ሰሜን ኮርያ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣህጉር ዘቋርጽ' ሚሳይል ከምዝወንጨፈት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሜን ኮርያ ዛጊድ ካብ ዝፈተነቶም ኵሎም ዓይነታት ባሊስቲክ ሚሳይላት ተራእዩ ዘይፈልጥ "ዝሓየለ" ሓድሽ ሚሳይል ከምዝፈተነት ኣፍሊጣ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ነቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ፈተነ ሚሳይል፡ "ተኣምራዊ" ክብላ ንኢደናኦ።
እዚ ሚሳይል ንምውንጫፍ ብዙሕ ነዳዲ ዝጥቀም ምዃኑ ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ይገብሮ።
እቲ ሚሳይል ካብቶም ፈሳሲ ነዳዲ ዝጥቀሙ ብዝቐልጠፈ ናይ ምትኳስ ዓቕሚ ስለዘለዎ፡ ብጸረ-ሚሳይላት ንምክልኻሉ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይንገር።
ጎረቤት ሰሜን ኮርያ ዝዀነት ደቡብ ኮርያ ግን፡ ነዚ ሓድሽ ዓይነት ባሊስቲክ ሚሳይል ንምምዕባልን ንምጥቃምን ነዊሕ ግዜ ከምዝወስድ እያ ትገልጽ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ፈተነ ሓፊስ ነዳዲ ዝጥቀሙ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይላት፡ ሰሜን ኮርያ ንፈለማ እዋን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ፈቲና ዘላ።
ክኢላታት፡ እቲ ፈተነ ሚሳይል ኣብ መደብ ህንጸት ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት'ዩ ክብሉ ገሊጾሞ።
እቲ ሚሳይል ሃንደበትን ብዘይ መጠንቀቕታን ንኣሜሪካ ክሃርም ዘኽእል እዩ ድማ ኢሎም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ግን፡ እቲ ቴክኖሎጂ ሚሳይል ሓድሽ ከምዘይኮነን፡ ኣብ መንጐ ኣህጉራት ዝካየድ ባሊስቲክ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ገና ኣብ ምድላው ዝርከብ ስራሕ ምዃኑን ገሊጹ።
ኣብቲ ፈተነ ምስ ጓሉ፡ በዓልቲ ቤቱን ሓፍቱን ዝተሳተፈ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን፡ እቲ ሓድሽ ፈተነ ሚሳይል፡ "ንጸላእቲ ኣብ ዓቢ ፍርሕን ጭንቀትን ከእትዎም'ዩ" ኢሉ።
እዚ ፈተነ ሚሳይል ሃዋሶንግ-18፡ ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን ምድንጋር ፈጢሩ፡ ነበርቲ ካብ ገዛኦም ክወጹ ደሪኽዎም።
ኣብታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ደሴት ሆካይዶ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ገለ ኣገልግሎት ባቡር ስለዝተቛረጸ፡ ትምህርቲ ደንጉዩ ጀሚሩ።
ሰበስልጣን ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ነቲ ፈተነ ኮኒኖሞ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ንወተሃደራዊ ሰራዊቱ ጸላእታ ነታ ሃገር ካብ ምጥቃዕ ንምክልኻል ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከድህቡ ድሕሪ ምእዛዙ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።
ተንተንቲ፡ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶ ሓድሽን ሓያልን ፈተነ ሚሳይል፡ ዝገርም ዘይኮነስ፡ ውጽኢት ናይቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ሓጺር ርሕቀት ፈተነ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰሜን ኮርያ ኑክሌራዊ መሳርያኣ ንምዕባይን ኣዝዩ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ንምህናጽን ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።
ብዘይካ’ዚ፡ ጐረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ልምምድ ምክያዳ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ከጋድድ እዩ ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ነይራ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ ኣብዚ ሰሙን መበል 11 ዓመት ኣብ ዝዝከርሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ግዜ ወተሃደራዊ ኵነታት እታ ሃገር ንምርኣይ ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል ይንገር።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ሚሳይል፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ልደት መስራቲ እታ ሃገር ኪም ኢል-ሱንግ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ካብቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝኽበሩ ዓበይቲ ሃገራዊ በዓላት ሓደ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







