ሜክሲኮ፡ ፍሉጥ ኣሰጋጋሪ ሓሽሽ ዓለምና ጃክዊን ጉዝማን ንሕልፈት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፍሉጥ ሜክሲካዊ ኣሰጋጋሪ ሓሽሽ ዝነበረ 'ጃክዊን ጉዝማን' ብቤት-ፍርዲ ኣመሪካ ንሕልፈት ተፈሪዱ። ኣብ ርእሲ እዚ'ውን ብምውናን ዘይሕጋዊ ብረት ን 30 ዓመት ክእሰር ተበይንሉ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ንሱ ዘስዓቦ ክሳራታት ከም መቕጻዕቲ 12.6 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ተሓቢርዎ።
እቲ ወዲ 62 ዓመት ሜክሲካዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ብዝተፈላለየ ገበናት ምክፍፋል ኮከይንን ሂሮይንን፡ ምውናን ዘይሕጋዊ ብረትን ምስግጋርን፡ ከምኡ ድማ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ብምቕራብ (መኒ ላውንድሪ) ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ እዩ።
ኣብ 2015፡ ጉዝማን ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ሜክሲኮ ብገለርያ ድሕሪ ምህዳም፡ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃድን ኣብ 2016 ተታሒዙ።
ኣብ 2017 ድማ መንግስቲ ሜክሲኮ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ሂብዎ።
ጉዝማን፡ ቀንዲ መራሒ ናይቲ ካብ ላቲን ኣመሪካ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዕጸ-ፋርስን ሓሽሽን ዘሰጋግር ጉጅለ ሲናሎዋ ብምዃኑ ኢዩ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።
ንሱ ነቲ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ክብል ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጉዝማን ኣብ ኮለራዶ ኣብ ዝርከብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ክእሰር። ጠበቃ ጉዝማን ነቲ ብይን ይግባይ ከም ዝብሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ጠበቃ ጉዝማን እቲ ዝተበየነ ፍርዲ ፍትሓዊ ከም ዘይኮነን፡ እቶም ፈራዶ ብሚድያ ከም ዝተጸልው'ወን ይካታዕ።
ኤል ቻፖ መን`ዩ?
``ኤል ቻፖ`` ቀንዲ መራሒ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ሚክሲኮ ዝነጥፍ ጉጅለ ድሮጋ ሲናሎዋ ኢዩ።
ምስ ግዜ፡ እዚ ጉጅለ እቲ ዝዓበየ ኣሰጋጋሪ ዕጸ-ፋርስን ሓሺሽን ናብ ኣሜሪካ ኮይኑ። ፎርብስ ኣብ 2009 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ጉዝማን ሓደ ቢልዮን ዶላር ብምውናን መበል 701 ተርታ ብምሓዝ ኣብ ዓለም ምስ ዘለው ሃብታማት ተሰሪዑ።
ጉዝማን ብምስግጋር ዕጸ-ፋርስን ሓሺሽን ዝኽሰስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቕትለት፣ ምግፋዕ፣ ምጭዋይን ምቕጥቃጥን`ውን ይኽሰስ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቤት ፍርዲ እንታይ ተባሂሉ?
ኣብቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ታሪኽ ሂወት ጉዝማን ዝተውሃበ ምስክርነት ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ።
ጉዝማን፡ ንደቂ 13 ዓመት ኣዋልድ ብሓሺሽ ድሕሪ ምድንዛዝ ይዕምጸን ከምዝነበረ ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ክስታት የመልክት።
ብናቱ እምነት "ምስ ንኣሽቱ ኣዋልድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዳግም 'ሂወት' ከም ዝዘርኣሉ ስለዝኣምን ኢዩ`` ይብል ሓደ ናይ ቀደም መሳርሕቱ ዝነበረ ኮሎምቢያዊ ኣሰጋጋሪ ሓሽሽ ኣሌክስ ቺፍዮንቴስ።
ኣብቲ ቤት ፍርዲ፡ ፊፍዮንቴስ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ጉዝማን ንፕሬዚደንት-ነበር ሜክሲኮ ኤንሪክዌ ፔና ኔቶ ኣብ 2012 ናብ ስልጣን ምስመጸ 100 ሚልዮን ዶላር ብላዕ ሂብዎ።
ጉዝማን ክልተ ግዜ ካብ ናይ ሜክሲኮ ቤት ማእሰርቲ ብምህዳምን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንምእሳሩ ካብ ዝተገብረ ፈተነታት'ውን ብምህዳሙ ዝፍለጥ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ዕጸ-ፋርስ እዩ ይበሃል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







