ባይደንን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን - መን እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጆ ባይደን ፕረዚደንት ምስ ኮነ፡ ነቲ ጽኑዕ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ዶናልድ ትራምፕ ከቕልሎን፡ "ሰብኣዊ" ኣገባብ ክኽተልን ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እዚ ድማ ንብዙሓት ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ብኲናት፡ ድኽነትን ስእነት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ዝሳቐያ ሃገራት ዝብገሱ ስደኛታት ዝጸሉ እዩ። ንምዃኑ ኣብ መንጐ ትራምፕን ባይደንን ዘሎ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ?
ዋላ’ኳ ኣብ ምቕያር ፖሊሲታት ገለ ለውጥታት እንተገበረ፡ ጆ ባይደን ስርዓተ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ንምምሕያሽ ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ጻዕርታት፡ በቲ ናብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝመፅእ ኣዝዩ ብዝሒ ዘለዎ ቍጽሪ ስደተኛታት ተበላሽዩ ኣሎ።
ጉዳይ ስደተኛታት ንሚስተር ባይደን ዓቢ ፖለቲካዊ ሕማም ርእሲ ኰይንዎ ዘሎ እዩ፤ ፖለቲካዊ ስግኣት እውን።
ምኽንያቱ፡ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ኣመሪካውያን ነቲ ኣብ ዶብ ዝገበሮ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከምዘይቅበልዎ ገሊጾም ኣለዉ።
ቅድሚኡ ዝነበረን ኣብ ሕዳር ብዝካየድ መረጻ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ ንኽኣቱ ዝጓየ ዘሎን ትራምፕ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ጐስስጓስ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይዕግበት ይብለጸሉ ዘሎ ይመስል።
ሚስተር ባይደን፡ ናብቲ ሚስተር ትራምፕ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዝወሰዶ ኣቀራርባታት ክቐርብ ተገዲዱ ኣሎ። ሓደ ብሓደ ንርኣዮም።
ሕቶታት ፖለቲካዊ ዕቝባ
ብመሰረት ህሉው ሕጊ፡ ዝዀነ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ወጻእተኛ ዕቝባ ክሓትት ይኽእል እዩ።
ክልቲኦም ምምሕዳራት ባይደንን ትራምፕን ግን ብዝሒ ናይቶም ነዚ ጠለብ ዘቕርቡ ብሰንኪ ኮቪድን ካልእ ነናይ ርእሶም ፖሊሲታት ክቈጻጸርዎ ፈቲኖም እዮም።
ሚስተር ባይደን ኣብቲ ዕዉት ጻዕሪ ዋይት ሃውስ፡ ኣንጻር እቲ ሚስተር ትራምፕ ዝገብሮ ቀይዲ በተኽ ፖሊሲታት ዕቝባ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ዶብ ኣመሪካ ምብጽሖም መጀመርያ እንተዘይኣመልኪቶም ዕቝባ ከይሓቱ ዝኽልክል ጐስጓስ ኣካይዱ።
እናወሰኸ ብዝመጽእ ዘሎ ነቐፌታ ግን፡ ምምሕዳር ባይደንን ሰልፊ ዲሞክራትን ምስ ናይ ትራምፕ ዝመሳሰል ሐደስቲ ሕቶታት ዕቝባ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ንኣብነት፡ ንገደባት ዕቝባ ኣጽኒዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዶባት መሳገሪታት መዓልታዊ ገደብ ምፈጠረ ነይሩ። እቲ ገደብ ምስ በጽሐ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ምተመልሱ ነይሮም።
ባይደን፡ ነቲ ዶብ "ክዓጽዎ" ክፈቕደሉ ከምዝነበሮ ተዛሪቡ፣ እዚ ድማ ኣብ ቃናኡ ዓቢ ለውጢ እዩ።
ካልእ ሕጊ ምምሕዳር ባይደን እውን ብብዝሒ ስደተኛታት ኣብ መንጐ መእተዊ ወደባት ኣብ ዝርከብ ዶባዊ ነቝጣታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንተበጺሖም ዕቝባ ክሓቱ ብቝዓት ኣይኮኑን ማለት እዩ።
ምሕረት ምግባር
ምምሕዳራት ባይደንን ትራምፕን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምሕረት ክመጽእ እንከሎ ዝተፈላለየ መርገጽ እዩ ዘለዎም።
መንግስቲ፡ ስደተኛታት ዋላ ቪዛ እንተዘይብሎም፡ ወይ ንቪዛ ክበቕዑ እንተዘይክእሉ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ይፈቅድ።
