'ሰራዊት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝገበሮ ደገፍ ዘይርሳዕ'ዩ'- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ላዕለዎት መኮንናት

ምንጪ ስእሊ, EBC

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገብር ዘሎ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከካይዶ ዝቐነየ ምብጻሕ ብምቕጻል ምስ ሓያለ ሰብመዚ እታ ሃገር ተራኺቡ።

እቲ ብሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሓያለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምስ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

"ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ሰላምን ጸጥታን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዛዕባ ብሓባር ክሰርሕሎም ዝግባእ ጉዳያት ተላዚቦም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሖም" ንወተሃደራዊ ምንጭታት ኢትዮጵያ ብምጥቃስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ብረቡዕ ንኽብሪ እቶም ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናይ ድራር እንግዶት ከምዝገበረሎም፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

“ብድሕሪት ምስተወጋእና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን ንዝገበረልና ደገፍ ፈጺሙ ክከሓስ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ከኣ ተሰኒዱ ክነብር’ዩ. . . እቲ ዝተፈጥረ ምሕዝነት’ውን ብዝኾነ ሓይሊ ክስበር ዘይክእል’ዩ” ኢሉ

ብወገን ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ'ቲ ፊል ማርሻል ዝበሎ ይኹን እቲ ናይ ድራር እንግዶት ዛጊት ዝወጸ ሓበሬታ የለን።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ተሰሊፉ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ምስታፉ ይፍለጥ።

ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ኩሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት ገበናት ኲናት ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

እቲ ግጭት ብመሰረት ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ሎሚ 5 መጋቢት ብህወሓት ዝምራሕ ግዚያዊ ልፍንታዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወግዒ ተመስሪቱ ኣሎ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት መደረ ኣስሚዑ ዝተባህለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

እቶም ኤርትራውያን መኮንናት ትማሊ ሰሉስ 4 መጋቢት ናብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ቢሾፍቱ ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ በጺሖም ነይሮም። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ይልማ መርዳሳ መግለጺ ከምዝሃቦም ድማ ተገሊጹ።

እቲ ላዕለዎት ጀነራላትን ሓለፍቲ ጸጥታን ዘለውዎ ልኡኽ፡ ብፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ተሰኒዩ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ትካላት ሕርሻ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ ነይሩ።

ካብ ሰብመዚ እቲ ክልል ድማ ባህላዊ ጋቢን ዘንጊን ተበርኪትሎም።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ናይ ድራር እንግዶት፡ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

እዚ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቐርቡ ዘይረኣዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ኤርትራ ዝሓዘ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ሜ/ጀነራል ሮሞዳን ኣውሊያይ፡ ብ/ጀነራል እዮብ ፍስሃየ [ሓሊባይ]፡ ብ/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም፡ ብ/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስን፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ኤርትራ ምዃኑ ዝንገረሉ ኰሎኔል ኣስመላሽ [ወዲሓፍቲ] ካልኦትን ዝርከብዎ እዩ።

ኣቐዲሞም፡ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ትካላት ጸጥታ፡ ሳይንስ ሙዚየም፡ ከምኡ'ውን ምምሕዳር ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም ነይሮም'ዮም።

ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ብእኩብን ብቕሉዕን ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ከካይዱ ንቡር ኣይኮነን።