ንዅሎም ኣሜሪካውያን ክቐትል ዝኽእል መጠን ‘ፈንታኒል’ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈደራላዊ ተቘጻጸርቲ ዕጸፋርስ ኣሜሪካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣሜሪካዊ ክቐትል እዅል መጠን ‘ፈንታኒል’ ዝተበሃለ ዓይነት ሓሺሽ ኣብ 2022 ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።
ምምሕዳር ቍጽጽር ዕጸፋርስ (The Drug Enforcement Administration - DEA)፡ ቀተልቲ ክዀኑ ዝኽእሉ 379 ሚልዮን ዶዛት ፈንታኒል ከምዝሓዘ ገሊጹ። እታ ሓንቲ ንበይና ድማ ክልተ ሚሊግራም ጥራይ ትምዘን።
እቲ ምምሕዳር፡ ነቲ ካብ ሄሮይን ብ50 ዕጽፊ ዝሓየለን ኣዝዩ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ ዘለዎን ንጥረ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዘንፀላለወ ቀታሊ ስግኣት ዕጸፋርስ ክብል ገሊጽዎ።
መብዛሕትኡ እቲ ፈንታኒል ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተወ ድማ ሓቢሩ።
ምምሕዳር ቍጽጽር ዕጸፋርስ (DEA)፡ ልዕሊ 4,500 ኪሎ ግራም ዝግመት ፈንታኒል ከምኡ'ውን ልዕሊ 50.6 ሚልዮን ዝተፈላለዩ ብሓኪም ዝተኣዘዙ ጸረ ቃንዛታት ብምምሳል ዝተሰርሑ ከኒናታት ፈንታኒል ከም ዝሓዘ ይገልጽ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ዝሓዝዎ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ።
መብዛሕትኦም እቶም ሓሺሻት ኣብ ሜክሲኮ ብዝርከቡ ሲናሎዋን ጃሊስኮን ዝበሃሉ ምስጢራዊ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ዝፈርዩ ኰይኖም፡ ካብ ቻይና ዝመጽእ ኬሚካላት ከምዝጥቀሙ ይግለጽ።
እቲ ዕጸፋርስ ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ፡ መጠን ኣብ ጫፍ ርሳስ ክልከ ዝኽእል ጥራይ ናብ ሞት ከቃልዕ ይኽእል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ኣሜሪካውያን ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብዚኦም ክልተ ሲሶ ምስ ፈንታኒል ከምዝተኣሳሰሩ ይግለጽ።
ኣብዚ ዓመት ዝተታሕዘ መጠን ፈንታኒል ንዅሎም 330 ሚልዮን ነበርቲ ኣሜሪካ ንምቕታል እኹል ምዃኑ ትካል ምቍጽጻር ዕጸፋርስ ኣፍሊጡ።
ኣመሓዳሪት እቲ ትካል ምቝጽጻር ዕጸፋርስ ኣን ሚልግራም፡ "ቀዳምነት ስርሒት ትካልና ነቶም ሎሚ ንኣሜሪካውያን ምስ ዝቐትል ዘሎ ፈንታኒል ብቐንዱ ተሓተትቲ ዝዀኑ ክልተ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ሜክሲኮ - ሲናሎዋን ጃሊስኮን ምብዳህ'ዩ" ኢላ።
ብዘይካ ፈንታኒል፡ ብዝሒ ዘለዎም ሜታምፌታሚ፡ ሄሮይንን ኮኬይንን እውን ተታሒዙ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







