ሊዮነል ሜሲ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓመተ 2022 ኰይኑ

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ፈረንሳዊት ጋንታ ፒ-ኤስ-ጂን ዝዀነ ሊዮነል ሜሲ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ዓመተ 2022 ኰይኑ ብፊፋ ተሸሊሙ።
ወዲ 35 ዓመት ሜሲ፡ ንወዲ ጋንትኡ ዝዀነ ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐን ኣጥቃዓይ ስጳኛዊት ጋንታ ካሪም በንዚማን ብምስዓር'ዩ ብሉጽ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ ዘሎ።
እቲ ኰኾብ ተጻዋታይ ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ቀጠር፡ ሃገሩ ዋንጫ ክትዓትር ብምኽኣሉ ዓቢ ክብሪ ምጉንጻፉ ይዝከር።
ኣብ ዓመተ ወድድር 2021-22፡ ንሃገሩን ጋንትኡን ኣብ ዝተሰለፈለን 49 ግጥማት 27 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ።
ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣባል ጋንታ ባርሰሎና ዝዀነት ኣለክሲያ ፑተላስ ብልጽቲ ተጻዋቲት ናይቲ ዓመት ብምዃን ተሸሊማ ኣላ።
ንካልኣይ ግዚኡ ነቲ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ ሜሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ዘገርም'ዩ። ዓቢ ዓመት'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ምህላወይን ነዚ ሽልማት ምዕዋተይን ድማ ክብሪ ይስምዓኒ። ብዘይ ደገፍ ደቂ-ጋንታይ ኣብዚ ኣይምበጻሕኩን" ክብል ሓጎሱ ገሊጹ።
"ንነዊሕ ዓመታት ዝተተስፈኹዎ ሕልሚ ጨቢጠዮ። ውሑዳት'ዮም ከምኡ ክዕወቱ ዝኽእሉ። ከምኡ ክገብር ምኽኣለይ ዕድለኛ እየ" ኢሉ።
ኣብቲ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ፡ ፓሪስ ዝተኻየደ ጽንብል ሽልማት ንሃገራዊት ጋንታ ሳልሰይቲ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዝገበረ ኣሰልጣኒ ሊዮነል ስካሎኒ'ውን ብሉጽ ኣሰልጣኒ ፊፋ ናይቲ ዓመት ኰይኑ ተሸሊሙ'ሎ።
ስካሎኒ፡ ንቀንዲ መቐናቕንቱ ኮይኖም ዝተሓጽዩ፡ ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ፐፕ ጓርድዮላን፡ ነቲ ዝሓለፈት ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝተዓወተ ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ ሪያል ማድሪድ ብምስዓር'ዩ ነቲ ሽልማት ክወስድ በቒዑ።
ብወገን ደቂኣንስትዮ ድማ ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ-እንግሊዝ ሳሪና ዊግማን ብልጽቲ ኣሰልጣኒት ናይቲ ዓመት ኰይና ኣላ።
ኣብቲ ምሸት፡ ሓላው-ልዳት እንግሊዛዊት ክለብ ኣስቶን ቪላን ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ዝዀነ ኢምልያኖ ማርቲነዝ ዝበለጸ ሓላዊ-ልዳት ብምዃን ተሸሊሙ።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ-እንግሊዝ ዝዀነት ሜሪ ኢርፕስ ድማ ዝበለጸት ሓላዊት-ልዳት ናይቲ ዓመት ኰይና።
ወዲ 30 ዓመት ማርቲነዝ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 4 ፍጹም ቅልዓት ብምውጻእ ሃገሩ ዋንጫ ክትዓትር ብምኽኣሉ'ዩ ነቲ ሽልማት በቒዑ።
ሓንቲ ካብተን ዘውጽአን ፍጹም ቅልዓት ኣብቲ ኣንጻር ፈረንሳ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ግጥም ዘድሓና'ያ።
እቲ ብዘርእዮ ፍሉይ ጠባያት ህቡብነት ዝረኸበ ሓላው-ልዳት፡ ሽልማት ኣብ ዝወሰደሉ ኣብ ዘስምዖ መደረ "መን'ዩ ኣርኣያ ዝዀነካ እናበሉ ወይ ቆልዓ ከለኹ ንመን ይርኢ ከም ዝነበርኩ ኩሉ ሳዕ'ዮም ዝሓቱኒ. . .ኣደይ ንሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ሰዓታት ህንጻታት ከተጽሪን ኣቦይ ክሰርሕን'የ ዝርእዮም ነይረ። ናተይ ኣርኣያ ንሶም'ዮም" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝዀነት ሓላዊት ልዳት ኢርፕስ ብወገና፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኢንግላንድ ዋንጫ ኣውሮጳ 2022 ክትዓትር ዓቢ ግደ ነይሩዋ።
"ንዝዀነ ኣብ ጸልማት ቦታ ዘሎ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ገለርያ ብርሃን ከም ዘሎ ፍለጡ። ስለዚ ጉዕዞኹም ቀጽሉ።ብኣእምሮኹም ዝሓሰብኩሞ ዝዀነ ነገር ክትጭብጥዎ ትኽእሉ ኢኹም" ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ።
ሓደ እግሩ ዝተቖርጸ ፖላንዳዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ማርሲን ኦለስኪ ዘመዝገባ ሸቶ ድማ ናይቲ ዓመት ዝበለጸት ሸቶ ተባሂላ።

እቲ ኣባል ፖላንዳዊት ጋንታ ስንኩላን ዋርታ ፖዝማን ዝኾነ ተጻዋታይ፡ ብምርኩስ እናተደገፈ ብሓንቲ እግሩ ንዝተቐበላ ኩዕሶ ብልዕሊ ርእሱ ብምሕላፍ ናብ ሰንኪዔት ብምጽንባር ኣድናቖት ዝረኸበት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ብጠባይ (ርትዓዊ ጸወታ) ሽልማት ዝወሰደ ሉካ ሎኮሽቪሊ፡ ድማ ነቲ መቐናቕንቱ ዝዀነ ተጻዋታይ ጆርጅ ተይግል ኣብ ግጥም እንከለዉ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ምስ ወደቐ ህይወቱ ንምድሓን ተቐላጢፉ መልሓሱ ስለ ዝሓዞ ናእዳ ዝረኸበ'ዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብልጽቲ ጋንታ ናይቲ ዓመት ከቑሙ ዝኽእሉ ዝተባህሉ ብሉጻት ተጻወቲ፣ ቲቦት ኮርቲዮስ፡ ኣሽራፍ ሓኪሚ፡ ቪርጂል ቫን ዳይክ፡ ጆኣው ካንሰሎ፡ ከቪን ዲ-ቡሩዪን፡ ሉካ ሞድሪች፡ ካሰሚሮ፡ ሊዮነል መሲ፡ ኤርሊንግ ሃላንድ፡ ካሪም በንዚማን ኪልያን ምባፐን ኰይኖም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







