ዙር ጋቦን 2023፡ ፈረንሳዊ ጀፍሪ ሱፐ ክዕወት እንከሎ ሄኖክ ሙሉብረሃን ራብዓይ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ [ዙር ጋቦን] ንቀዳማይ መድረኽ ተቐዳዳማይ ክለብ ቶታል ኢነርጂ ፈረንሳዊ ጀፍሪ ሱፐ ንውድድሩ ብ3 ሰዓት፡ 29 ካልኢትን ብምዝዛም ክዕወተሉ እንከሎ ክልተ ኤርትራውያን ግዜ ከይከሰሩ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኣትዮም።
ቀዳማይ መድረኽ ዙር ጋቦን ካብ ከተማ ቢታም ናብ ከተማ ኣየም 121.5 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ኮይኑ ንጀፍሪ ሱፐ ተኸቲሉ ተቐዳዳማይ ክለብ ቢንጎል ቤልጂማዊ ልዊስ ብሎወ ካልኣይ ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቡርጎስ፡ ኣንቶንዮ ኣንጉሎ ከኣ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብቲ ብቕጽበታዊ ውድድር ዝተዛዘመ መድረኽ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን ራብዓይ ክወጽእ እንከሎ ምስ ቱርካዊት ጋንታ በይኮዝ ኮይኑ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ዕዉት ዙር ጋቦን 2014 ናትናኤል ብርሃነ ከኣ መበል ሻዱሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዳዊት የማነ፡ ኤፍሬም ገብረህይወትን ኣክሊሉ ኣረፈን ግዜ ከይከሰሩ ብቅደም ተኸተተል መበል 18፡ 19 ከምኡ ከኣ 25 ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም።
ሜሮን ተሾመን ሚኪኤል ሃብቶም ከኣ ካብ ቀዳማይ ብሓደ ደቒቕን 16 ካልኢትን ብምድሓር መበል 39 መበል 40 ወጺኦም።

ምንጪ ስእሊ, Henok Mulubrhan
ኣብ 2011 ኣብ ናይ መኽፈቲ ጸወታ ዙር ጋቦን ናይ ቀዳማይ መድረኽ ዑውት ክኸውን ዝኸኣለ ፈረንሳዊ ጀፍሪ ሱፐ ድሕሪ 12 ዓመታት ኣብ ዙር ጋቦን ብምስታፍ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ክዕወት ምኽኣሉ ፍሉይ ክብሪ ኣመዝጊቡ።
ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ካልኣይ መድረኽ ከኣ ብጫ ማልያ ለቢሱ ኣብዚ ውድድር ክኣቱ’ዩ።
ንትሕቲ 23 ዓመት ኣብ እትውሃብ ማልያ ቤልጂማዊ ልዊስ ብሎወ ክውንና እንከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኤፍሬም ገብረህይወትን ብ6 ካልኢት ድሒሮም ካልኣይን ሻሙናይን ተሰሪዖም ኣለዉ።
ናይ ሎሚ ዕዉት ቀዳማይ መድረኽ ጀፍሪ ሱፐ ብ30 ነጥቢ ወናኒ ናይ ነጥቢ ማልያ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ27 ነጥቢ ራብዓይ ናትናኤል ብርሃን ከኣ ብ19 ነጥቢ መበል ሻዱሻይ ተቐሚጦም ኣለዉ።
ብጋንታ ቶታል ኢነርጂ ንውድድራ ብ9 ሰዓት 1 ደቒቕን 27 ካልኢትን ብምዝዛም ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ካልኣይ መድረኽ ዙር ጋቦን ጽባሕ ካብ ኦይመ ተበጊሱ ኣብ ሚትዚክ ዝዛዘም 111.5 ኪሎሜተር ውድድር ከካይድ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2022- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን
2021- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን
2020- ፈረንሳዊ ጆርዳን ለቫሱር
2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ
2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ
2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን
2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ
2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2011- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







