ታይላንድ ንግዲ ካናቢስ ሕጋዊ ገይራ

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES/GETTY IMAGES
ታይላንድ ማሪዋና ዝተባህለ እጽ ካብ ዝርዝር ዘይሕጋዊ እጻት ምውጻኣ ስዒቡ ዜጋታታ ካናቢስ ኣብ ገዝኦም ከፍርዩን ክሸጡን ከምዝኽእሉ ሓቢራ።
ኣብቲ ጽኑዕ ሕጊ ዕጻት ዘለወን ሃገራት ዝርከባሉ ዞባ ደቡብ ምብራቕ እስያ፡ ታይላንድ ነዚ ምምሕያሽ ዝገበረት ፈላሚት ሃገር እያ።
እንተኾነ ነዚ እጽ ከም መዘናግዒ ምጥቃም ሕዚ እውን ክልኩል እዩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ምምዕባል ንግዲ ካናቢስ ንዓውዲ ሕርሻን ቱሪዝምን ከጠናኽር እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ምፍራይ ካናቢስ ንምትብባዕ ሓደ ሚልዮን ዘርኢ ካናቢስ ኣዳልዩ ብነጻ ውሰዱ ይብል ኣሎ።
እቲ ዕድል ዜጋታትን እታ ሃገርን ካብ ማሪዋና ኣታዊ ክረኽቡ ዕድል ከምዝፈጥር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ ብካናቢስ ዝተሰርሐ ደርሆ ኣብ ፌስቡክ ብምልጣፍ ነቲ ሕጊ ዝኽተል ኩሉ ነቲ ምግቢ ክሸይጥ ከምዝኽእል ዝሓበረ ኮይኑ፡ መጠን እቲ እጽ ትሕቲ 0.2% ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝተመዝገቡ ስድራቤታት ክሳብ ሽዱሽተ እግሪ ካናቢስ ኣብ ገዝኦም ከፍርዩ ተፈቒዱሎም ኣሎ።
ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላት እውን ኣብቲ ምፍራይ ክሳተፉ ይኽእሉ።
ተመገብቲ ኣብ እንዳምግቢ ካናቢስ ዘለዎ ምግብን መስተን ክእዝዙ ይኽእሉ እዮም።
ታይላንድ ኣብ 2018 ካናቢስ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ክውዕል ዝፈቐደት ፈላሚት ሃገር ኮይና፡ እቲ ሐዚ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ድማ ሓካይም ብዘይስኽፍታ ኣብ ሕክምና ክጥቀሙሉ ዘኽእል እዩ።
ኮይኑ ግና ሕዚ እውን ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ማሪዋና ምትካኽ ክልኩል እዩ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ትልሚ፡ ምስ ምጥቃም ካናቢስ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ኣስታት 4,000 እሱራት ክፈትሕ ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ።
ኣብ ታይላንድ ካናቢስ ኣብ ባህላዊ ሕክምና ምጥቃም ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ ልምዲ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







