ባራክ ኦባማ፡ ስፒልበርግን ስፕሪንግስቲንን ኣገሪሆም ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS VIA POL PERELLO FRANCH
ሓደ ፕረዚደንት ነበር፡ ሓደ ብዓለም ደረጃ ዝፍለጥ ዳይረክተር ሆሊዉድን ሓደ ህቡብ ሙዚቀኛን ናብ ሓደ ቤት መግቢ ይኣትዉ።
እዚ እጀማምራ ሓደ መስሓቕ ዋዛ ክመስለኩም ይኽእል’ዩ፤ ብሓቂ ግን እዞም ሰለስተ ሰባት ኣብ ባርሴሎና ኣማር ኣብ ዝበሃል ቤት መግቢ ተረኺቦም ነቶም ሰራሕተኛታት ኣገሪሞም።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ፍሉጥ ዳይረክተር ሆሊዉድ ስቴቨን ስፒልበርግን ብሮክ ሙዚቃ ህቡብ ዝዀነ ብሩስ ስፕሪንግስቲንን ብሓባር ናብቲ ቤት መግቢ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሰራሕተኛታት ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበረን።
ሰለስቲኦም ፍሉጣት ሰባት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝረኸብዎም ሰራሕተኛታት ቤት መግቢ ኣማር ብሓቂ ክኣምኑ ኣይከኣሉን።
ሼፍ ራፋ ዛፍራ፡ ኣማር ብስጳኛዊ ኣሜሪካዊ ፍሉጥ ሬስቶራንተር ጆሴ ኣንድሬስ ከም ዝተሓበረ ገሊጹ።
ዛፍራ ንራድዮ ስጳኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ምስ ኦባማ ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ጆሴ ኣንድሬስ ተመኺሮም እዮም ናብዚ መጺኦም" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ጆሴ ኣንድሬስ ቦታ ክሕዝ ከም ዝነገሮ ሓቢሩ፤ እንተዀኑ ኣገዳሲ’ዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝነገሮ ነገር ኣይነበረን።
ሽዑ ግን ኦባማ፡ በዓልቲ ቤቱ ሚሸልን ከምኡ’ውን ስፒልበርግ፡ ኣብ ባርሴሎና ከም ዝተረኸቡ ተረዲኡ፤ ንሳቶም ስፕሪንግስቲን ኣብታ ከተማ ኣብ ዘካይዶ ኮንሰርት ክሳተፉ እዮም መጺኦም።
ሰራሕተኛታት፡ ኣሰለፍቲን ሼፋትን ምስቶም ፍሉጣት ሰባት ዝተሰኣልዎ ስእሊ ኣብ ኢንስታግራም ዘርጊሖም፤ "እዚ ስራሕ ዘምጽኦ ባህታ!" ኢሎም’ውን ጽሒፎም።
"ኦይስተር፡ ሸልፊሽን ዓሳን ሂብናዮም - ቅሩብ ካብ ኵሉ ... ኣመና ድማ ኣመስጊኖም!" ክብል ዛፍራ ገሊጹ።
ብኣካላት ጸጥታ ዝተሰነዩ ስድራቤት ኦባማን ስፒልበርግን፡ ከም ባዚሊካ ሳግራዳ ፋሚልያን ቤተ መዘክር ፒካሶን ዝኣመሰሉ ገለ ካብቶም ፍሉጣት ስፍራታት ባርሴሎና በጺሖም።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ንመጀመርያ ግዜ ምስ ስፕሪንግስቲን ዝተራኸበ ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ነይሩ።
ኣብ 2021 ድማ ‘ሪንጌድ፡ ቦርን ኢን ዘ ዩኤስኤ’ ዝብል ፖድካስት ከም ዘአንገዱ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







