባት’ዩ “መርዓ ትሕቲ ዕድመ የለን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ግን ብምስጢር’ዩ፡ ብውሕዱ ሰብ መርዓ ከምዘሕትት ፈሊጡ ኣሎ” ይብል።

ግን ነቲ ብምስጢር ዝግበር ዘሎ መርዓ ትሕቲ ዕድመኸ መን’ዩ ክሕተተሉ?

ጁዋ ንነዊሕ፡ ንእሽቶ ሕስብ ኣቢሉ፡ “ንሕና ከም ሓለፍቲ ሓላፍነትና’ዩ፡ ግን ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ሓገዝ የድልየና” ኢሉ።

-------------------------------------

ሕቆኣ ዝሃበት ጓል

ምንጪ ስእሊ, YOUSEF ELDIN / BBC

ታማራ ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ወዲ ተገላጊላ።

ሕማም ሕርሲ ምስ ተታሐዘት ኣብ ከተማ ብላንትረ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል’ዩ በታ ኣብቲ ከባቢ ልምድቲ መጓዓዝያ ዝኾነት ብሽክለታ ናብ ሆስፒታል ኣብጺሕዋ።

ሕጂ ሓካይም ብስሩዕ ናብቲ ምስ ሓትነኣ ትነብረሉ ዘላ ገዛ እናመጽኡ ንጥዕናኣን ንወዳን ይኸታተልዋ ኣለዉ።

ታማራ ሕርሳ ከቢድ ኣይነበረን፡ እንተኾነ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ካብ ዘስዕቦ ጸገማት ሓደ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ሞት ውላድን ወላዲትን ከምዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ዳይረክተር ናይቲ ንጉዳይ ታማራ ዝከታተል ዘሎ ‘ፒፕል ሰርቪንግ ገርልስ ኣት ሪስክ’ ዝተብሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ዝኾነ ካሌብ ንጎምቦ “ታማራ ምስ ወዳ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣላ፡ ስድራኣን’ውን [ሓትነኣ፡ ዓባያን ካልኦትን] ሕጉሳት ኣለዉ” ይብለ።

“ሓትንኣን ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሕብተሰብን ይድግፋ’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ስራሕ ብሕጂ’ዩ ክህሉ፡ ናብ ትምህርቲ ክትምለስ ኣለዋ፡ ቆልዓ ዝሕዘላ ከኣ የድልያ’ዩ” ይብል ካሌብ።

ታማራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ እቲ ፕሪንስ [ልኡል] ኢላ ዝሰመየቶ ውላዳ ግድን ብትምህርቲ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ከምእተብጽሖ’ያ ተመባጺዓ።

እቲ ኣብኣ ዘጋጠመ ኣብ ዝኾነ ከጋጥም ኣይትምነን’ያ፡ እቲ ንሳ ዝኸሰረቶ ዕድል ትምህርቲ ከኣ ዝኾነ ሰብ ክስእኖ ኣይትደልን’ያ።

ሓንትንኣ ንታማራ ኣብ ወርሒ ትሕቲ 50 ዶላር ትረኽበላ መሸጣ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣለታ። ታማራ ወዳ ሒዛ ንሓትንኣ ትሕግዛ፡ ንእግረ መንገዳ ከኣ ነተን መማህርታ ዝነበራ መሓዙታ ትረኽበን።

ንመወዳእታ ግዜ ንታማራ ክንርእያ ኣብ ዝኸድናሉ ክልተ ካብተን ኣሕምልቲ ክገዝኣ ዝመጽኣ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ነፍሰ ጾራት’የን ነይረን፡ ንታማራን ቻው ኢለንኣ ከኣ ናብ ገገዝኣን ኣምሪሐን።