ሊባኖስ፡ ኣብ ፈላሚ ምድራዊ ውግእ 8 ወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሎም

ረቡዕ ንጐሆ ኣብ ዱበባዊ ቤይሩት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት እስራኤል፡ ትማሊ ዶብ ሊባኖስ ጥሒሱ ድሕሪ ምእታዉ: ሕዝቦላህ ንፈለማ እዋን ኣብ ክሊ ግዝኣቱ ምስ ሓይልታት እስራኤል ውግእ ከምዝገጠመ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሕዝቦላህ፡ ሎሚ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ምስ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዘካየዶ ግጭት ኣካል ናይቲ "ቀዳማይ ዙርያ ውግእ" ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

መሓመድ ዓፊፍ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሓይልታትና ንጸላኢ ንምግጣምን ንምምካትን ምሉእ ምድላው ገይሮም ኣለዉ” ክብል ምዝራቡ፡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣፊፍ ወሲኹ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ምስ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንዝግበር ውግእ እኹል ዕጥቂን ኣፅዋርን ከምዘለዎ ይዛረብ።

ሕዝቦላህን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን፡ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ኣብ ባይታ ወተሃደራዊ ግጭት ከምዘጋጠመ ክልቲኦም ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

ሰባዊ ክሳራ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ

ዝተቐትለ ወተሃደር እስራኤል - ካፕቴን ኢታን ይትዛክ ኦስተር

ምንጪ ስእሊ, IDF

መግለጺ ስእሊ, ዝተቐትለ ወተሃደር እስራኤል - ካፕቴን ኢታን ይትዛክ ኦስተር

ሸሞንተ ወተሃደራት እስራኤል ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካፕቴን ኢታን ይትዛክ ኦስተር ዝተባህለ መኮንን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ዝተቐትለ ፈላሚ ወተሃደር ምንባሩ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ፡ ኣዛዚ ኣብ ደባይ ውግእ እትነጥፍ ጋንታ ‘ኤሊት ኣሃዱ ኮማንዶ’ ምንባሩ መግለፂ እቲ ሰራዊት ይሕብር።

ሰለስተ ካብቶም ሸውዓተ'ውን ኣባላት ናይታ ፍልይቲ ኣሃዱ ምዃኖም እቲ ሰራዊት ጠቒሱ'ሎ። ካልኦት ሸውዓተ ወተሃደራት ከምዝቖሰሉ'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ትማሊ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ትሕተ-ቅርፂ ‘ፀላኢ’ ካብ ምዕናው ጀሚሩ፡ ኣብ "ሓያሎ ከባብታት" ስርሒታት ከምዘካየደ ይሕበር።

እቲ ስርሒታት ምስ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ብምውህሃድ ከምዝካየድ ዝሓበረ ዀይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ "ልዕሊ 150 ትሕተ ቅርጺ" ከምዝዓነወ ይገልጽ።

ሕዝቦላሕ፡ ሓይልታት እስራኤል ነቲ ‘ሰማያዊ ሕንፃፅ’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆጻጸሮ ዶብ ጥሒሱ ኣስታት 400 ሜትሮ ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከምዝኣተዉ ይከሽስ።

ጉተረዝ ናብ እስራኤል ከይኣቱ ተኣጊዱ፡ ባይቶ ጸጥታ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ 02 ጥቅምቲ 2024፡ ኒው ዮርክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናብ እስራኤል ከይኣቱ ከምዝተኣገደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኢስራኤል ካዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ ጉተረዝ ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ ደብዳብ ሚሳይላት "ብዘየወላውል መንገዲ ኣይኮነኖን" ብዝብል ዝተወስደ'ዩ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፡ "ጸረ-እስራኤል" መርገጺ ኣለዎ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ "ንኣሸበርቲ፡ ዓመጽቲን ቀተልትን ደገፍ" ይህብ'ዩ ክብል ከሲሱ።

ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብምኹናን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዑ ነይሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ኒው ዮርክ ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።

በቲ ኩነታት ዝተሻቐለ ጉተረዝ፡ "ግዜ ይሓልፍ ኣሎ" እቲ ኩነታት ብህጹጽ ፍታሕ ክናደየሉ ጸዊዑ'ሎ።

"እቲ ማእከላይ ምብራቕ ሃልሃል ዝብል ዘሎ ባርዕ ብቕልጡፍ ናብ መቕሎ ይሰጋገር ኣሎ" ክብል ብምግላጽ፡ "ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ" ከምዝማዕበለ ተዛሪቡ።

ግዝያዊ ቶዂሲ ደው ምባል ዘቕረቦ እማመ ብእስራኤል ተቐባልነት ከምዘይረኸበ'ውን ነቲ ኣኼባ ሓቢሩ።

"ኣብ ሊባኖስ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ከይግበር ምግታእ ወሳኒ'ዩ" ዝበለ ጉተረዝ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት እቲ ውድብ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ገሊጹ፡ ዋላ'ኳ እስራኤል ቦታ ክቕይር ጠለብ እንተ ኣቕረበት።

ቁጽሪ ግዳያት ይውስኽ

ዘይተፈንጀረ ባሊስቲክ ሚሳይል ኢራን ኣብ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሊባኖስ ዛጊት ልዕሊ 1000 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሊባኖስ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይገልጹ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ እስራኤላዊት ከተማ ተል-ኣቪቭ ሸውዓተ እስራኤላውያን ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት 16 ቆሲሎም። እቲ ብጥይትን ካራን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብክልተ "ኣሸበርቲ" ከምዝተፈጸመ ሰብመዚ ጸጥታ ገሊጾም።

ሓደ ወዲ 19 ዓመት ካብኦም ክቕተል እንከሎ፡ እቲ ወዲ 25 ዓመት ካልኣዩ ግን ብኸቢድ ቆሲሉ ይእለ ከምዘሎ ጠቒሶም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ዜግነት ግሪኽ ዘለዎ ሰብ ከምዝተቐትለ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ብካልእ ወገን፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካየድዎ ሓድሽ ደብዳባት ኣየር ብውሕዱ 73 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና እቲ ወሽመጥ ገሊጾም።

ኣኼባ ሓለፍቲ ጸጥታ እስራኤል

ሓለፍቲ ጸጥታ እስራኤል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Ma'ayan Toaff

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ስርሒታት ንምዝርራብ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ተራኺቡ።

ኣብቲ ኣብቲ ኣብ ከተማ ተል-ኣቪቭ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት ዝርከብዎም ሰበስልጣን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ትካላት ስለያን'ውን ተሳቲፎም እዮም።

ትማሊ ምሸት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጽዑቕ ደብዳብ ሚሳይላት ድሕሪ ምክያዳ፡ "ዓቢ ጌጋ ፈጺማ" ክብል ዝተዛረበ ነታንያሁ ኢዳ ክትረክብ ምዃና ኣጠንቂቑ ነይሩ።