ኪሊያን ምባፔ፡ ኣብ ታሪኽ ጋንታ ፒኤስጂ ዝለዓለ ሸቶ ዘቑጸረ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኪሊያን ምባፔ ንጋንትኡ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜይን መበል 201 ሸቶ ብምቑጻር ኣብታ ጋንታ ብበዝሒ ሸቶታት ክብረ ወሰን ሒዙ።
ምባፔ ምስ ኖንት ኣብ ዝነበረ ጸወታ ብኤዲሰን ካቫኒ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ንምስባር ክሳብ መበል 92 ደቒቕ ክጽበ ነይሩዎ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ 24 ዓመት ዝመልኦ ፈረንሳዊ ተጻዋቲ ኣብ ዓለምና ካብ ሞንጐ ዝርከቡ ብሉጻት ተጻወትቲ ሓደ ንምዃን በቒዑ ኣሎ።
ኪሊያን ምባፔ ብ2017 ካብ ሞናኮ ናብ ፒኤስጂ ምስ ተጸንበረ ኣብ 247 ጸወታታት ንጋንትኡ 201 ሸቶታት ከቑጽር ክኢሉ።
ምባፔ ገና ኣብ ንእስነት ዕድሚኡ ኣብ ክልተ ፍጻመታት ዋንጫ ዓለም ተጻዊቱ እዩ።
ብ2018 ክብሪ ዋንጫ ዓለም ክረክብ እንከሎ ኣብ ቀጠር 2022 ድማ ዝለዓለ ሸቶ ዘቑጸረ ተጻዋቲ ብምዃን ወርቂ ጫማ ወሲዱ።
ብ2021 ኔሽንስ ሊግ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ዘልዓሎ ምባፔ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ቀጠር ኣንጻር ኣርጄንቲና ሰለስተ ሸቶታት ከም ዘቑጸረ ይዝከር።
ብ2017 ካብ ሞናኮ ናብ ፒኤስጂ ምስ ተዘዋወረ ምስ ጋንትኡ ጸወታታት ሊግ ሓደ ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ኣብ ኣርባዕተ ዘመን ውድድራት እቲ ሊግ ዝለዓለ ሸቶ ዘቑጸረ ተጸዋቲ ኰይኑ እዩ።
ኪሊያን ምባፔ ናብ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜይን ብ180 ሚሊዮን ዩሮ ከም ዝተዘዋወረ ይዝከር። እዚ ድማ ኣብ ዓለምና ካልኣይ ክቡር ዝውውር ተጸዋቲ ኩዕሶ እግሪ እዩ።
ንምባፔ በሊጹ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተቐመጠን ብሕታዊ ብራዚላውን ኣጥቃዒ ኔይማር እዩ።
ኔይማር ብ2017፡ ካብ ባርሴሎና ናብ ፓሪስ ሴይንት ዠርሜይን ብ222 ሚሊዮን ዩሮ እዩ ተዘዋዊሩ።
ምባፔ፡ ኣብዚ ዘመን ውድድር ክሳብ 30 ሸቶታት ዘቑጸረ ኰይኑ ሸሞንተ ኩዕሶታት ድማ ንሸቶ ኣመቻቺኡ ኣቐቢሉ።
ምባፔ ዘደንቕ ፍጥነት’ውን ዝተላበሰ ተጻዋቲ’ዩ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ቀጠር: ፈረንሳ ንፖላንድ 3 ን ሓደ ኣብ ዝስዓረትሉ ጸወታ ምባፔ ዘመዝገቦ ፍጥነት ብሰዓት 35.5 ኪሎ ሜትር እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ሊግ’ውን ብሰዓት 36 ኪሎ ሜትሮ ፍጥነት ብምምዝጋብ ፈጣን ተጻዋቲ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







