ምስ ኦባማ ሳዕሲዐን ዝሃበባ ሰበይቲ ኣብ 113 ዓመተን ዓሪፈን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሳዕሲዐን ሕልመን ዝረኣያ ሰበይቲ ኣብ መበል 113 ዓመት ዕድመአን ሞይተን።
ቨርጂንያ ማክላውሪን ኣብ 2016 ምስ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንትን ቀዳመይቲ እመቤትን እታ ሃገር ክራኸባ እንከለዋ ዕድመአን 106 ዓመት ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ንፕረዚደንት ኦባማ "እብለካ ኣለኹ፡ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ" ኢለናኦ ነይረን። "ጸሊም ፕረዚደንት፡ ያዒስ! ከምኡ'ውን ጸላም በዓልቲ ቤቱ።"
ኣብ 2014 ምስ ፕረዚደንት ንምርኻብ ሓደ ግኑን ጥርዓን ጀሚረን። "ቨርጂንያ ማክላውሪን እበሃል፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እየ ዝነብር። ኣብ 1909 እየ ተወሊደ" ክብላ ጽሒፈን።
"ምስ ፕረዚደንት ተራኺበ ኣይፈልጥን። ጸሊም ፕረዚደንት ክርኢ ክነብር እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን፡ ምኽንያቱ ኣብ ደቡብ እየ ተወሊደ፡ እዚ ክመጽእ እዩ ኢለ ኣይሓሰብኩን።"
"ኣዝየ ሕጕስቲ እየ፡ እንተዝኽእል ድማ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን እንተዝረኽበኩም ደስ ምበለኒ።"
ኣስዒበን፡ "ቅድሚ ፕረዚደንት ሁቨር ዝነበረ ግዜ ይዝከረኒ" ይብላ።
"መብራህቲ ዘይነበረና ግዜ ይዝከረኒ። መብራህቲ ላምባ ነይሩኒ። እታ ናይ መጀመርታ ሞዴል መኪና ፎርድ ትዝከረኒ።"
"በዓል ቤተይ ኣብ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ኣብ 1941 ሞይቱ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ኣብ [ዋሽንግተን] ዲሲ እየ ዘለኹ። ማርቲን ሉተር ኪንግ ክቕተል ከሎ ኣብዚ እየ ዝነብር ነይረ።"
ቨርጂንያ ኣብ ዝዘርግሓኦ ቪድዮ፡ ቅድሚ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻደን ዝነበረ ግዜ ክሳብ ሕጂ ከም ዝዝክራኦ ገሊጸን ነይረን።
"ኣዝየ ንእሽቶ እየ ነይረ። [ኣብቲ ገዛ] ማይ ቡምባ ኣይነበረን፣ ካብ ዒላ ማይ ንቐድሕ ነይርና።"
ቨርጂንያ ማክላውሪን ብ1909 ተወሊደን። ሽዑ ህይወት ኣሜሪካውያን ከመይ ነይሩ?
ህይወት ከም በዓል ቨርጂንያ ማክላውሪን ዝኣመሰሉ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ገና ድሩት እዩ ነይሩ። ሲቪላዊ መሰል ከይሃለወን እየን ተወሊደን።
ስለዚ ድማ እዩ እቲ ናይ መጀመርታ ጸሊም ፕረዚደንት ምርኣየንን ምስኡ ምስዕስዐንን ኣዝዩ ዘሐጐሰን።
ሃገራዊ ማሕበር ምዕባለ ሕብራዊ ሰባት (NAACP) ንሰን ኣብ ዝተወልዳሉ ዓመት እዩ ተመስሪቱ።
ተልእኾኡ "ፖለቲካዊ፡ ትምህርታዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ማዕርነት መሰላት ኵሎም ሰባት ምርግጋጽን ዓሌታዊ ጽልእን ዓሌታዊ ኣድልዎን ምውጋድን" እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







