ሜክሲኮ፡ ሓሺሽ ፈንትነል ናብ ግዝኣታ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይኣቱ ከምዘሎ ‘ኣረጋጊጸ’የ’ ኢላ

ፈንትነል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድረስ ማኑል ሎፔዝ ኦብራዶር እቲ ዝሓየለ ሓሺሽ ፈንትነል ካብ ቻይና ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገሩ ይኣቱ ከምዘሎ መረጋገጺ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ዝተዓሸገ ፈንትነል ኣብ ወደብ ላዛሮ ካርዴናስ ከምዝተረኸበ’ውን እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ገሊጹ።

“ጥሉል መረዳእታ ኣለና” ዝበለ ፕረዚደንት ሎፔዝ፡ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ስግግር ሓያል ሓሺሽ ደው ንክብል ሓገዝ መንግስቲ ቻይና ከምዝሓትት ሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ ዓቐን ፈንትነል ምውሳድ ቀንዲ ቀታሊ ደቂ ሰባት ከምዝኾነ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንፕረዚደንት ቻይና ዢ ዢንፒንግ ኣብ ቃልሲ ጸረ መዕንዘዚ መድሓኒታት ንክሕግዝ ደብዳበ ከምዝጽሓፈሉ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ከምኡ ንክገብር ምስ ተማሕጸንዎ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ቻይና ነቲ ዘይሕጋዊ ስግግር ፈንትነል ደው ንኸብሎ ደጋጊሙ ከምዝሓትት ተዛሪቡ።

ዋና ጸሓፊ ሓይሊ ባሕሪ ሜክሲኮ ራፋኤል ኦጄዳ፡ እቲ ኣብ ላዛሮ ካርዴናስ ዝተረኸበ ዕሹግ ፈንትነል 35 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ነዳዲ መትሓዚ ተሓቢኡ ከምዝተረኸበ ገሊጹ።

እታ ናይ ጽዕነት መርከብ ካብ ቻይናዊት ከተማ ኵንግዳኦ ዝተበገሰት ኰይና፡ ቅድሚ ናብ ሜክሲኮ ምብጽሓ ብመገዲ ደቡብ ኮርያ ኣቢላ ከምዝሓለፈት ተፈሊጡ።

እቲ ንመዐገሲ ቃንዛ ዝውዕል ዓይነት ሓሺሽ ፈንትነል፡ ካብ ሄሮይን ብ50 ዕጽፊ ዝሓየለ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 2021 ልዕሊ ዓቐን መድሓኒት ብምውሳድ ካብ ዝሞቱ ኣስታት 107 ሽሕ ሰባት፡ እቶም 67 ምኢታዊት ብሰንኪ ፈንትነል ወይ ከዓ ተዛመድቲ ጉዳያት ከም ዝሞቱ ምምሕዳር ቍጽጽር ኣፋውስ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ፈንትነል ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ መንቀሊ ትሕቲ 50 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰባት ቀታሊ ከምዝኾነ ምምሕዳር ቍጽጽር ኣፋውስ ኣሜሪካ ወሲኹ ገሊጹ።

ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ ንሜክሲካውያን ኣሰጋገርቲ ዕፀ ፋርስ ኣብታ ሃገር ፈንትነል ናብ ተጠቀምቲ ብምብጽጻሕ ይኸስዎም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሰለስተ ሜክሲካውያን ኣሕዋት ብምስግጋር ፈንትነል ክሲ ዝቐረበሎም እንትኾን፡ ካብኣቶም እቲ ሓደ ጥራይ’ዩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ። ኣቦ ናይቶም ቆልዑት ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዕድመ ይፍታሕ ተፈሪድዎ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ’ዩ ዝርከብ።

ፕረዝደንት ሜክሲኮ ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ፈንትነል ኣብ ሜክሲኮ ከምዘይፈሪ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብኣስገርቲ ዕፀ ፋርስ ካብ ሃገራት ኤስያ ተዓዲጉ ከምዝመጽእ ተዛሪቡ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ማዮ ኒንግ፡ ኣብ ጉዳይ ካብ ቻይና ተጻዒኑ ናብ ሜክሲኮ ዝኣተወ ፈንትነል ዝተነገሮም ነገር ከም ዘይነበረ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጣ ነይራ። እቲ ኣብ ኣሜሪካ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ፈንትነል ኣብ ኣሜሪካ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ'ያ ገሊፃ።