ሩስያ ኣማኢት ጀርመናውያን ተባርር ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ባህልን ዝሰርሑ ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጀርመናውያን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ካብ ሩስያ ይስጎጉ ምህላዎም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ሩስያ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ቁጽሪ ጀርመናውያን ሰራሕተኛታት ክትንኪ ምዃና ዝገልፁ ፀብፃባት ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ካብቶም ዝባረሩ ዘለዉ ኣብ ሞስኮ ናይ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጀርመን መምህራንን ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ባህላዊ ማሕበር ጎተ ኢንስቲትዩትን ይርከብዎም።
እዚ ስጉምቲ፡ ጀርመን ዲፕሎማሰኛታት ምስጓጓ ከምኡ’ውን ኣብ ዝምድና ሩስያን ጀርመንን ዝርአ ምስሕሓብ እናወሰኸ ምኻዱ ስዒቡ ዝመጸ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያን ጀርመንን ነፍሲ ወከፈን 40 ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት ናብ ሃገረን ከይኣትዉ ብምእዋጅ ከም ዘባረራ ይዝከር።
ጀርመናዊት ጋዜጣ ሱድዩሸ ዛይቱንግ፡ እዚ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ዲፕሎማሰኛታት ዝርከብዎም "ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ” ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ክጸልው ምዃኑ ጸብጺባ።
እታ ጋዜጣ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ብምጥቃስ፡ "ነዚ ብሓደ ወገን ዝተወሰደ ዘይምኽኑይን ንምርዳእ ዘጸግምን ውሳነ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕጂ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሩስያ ትሑት ህላወ መንጎኛታት ምርግጋጽን ኣብ ርእሲኡ ዲፕሎማስያዊ ህላወ'ውን ምዕቃብን ዝምልከቱ ስክፍታ ኣለዎ" ኢላ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣብ ጀርመን ዝህሉ ዝለዓለ ቁጽሪ ሩስያውያን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ውሳነ፡ ብተግባር ሓቀኛ ሚዛን ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓያሎ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዩክረይን ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ንዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ኣባሪረን እየን።
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022፡ ልዕሊ 40 ብሰለያ ዝተጠርጠሩ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክወጹ ትእዛዝ ከም ዝተወሃቦም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







