እስራኤል ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ በይሩት ብዝፈጸመቶ ደብደብ ብርቱዕ ባርዕ ተላዒሉ
- Author, David Gritten
- Role, BBC News
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ጥቃ መዓርፎ ነፈርቲ በይሩት ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብቲ ቦታ ብርቱዕ ነቱጒ ከምዝተሰመዐን ብርቱዕ ባርዕ ከምዝተረኣየን ተገሊጹ።
እቲ ናብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተፈጸመ ደብዳብን ዝሰዓበ ነትጒን ኣብ ዝዀነ ክፋል ከተማ በይሩት ኴንካ ክርአ ዝኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ከምዝነበረ’ዩ ተሓቢሩ።
እቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሕዝቡላህ ብብዝሒ ዝንቀሳቐስሉን ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ከኣ ሰራዊት እስራኤል ንህዝቢ ካብ 20 ከተማታትን ዓድታታትን ክወጽእ ትእዛዝ ኣብ ዘመሓላለፈሉ፡ ሰራዊት ሊባኖስ ክልተ ወተሃደራቱ ብሰራዊት እስራኤል ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ ሞት እቶም ክልተ ወተሃደራት ሊባኖስ’ኳ ርእይቶ እንተዘይሃበ፡ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ንዕጡቃት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ገለ ካብቶም ዕጡቓት ከምዝቐተለ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት እስራኤል ብሓሙስ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ካብ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ብጥይት ከምዝተወግኡ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል ነበርቲ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ሊባኖስ ዝዀነት ናባቲህ ንድሕነቶም ካብታ ከተማ ክወጽኡ’ውን ኣዚዙ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ ዕጡቓት ሕዝቡላህ ናብቲ ካብ ዶብ እስራኤል ንሸነኽ ሰሜን 30 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ሩባ ሊታኒ ከንሳሕቡ’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ 2006 ዝነበረ ኲናት ብስምምዕ ሕቡራት ሃገራት ዕጡቓት ሕዝቡላህ ናብ ሩባ ሊታኒ ምስ ተመለሱ እቲ ኲናት ደው ከምዝበለ ዝዝከር ኰይኑ፡ እስራኤል ሕጂ’ውን ነዚ’ያ ትጠልብ ዘላ።
ዳይረከተር ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ሊባኖስ ማትዩው ሆሊንዎርዝ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኵነታት “ዘሰንብድ” ብምባል ገሊጽዎ።
“መዓልታዊ ንግሆ ንግሆ ብደቡባዊ ሸነክ በይሩት ትኪ ኢና ንርኢ ዘለና፡ ቍጽሪ እቲ ካብ ቤቱ ዝፈናቐል ዘሎ ሰብ ከኣ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ” ኢሉ።
ማትዩው ሆሊንዎርዝ ኣስዒቡ “ሰባት ኣብ ደገ’ዮም ዝድቅሱ ዘለዉ፡ ካብ ደቡባዊ ሸነኽ ሊባኖስ ብመኪና ንሰሜን ገጾም ዝሃድሙ ሰባት ማእለያ የብሎምን” ኢሉ።

ዳይረከተር ቀይሕ መስቀል ኣብ ሊባኖስ ጅዋን ገብርኤል ወልስ ፍርቂ ካብቶም ተፈናቒሎም ብቀይሕ መስቀል ዝእለዩ ዘለዉ ዕድመኦም ትሕቲ 15 ዓመተ ከምዝዀነ ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብደብዳብ እስራኤል ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዝዀኑ ብምሕባር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ 40 ስራሕተኛታት ወሃብቲ ቀዳማይ ረድኤትን ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊን ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ብሓሙስ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ንመኽዘንን መፍረን ኣጽዋርን ቤት ጽሕፈት ሕዝቦላህን ዒላም ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ገሊጹ ዘሎ።
እስራኤል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ልዕሊ 1300 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ሰብ መዚ ሊባኖስ ይሕብሩ።
እስራኤል ንዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ዓመት ካብ ሕዝቦላህ ክፍጸመላ ዝጸነሐ ደብዳብ ሮኬት፡ ሚሳይልን ድሮንን ንምውጋድ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዓስኪሩ ዘሎ ሕዝቦላህ ንምህራም ወሲና ነዚ መጥቃዕቲ ተካይዶ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።
ሕዝቦላህ ብእስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝግለጽ ብኢራን ዓቢ ደገፍ ዝግበረሉ ሓይሊ እዩ።
ሰራዊት እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ልዕሊ 200 ዒላማታት ሕዝቦላህ ብዘካየዶ ደብዳባት ሰለስተ ኣዘዝቲ ሕዝቦላህ ዝርከብዎም ብውሕዱ 15 ዕጡቓት ሕዝቦላህ ከምዝቐተለ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ብተወሳኺ ብሓሙስ ጥራይ ልዕሊ 230 ተወንጫፊ ናብ እስራኤል ከምዝተተኮሰ ብምግላጽ ዝበዝሐ ኣብ ሰማይ ከሎ ክመክን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ሰብ ኣብ ዘይነብሮ ቦታ ክዓልብ ከምዝተገበረን ዝዀነ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለን ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







