ወራር እስራኤል ንሊባኖስ፡ እዘን ሃገራት ክንደይ ግዜ ተዋጊአን፡ ስለምንታይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ድሕሪ’ቲ ንመዓልታት ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ዘካየደቶ ደብዳብን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ስርሒታትን ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ወራር ኣጋር ሰራዊት ጀሚራ ኣላ።
ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ንመጀመርታ ግዜኣ ኣይኮነን፤ ቅድሚ ሕጂ ዘካየደቶም ወፍርታት እውን ዝተሓዋወሰ ውጽኢት እዮም ኣምጺኦም።
እሞ ደኣ እዚ ናይ ሕጂ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተፈጸሙ ወራራት ብኸመይ ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል?
1978፡ ቀዳማይ ወራር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሊባኖስ ድሕሪ ምፍጣር ሃገረ እስራኤል ኣብ 1948 ቀንዲ መዕረፊ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ኰይና ነይራ። ከም ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ.ኤል.ኦ) ዝኣመሰሉ ምልሻታት ከኣ ካብ መንጐ እቶም ስደተኛታት ነይሮም።
እዞም ምልሻታት ካብ ሊባኖስ ኰይኖም ንእስራኤል ብምጥቃዕ ነታ ሃገር ናብ ግጭት ስሒቦምዋ። ነዚ ኵነታት ስዒቡ እስራኤል ነቲ ብጕጅለ ምልሻታት ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ.ኤል.ኦ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ብምሃብ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1978 ንሊባኖስ ወሪራ።
ኣብቲ እዋን እቲ ጕጅለ ምልሻታት ንሓንቲ ኣውቶብስ ብምዕጋት፡ ነቲ ኣብ እስራኤል ‘ጨፍጫፍ ገማግም ባሕሪ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ 38 ሰላማውያን እስራኤላውያን ዝቐተለ መጥቃዕቲ’ዩ ፈጺሙ።
ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝኣተዉ ሓይልታት እስራኤል ድሕሪ ክልተ ወርሒ’ዮም ናብ ድሕሪት ተመሊሶም። ኣብ ውሽጢ ጎረቤቶም ዝዀነት ሃገር ናይ ጸጥታ ዞባ (‘ባፈር ዞን’) ብምቛም ክሳብ 2000 ኣብኡ ጸኒሖም።
እዚ ቀዳማይ ወራር ብወገን ሊባኖስ ጥራይ ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ተቓለስትን ሲቪላትን ክቕተሉ ምኽንያት ኰይኑ። ብወገን እስራኤል ድማ 18 ወተሃደራት ተቐቲሎም።
1982፡ እቲ ዝዓበየ ወራር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዝገበረቶ ዝዓበየ ስርሒት ኣብ 1982 ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሊባኖስ እዩ ተፈጺሙ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት እስራኤል ብኣማኢት ታንክታትን ወተሃደራዊ መካይንን ተዓጂቦም ዶብ ሰጊሮም ኣትዮም። ነዚ ዝፈጸሙ ድማ ብቐንዱ ነቲ ካብ ሊባኖስ ኰይኑ ንእስራኤል ምጥቃዕ ዝቐጸለ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ.ኤል.ኦ) ንምምላስ’ዩ።
ዕላማ እስራኤላውያን ንትሕዝቶታት ፒ.ኤል.ኦ ዒላማ ብምግባር እቲ ኣንጻር እስራኤል ዘካይዶ መጥቃዕቲ ደው ንምባል እዩ ነይሩ።
ሓይልታት እስራኤል ብዝተፈላለየ ግንባራት ፈንጢሶም ብምእታው ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ወሰና ወሰን ርእሰ ከተማ በይሩት ክበጽሑ ክኢሎም።
ወተሃደራት እስራኤል ኣብ እዋን’ቲ መጥቃዕቲ ብዝተፈጸመ ህልቂት ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ተሓተትቲ እዮም።
እስራኤላውያን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ንድሕሪት ብምምላስ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ መከላኸሊ ዞባ ፈጢሮም።
ብወገን ሊባኖስ ክሳብ 20 ሽሕ ዝበጽሑ ሰባት ተቐቲሎም፤ መብዛሕትኦም ከኣ ሲቪላት ነይሮም። ብወገን እስራኤል 654 ወተሃደራት ተቐቲሎም።
1996፡ ሓድሽ ጸላእን ሓድሽ ወራርን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ 1982 ዘካየደቶ ወራር፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ፒ.ኤል.ኦ. ካብ ሊባኖስ ናብ ቱኒዝያ ክፈናቐል ዘገደደ ዕውት ወፍሪ ነይሩ። ግን ብድሕሪኡ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሕዝቦላህ ተመስረቱ። እዚ ጕጅለ ከኣ ንእስራኤል ከም ጸላኢት ብምቝጻር ከጥቅዓ ሃቀነ።
ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሚያዝያ 1996 ንመጀመርታ ግዜ ኣንጻር ሕዝቦላህ ክወፍሩ ተገዲዶም። ናይዚ መንቀሊኡ እቲ ጉጅለ ንዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ሮኬት ምላሽ ንምሃብ’ዩ። እቲ ወራር ንክልተ ሰሙን ጥራይ ዝጸንሐ ድሩት ስርሒት እዩ ነይሩ።
