ሓድሽ ለበዳ ቫይረስ 'ማርበርግ' ኣብ ሩዋንዳ ሽድሽተ ሰባት ቀቲሉ

ቫይረስ ማርበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሩዋንዳ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ማርበርግ ሽድሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሳቢን ንሳንዚማና፡ ዝበዝሑ እቶም ግዳያት ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕና ከም ዝኾኑ ገሊፁ።

እቲ ለበዳ ብዓርቢ ካብ ዝረጋገፅ ንነዘ፡ 20 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ማርበርግ፡ ክሳብ 88 ሚእታዊት ናይ ምቕታል ተኽእሎ ዘለዎ እንትኾን፡ ዓሌት ቫይረስ ኢቦላ እዩ።

ብመንካዕ ናብ ሰባት ዝሓልፍ ማርበርግ፡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ምትንኻፍ ፈሳሲ ሰብነት ምስ ዝህሉ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይላባዕ።

በዚ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ፡ ምልክታት ረስኒ፣ ቃንዛ ጭዋዳ፣ ውፅኣትን ተምላስን ዘርእይ እንትኾን ኣብ ገለ ግዳያት ድማ ምስ ምንካይ መጠን ዝውውር ደም ብዝዛመድ ሞት የጋጥም።

ንቫይረስ ማርበርግ ዝከላኸል ክታበት ኰነ ዝፍውሱ መድሓኒታት የለዉን።

እንተኾነ፡ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ደም፣ መድሓኒትን ፍወሳታት ምክልኻል ዓቕሚን ይምዕብሉ ከም ዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልፅ።

ሩዋንዳ፡ ነዚ ለብዒ ንምግታእ በቲ ሕማም ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ርክብ ዝነበሮም ሰባት ምልላይ፣ ክትትልን ምርመራን ምግባር ኣሐይላ ትሰርሐሉ ከም ዘላ ገሊፃ።

ሰብመዚ እታ ሃገር ህዝቢ ጥንቃቐ ክገብር፣ ኢዱ ብፅሩይ ማይን ሳሙናን ክሕፀብ ወይ መናፅሂ ክጥቀም፡ ከምኡ እውን በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ዝጥርጠር ሰብ ክጥቁምን ይፅውዑ ኣለዉ።

ጎረቤት ሃገር ታንዛንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ሰባት ብቫይረስ ማርበርግ ከም ዝተለኸፉ ዝገለፀት እንትትኾን፡ ኣብ ዩጋንዳ ድማ ኣብ 2017 ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሰባት ሞይቶም እዮም።