ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ 6 ኤጲስ ቆጶሳት ሸይማ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ - መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፡ ኣብ ኣክሱም ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ጽዮን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት 6 ኤጲስ ቆጶሳት ቀቢኣ ሸይማ።
ላዕለዋይ ቤተ ክህነት እታ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ትግራይን ወጻእን ንዝረከቡ ሃገረ ስብከታት ከገልግሉ ዝተመርጹ 10 ኤጲስ ቆጶሳት ነቶም 6 ቀቢኡ ሰይሙ።
ብመሰረት እዚ፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሲመት፡ ኣቡነ ናትናኤል ንሃገረ ስብከት ምዕራብ ትግራይ ከገልግሉ ከም ዝተሸሙ ጸብጻብ ቴሌቪዥን ትግራይ የመልክት።
ከምኡ ድማ፡ ኣቡነ ሊባኖስ ንደቡብ ትግራይ፣ ኣቡነ እንባቆም ንደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ፣ ኣቡነ ዮውሃንስ ንመንፈሳዊ ኮሌጅ ፍሬምናጦስ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት ሊቀ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኰይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም ኣለዉ።
እቶም ሊቀ ጳጳሳት ንኣቡነ ኣትናቲዎስ ኣብ ቨርጂንያ ኣመሪካ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ክመርሑ እውን ሸይሞም ኣለዉ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሃይማኖታዊ መረጻን ሹመትን ዝተቓወመ ዀይኑ፡ መንግስቲ ፌዴራልን ግዝያዊ ምመሕዳር ክልል ትግራይን ነቲ ከይዲ ደው ከብሉ ምሕታቱ ይዝከር።
ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሹመት “ሓድነትን ማእከላዊ መሪሕነትን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ” ክብል እዩ ኣውጊዝዎ።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጎንጺ ብሰላም ንምፍታሕ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ይቕረታ ብምሕታት ብዕርቂ ክውዳእ እንተፈተነ’ኳ፡ ካብ ቤተ-ክህነት ትግራይ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፓትርያሪክ ኣባ ማትያስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ መቐለ በጺሑ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ከይተራኸበ ተመሊሱ እዩ።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት: ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣመንቲ ተቐቲሎም፤ ከምኡ'ውን ቦታታት እምነት ዕንወት ከምዝወረዶም ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ከመልክቱ ፀኒሖም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ወጊና፡ ነቲ ሰፊሕ ህልቂትን ቅልውላውን ዘስዐበ ኲናት'ውን ‘ኣየውገዘትን’ ክብሉ ከሲሶም።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣባ ማትያስ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ክንድቲ ክዛረብዎ ዝግባእ ክዛረቡ ኣብ ዝኽእልሉ ኵነታት ከምዘይነበሩን ድምጾም ከየስምዑ ከምዝተኸልከሉን'ውን ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተፈልዮም፡ ቤተ ክህነት ‘መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ’ ብዝብል ናይ ገዛእ ርእሶም ቤተ ክርስቲያን ክምስርቱ ወሲኖም።
ብዛዕባ ተቓውሞታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ዝተሓተቱ ዋና ጸሓፊ መንበረ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ፡ ኣባ ተስፋይ ሃደራ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ "ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ስራሕ እያ ተፀሚዳ ዛላ” ኢሎም።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ትሽዓተ ሃገረ ስብከታት ክመርሑ ዝተመርጹ ኤጲስ ቆጶሳት፡ 9 ሓምለ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ገዳም ቅድስቲ ማርያም ኣዲስ አበባ፡ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዕሊ ከም ዝሸመት ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







