'እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ኣይከውንን'ዩ፡ ሰብኣይ እንተረኸብኪ ይሕሸኪ፡'

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ሓደገኛ ጽርግያታት ሜክሲኮ ዓበይቲ መካይን ዝመርሓ ደቂ ኣንስትዮ
'እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ኣይከውንን'ዩ፡ ሰብኣይ እንተረኸብኪ ይሕሸኪ፡'

ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ መካይን ተመረጽቲ ምዃነን እኳ ኣስራሕቲ እንተገለጹ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 3% ኣይበዝሓን እየን። ኣብታ ጾታዊ ጐነጽን ብዕጡቓት ዝፍጸም ስርቅን ገኒኑ ዝረኣየላ ሜክሲኮ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ሞያ ምስሓብ ከቢድ እዩ። ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገለ ካብቲ ሓደገኛ ጽርጊያታት ምስአን ተጓዒዙ ዘዳለዋ ቪድዮ እያ።