ዩጋንዳ ኣብ ልዕሊ ካናቢስን ጫትን ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ

ጠበቓታት ሓረስቶት፡ ጫት ከም ዕጸፋርስ ምምዳብ ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ከም ዘይኮነ ይምጉቱ

ምንጪ ስእሊ, Isaac SsemakaddeTwitter

መግለጺ ስእሊ, ጠበቓታት ሓረስቶት፡ ጫት ከም ዕጸፋርስ ምምዳብ ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ከም ዘይኮነ ይምጉቱ

ዩጋንዳ ኣብ ዝተፈላለዩ መዐወኒ ፍርያታት ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ከም ዘልዓለት ተፈሊጡ።

እታ ሃገር ካብ 2015 ጀሚሩ ከም ማሪዋናን ጫትን ዝኣመሰሉ ዕጸፋርሳት ከም ገበን ዝቖጽር ሕጊ ከም ዝነበራ ይዝከር።

እንተዀነ ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ ነቲ ዝጸንሐ ሕጊ ከም ዘልዓለ ተገሊጹ ኣሎ።

ጉጅለ ሓረስቶት ጫት፡ ካብ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ጀሚሩ ነቲ ኣብ 2015 ዝጸደቐ ሕጊ ክቃወሙ ጸኒሖም እዮም።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሕዚ እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ሕጊ ኣብ ፓርላማ እኹል ድምጺ ከይረኸበ ከም ዝጸደቐ ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ሰሪዙዎ ኣሎ።

ዝዀነ ሕጊ ኣብ ባይቶ ዩጋንዳ ንክጸድቕ፡ እንተወሓደ ሓደ ሲሶ ካብቶም ድምጺ ክህቡ መሰል ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ክረክብ ኣለዎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ እኳ እቲ ሕጊ እንተተለዓለ፡ ብመሰረት ካልኦት ሕግታት ዩጋንዳ ዕጸፋርስ ብምዕባይ፡ ምሓዝ፡ ምጥቃም ወይ ምሻጥ ዝኣመሰሉ ዝተኸልከሉ ወይ ዝተኣገዱ ተግባራት ምፍጻም ንማእሰርቲ ክድርኽ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ዩጋንዳ፡ ሓይልታት ጸጥታ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ብሕቲ መሬት ንዝርከቡ ሕርሻታት ካናቢስን ጫትን ዘሚቶም የቃጽሉ ወይ ካብ ሱሮም ይብቁስዎ ነይሮም።

ንመዘናግዒ ዝውዕል መሸጣን ምጥቃምን እውን ዘይሕጋዊ እዩ።

ፖሊስ፡ ካናቢስን ጫትን ሒዞም ዝረኸቦም ሰባት ከም ዝኣስር’ውን ይዝረብ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንግዳዊ ምፍራይን ሰደድን 'ሕክምናዊ' ማሪዋና ሕጋዊ ንምግባር ፃዕርታት ክገብራ ጸኒሐን እየን።