ሽዑ’ውን ሲቪላት ብዝያዳ ግዳያት እቲ ወራር ኰይኖም። 13 ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ክሳብ 250 ዝበጽሑ ሲቪላትን ብወገን ሊባኖስ ተቐቲሎም። እስራኤል ግን ዝዀነ ክሳራ ኣይበጽሓን።
እስራኤልን ሕዝቦላህን ብዘይምርድዳእ ነዊሕ እዋም ቀጺሎም። እዚ ከኣ እቲ እስላማዊ ጕጅለ ብዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ሮኬትን ደብዳብ ሓይሊ ኣየር እስራኤልን ዝተሰነየ’ዩ።
2006፡ ኲናት 34 መዓልታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓምለ 2006 ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ኣብ ስግር ዶብ ንዝርከባ ከተማታት እስራኤል ካብ ምድብዳብ ብተወሳኺ ዶብ ሰጊሮም ኣትዮም። ሽዑ ንኽልተ ወተሃደራዊ መካይን ብምጥቃዕ ሸሞንተ ወተሃደራት ቀቲሎም ክልተ ድማ ጅሆ ሒዞም።
እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየርን መዳፍዕን ብምክያድ ምላሽ ሂባ። ዕጽዋ በረራ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ብምግባር ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እውን ብኣጋር ሰራዊት ወራር መሬት ፈጺማ።
እቲ ኲናት ን34 መዓልታት ዝቐጸለ ኰይኑ ብስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተዛዚሙ።
ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 1,191 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ነይሮም። ብወገን እስራኤል 121 ወተሃደራትን 44 ሲቪላትን ተቐቲሎም።
ወተሃደራዊ ክኢላታት እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሚዛን ከምዝቐየሮ ኤዲተር ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን ይገልጽ።
“. . . ሰበስልጣን ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝሕብርዎ እስራኤል ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ንጕጅለ ሕዝቦላህ ጎዝያቶ’ላ፤ ንፍርቂ ካብ ኣጽዋሩ ኣዕንያቶ። ንሊባኖስ እውን ወሪራታ" ይብል።
እስራኤላዊ ተንታኒ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዮኣቭ ስተርን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስቲ ኣብ 2006 ዝነበረ ብዝመሳሰል ስትራተጂ ድሩት ወራር ከምዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።
"ኣብ ክንዲ ቅልጡፍን ኵለመዳያውን ወራር ምጅማር ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝርከባ ከተማታት በብሓደ ምሓዝ ሓዊሱ ቀስ ዝበለ፣ ጥንቁቕን ዝተሓሰበሉን ወራር ክኸውን'ዩ" ይብል ስተርን።
ሕዝቦላህ ኣብ ከተማታት ደቡባዊ ሊባኖስ ንነዊሕ እዋን ዓሪዱ ምጽንሑ ብምዝኽኻር እዚ ድማ እስራኤል ብቐሊሉ ነዘን ከተማታት ተቘጻጺራ ቀልጢፋ ክትወጽእ ከምዘየኽእላ የረድእ።
ጕጅለታት ኣለሻን ድሕነትን፡ እስራኤል ሰራዊታ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ወራር ከምዝጀመረ ኣብ ዝገለጸትሉ 1 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሲዶን-ሊባኖስ ዝርከብ መዓስከር ፍልስጤማውያን ኣይን ኣል ሂልዌህ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ዝሞቱ ሰባት ክረኽቡ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ።
ኣብ መንጐ ኵነታት ሊባኖስን እስራኤል ድሕሪ’ቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈነዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍርን ፍልልይ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጽን መሪሕነትን ሕዝቦላህ ዕዉት መጥቃዕቲ'ኳ እንተተፈጸመ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝረአ ዘሎ ኵነታት ግን ኣዝዩ በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ክኢላ ትንተና ማእከላይ ምብራቕ ፕሮፌሰር ኣሚን ሳይካል፡ "ሕዝቦላህ ሓማስ ኣይኰነን። ተሃስዩ'ሎ ግን ሕጂ'ውን ኣዝዩ ድልዱል ዕጥቅን ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣን ኣለዎ" ይብል።
"እቲ ጕጅለ ኣንጻር ወራር እስራኤል ዕቱብ ቃልሲ ከካይድ ክኽእል እዩ። እዚ ንመንግስቲ እስራኤል ልዑል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ።
ጀረሚ ቦወን ብወገኑ እስራኤል ኣብ ወፍሪ ቓዛ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታታ ገና ከምዘይተዓወተት ይሕብር።
"ሕዝቦላህ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ሰፊሕ ናይ መራኸቢታትን መሳለጥያታትን ገለርያታት ኣለዎም። እስራኤል ናብ ቓዛ ክትኣቱ ከላ ሓደ ካብቲ ወተሃደራዊ ዕላማኣ ንመርበብ ገለርያታት ሓማስ ምፍራስ’ዩ ነይሩ። ግን ድማ ድሕሪ ዓመት’ውን ከምኡ ክትገብር ኣይከኣለትን" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