እዚ ኣገባብ ምሕረት [parol] ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ግን ብዓቢኡ ዝያዳ ይጥቀመሉ ስለዝነበረ፡ ካብ ሪፓብሊካንን ሚስተር ትራምፕን ብርቱዕ ነቐፌታታት ኣስዒቡ።
እዚ ድማ ነቶም ዝተኣስሩ ስደተኛታት ሰብኣዊ ምሕረት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ዓዶም ስደት ወይ ስቅያት ወይ ፍርሒ ከምዘለዎም ምስ ዝረጋገጽ ዝወሃብ እዩ።
ብተወሳኺ ንኸም ኣፍጋናውያንን ዩክሬናውያንን ፍሉይ ዜግነት ዘለዎም ሰባት፡ ፍሉይን ዕላማ ዝገበረ ናይ ምሕረት መስርሓት ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ክሳብ 30 ሽሕ ስደተኛታት ብመሰረት እቲ ንኩባውያን፡ ቬንዙዌላውያን፡ ኒካራጓውያንን ደቂ ሃይቲን ዝምልከት መደብ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ድማ ካብ ገለ ብሪፓብሊካን ዝምራሕ ግዝኣታት ክሲ ኣበጊሱ፣ ዘይሕጋዊ ድማ እዩ።
እቲ ዝተሰረዘ እማመ ዶብ ነዞም መደባት ኣብ ቦታኦም ምሃለዎምን ነቶም ሰብኣዊ ድሌት ዘለዎም ምሕረት ምፈቐደን ነይሩ፡ ብሰፊሑ ግን ንኣጠቓቕምኡ ምገደቦ ነይሩ ዝብል መርገጽ እዩ ዘለዎ።
ምስጓግ
ፕረዚደንት ባይደን ስልጣን ኣብ ዝሕዝሉ እዋን፡ ካብ ምምሕዳር ሚስተር ትራምፕ ናይ ቃናን ፖሊሲን ለውጢ ስለዝነበረ፡ ቍጽሪ ካብ ኣመሪካ ዝስጓጉ ሰባት ብብዝሒ ወሲኹ።
ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ ዝካየድ ዝነበረ ማእሰርትን ምስጓግን ስደተኛታት ንምቍራጽ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ብምክያድ ካብ ኣሰራርሓ ምምሕዳር ትራምፕ ርሕቕ ዝበለ እዩ ነይሩ።
ካብ ምጅማር እቲ ምምሕዳር ጀሚሩ ቍጽሪ ምስጓግ ብቐጻሊ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ክኢላታት ይገልጹ፡ እዚ ግን ኣብ ኣመሪካ ምውሳኽ ኣተገባብራ ዘይኰነስ ብዝለዓለ ቍጽሪ ናብ ዶብ ዝመጹ ሰባት ከምዝዀነ ይዛረቡ።
እዚ ድማ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ምምሕዳራት ወሳኒ ፍልልይ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። እቲ ክፍተት ግን ቅሩብ እናጸበበ ክኸይድ ይኽእል እዩ፤ ሚስተር ባይደን ኣብ ቀረባ እዋን ንዝመጹ ብፍላይ ድማ ነቶም ንዕቝባ ብቝዓት ዘይኮኑ ሰባት ምስጓግ ንምቅልጣፍ ይህቅን ከምዘሎ ይንገር።
መናድቕ ዶብ
ምህናጽ መንደቕ ዶብ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ምስ ኰነ ዝፈረመሉ ፖሊሲ ኰይኑ፡ ሚስተር ባይደን ይዅን ሓያለ ዲሞክራት ብትሪ ተቓዊሞምዎ።
ባይደን ስልጣን ክሕዝ እንከሎ "ካልእ መንደቕ" ከይሃንጽ ቃል ምእታዉ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ ግን ሚስተር ባይደን ምምሕዳሩ ኣብ ቴክሳስ ሓድሽ ህንጸት መንደቕ ዶብ ድሕሪ ምእዋጁ ካብ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ተቓውሞ ገጢምዎ።
ኣብቲ ውሑድ ህዝቢ ዘለዎ ክፋል ጐልጐል ሪዮ ግራንደ ኣስታት 20 ማይልስ ዝንውሓቱ መከላኸሊታት ክህነጽ እዩ።
ሚስተር ባይደን፡ ሚስተር ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ህንጸት ዝኸውን ባጀት ስለዝተፈረመ፡ "ኣማራጺ ከምዘይነበሮ" ገሊጹ።
"ነቲ ገንዘብ ዳግማይ ክረአን ናብ ካልእ ክቕየርን ከእምኖም ፈቲነ። ኣይገበርዎን፤ ኣነ ድማ ደው ከብሎ ኣይክእልን እየ።"
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዛዕባ ተወሳኺ መሰናኽላት ካብ ምምሕዳር ባይደን ዝወጸ መግለጺ የለን።
ትራምፕ ብወገኑ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ሰልፊታት ጐስጓስ መናድቕ ዶባት ንምህናጽ ምጕስጓሱ ቀጺሉ ኣሎ።
ብ27 ለካቲት ብዩኒቨርሲቲ ሞንማውዝ ዝተዘርግሐ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ - መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ንመንደቕ ዶብ ይድግፉ፡ 53 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ድማ ንህንጸት እቲ መንደቕ ከምዝድግፉ ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







