ኬንያ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብነጻ ክኣትዉ ፈቒዳ፤ ዜጋታት ኤርትራ'ኸ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኬንያ፡ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ሓድሽ ናይ መገሻ ፍቓድ ምርግጋጽ ሕቶን ክፍሊትን ነጻ ክዀኑ ከምዝፈቐደት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ኬንያ ዘተኣተታወቶ ሓድሽ ስርዓት ነጻ ኰይኖም ክኣትዉ፡ መንግስቲ ኬንያ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶ ተቐቢልዎ ኣሎ።
ኬንያ፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚራ፡ ተጓዓዝቲ ብኢንተርነት ፍቓድ መገሻ ብምሕታት ክፍሊት ብምፍጻምን ብዘይ ቪዛ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ሓድሽ ኣገባብ ከም ዝጀመረት ይዝከር።
ይዅን እምበር፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ቪዛን ክፍሊትን ናብ ኬንያ ክኣትዉ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ንተወሳኺ ክፍሊትን ዝተሓላለኸ መስርሕ ጕዕዞን ተቓሊዕና ኢሎም ከማርሩ ጸኒሖም።
ነዚ ምርኩስ ብምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ክዘራረብ ከምዝተገደደን፡ መንግስቲ ኬንያ ኢትዮጵያውያን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ናብታ ሃገር ብነጻ ክኣትዉ ከምዝፈቐደን ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ ወሲኹ ኣብሪሁ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ናብ ኬንያ ዝገሹ ኢትዮጵያውያን ቪዛን ተዛመድቲ ክፍሊትን ኣየድልዮምን፣ እንተዀነ ኣቐዲሞም ነቲ ናይ ኦንላይን ቅጥዒ ክመልኡ ይግደዱ።
ኬንያ፡ ዜጋታት እታ ኣህጉር ብናጽነት ንኽንቀሳቐሱ ዘተኣተታወቶ መደብ፡ ካብ ዝዀነ ዓለም ንዝመጽእ ገያሺ ብዘይ ቪዛ ንኽኣቱ ዘኽእል፡ ሓድሽ መመልከቲ ቅጥዒን ክፍሊትን ስርዓት ኣተኣታትያ።
እንተዀነ፡ ኢትዮጵያውያን ቪዛ ይዅን ካልእ መመልከቲ ከየድለዮም ናብ ኬንያ ክኣትዉን ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ክጸንሑን ይፍቀደሎም ነይሩ።
ድሕሪ ምትእትታው እዚ ሓድሽ ስርዓት፡ ናጻ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ንዝተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ።
ንነዊሕ እዋን ኢትዮጵያን ኬንያን ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ናብ ነንሕድሕደን ክጓዓዙ ዘኽእል ስምምዕ ኣለወን።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ሓድሽ ስርዓት ግን፡ ተጓዓዝቲ ነቲ ኤሌክትሮኒክ ትራቨል ኦቶራይዘሽን (ETA) ዝበሃል ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝተኣተታወ መስርሕ ክኽተሉ ክግደዱ ጸኒሖም።
ዜጋታት ኤርትራ'ኸ
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ለካቲት 2023 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ካብን ናብን እተን ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ መገሻታት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ተሳማሚዖም ነይሮም።
ኤርትራውያን ገያሾ ነዚ ዕድል ብምጥቃም፡ ንኬንያ ብዘይ ቪዛ ክኣትው ጸኒሖም እዮም።
ካብ ጥሪ ጀሚሩ ግን፡ ኬንያ ኵሉ ሰብ ብዘይ ቪዛ ክኣቱ ከተፍቅድ ምዃና ምስ ኣፍለጠት፡ እቲ ብዘይ ቪዛ ዝኣቱ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ወይ ቪዛ ክረክብ ተሓቲቱ።
ዋጋ እቲ ቪዛ 30 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ሓተትካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ዝወሃብ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ገያሾ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘሎ መሲልዎም ንኬንያ ምስ መጹ ካብ ኣየርፖርት ክምለሱ ተራእዮም እዮም።
መንግስቲ ኬንያን፡ ምስተን ቅድሚ ሕጂ ምስ ኬንያ ካብ ቪዛ ነጻ ስምምዕ ዝነበረን ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ድሕሪ ገለ እዋን ዳግመ ግምት ክህሉ'ዩ’’ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ ዝተቐየረ የለን። ኵሉ ኤርትራዊ ንኬንያ ክኣቱ ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ ወይ ቪዛ ክረክብ ይግደድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







