ቅልውላው ሱዳን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ካርቱም ኣውጺኣ

መካይን ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትማሊ ሰንበት ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሒዘን ከም ዝወጻ ዝግመታ መካይን

ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያን ስድራቤቶምን ብ"ዝተሓላለኸን ቅልጡፍን" ስርሒት ካብ ሱዳን ከም ዝወጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣረጋጊጹ።

ሱናክ፡ ድሕነት ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝተረፉ ዜጋታት ብሪጣንያ ንምርግጋጽ ተወሳኺ ስራሕ ይቕጽል ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

እቶም ዜጋታት ንሓደ ለይቲ ካብ ካርቱም ወጻኢ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተወሲዶም ድሕሪ ምጽንሖም ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ሚኒስተር ምክልኻል ቤን ዋላስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ብርቱዕ ውግእ ከም ዝተለዓለ ይፍለጥ።

ኣብ መንጐ ስሩዕ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገርን ይቕጽል ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጄምስ ክለቨርሊ፡ "ንዲፕሎማሰኛታት ዒላማ ዝገበረ ፍሉይ ስግኣታትን ዓመጽን" ከምዘሎን እዚ ድማ ሰራሕተኛታት ካብቲ ቦታ ንምውጻእ ከም ዝደረኸን ገሊጹ።

ኤምባሲ ብሪጣንያ ናብ ቀረባ ሃገር ብምግዓዝ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ዝያዳ ሓገዝ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ’ውን ሓቢሩ።

ካልኦት ዜጋታት ብሪጣንያ ናይ ምውጻእ ዓቕሚ ግን ክሳዕ እቲ ኲናት ደው ዝብል "ኣዝዩ ድሩት" ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ገለ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንግስቲ ዝጠንጠኖም ኰይኑ ከም ዝተሰምዖም ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል መደባት ምውጻእ "ዝዀነ ብዙሕ ሓበሬታ" ከም ዘይተዋህባ ገሊጻ።

ኣብ ካርቱምን ካልእ ቦታታትን፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምኡ’ውን ውሑስ ተበጻሕነት መግብን ማይን እውን ዝተቛረጸ እዩ።

ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እውን በቲ ውግእ ኣዝዩ ተሃስዩ ይርከብ።

እቲ ብዓርቢ ንበዓል ዒድ ኣል-ፊጥር ብዝብል ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዓት ዕሽሽ ተባሂሎም እዮም።

ዓባይ ብሪጣንያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ኣሜሪካ ሰንበት ንግሆ ዜጋታታ ምውጽኣ ስዒቡ ዝመጸ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ፈረንሳን ኣሜሪካን ንዝገበራኦ ሓገዝ ኣመስጊኑ።

ፈረንሳ፡ ሆላንድን ኢጣልያን ዝርከባኦም ካልኦት ሓያሎ ሃገራት እውን ዜጋታት ምውጻእ ጀሚረን ኣለዋ።

ሚኒስተር ምክልኻል ቤን ዋላስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ መንጐ ዋና ቤት ጽሕፈት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ስለዝርከብ፡ ዲፕሎማስያዊ ሰራሕተኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ንምውጻእ ዝተገብረ ጻዕሪ ዝተሓላለኸ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ቢቢሲ፡ ብሚኒስተራት፡ ኣገልገልቲ መንግስቲን ካልኦትን ዝቘመት ኮሚተ ህጹጽ ምላሽ፡ ኣብ ኵነታት ሱዳን ንምዝታይ ንትማሊ ሰንበት ምሸት ካልኣይ ኣኼባ ክተካየድ ውጥን ከም ዝነበረ ይርዳእ።