ጀርመን፡ ሃድን ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ እንታይ የመልክት?

ጊሰን

ምንጪ ስእሊ, AP

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ መንግስቲ ጀርመን ነቶም ኣብ 2022-2023፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተወደቡ ዝንገረሎም ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝወደቡዎ ፈስቲቫላት ጐነጻዊ ተቓውሞ ኣካይዶም ንዝበሉዎም ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጡ መንእሰያት ብ"ውሽጣዊ ግብረ ሽበራ፡" ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣዘራረቢ ጉዳይ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ጀርመን ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት፡ "መስረትን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረ ሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም፡" ይብል።

ኤርትራ ዝመበቈሉ ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትተ፡ "መንግስቲ ጀርመን ንብርጌድ ንሓመዱ ገና ግብረ-ሽበራዊ ጕጅለ ኣይበሎን ዘሎ፡" ይብል።

ሃብቶም ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ "ኣኽባሪ ሕጊ ምስ ፖሊስ ኰይኑ'ዩ ዝሰርሕ። ኣብ ትሕቲ ምኒስትሪ ፍትሒ ኰይኑ ግን ርእሱ ዝኽኣለ'ዩ። ገበን ዝፈጸመ ውልቀሰብ ይዅን ጕጅለ ከኣ ንሕጊ እታ ሃገር ምርኵስ ብምግባር ከሲሱ ናብ ሕጊ የቕርቦ። ብኸምኡ'ዩ ኣኽባሪ ሕጊ ዝብሃል፡" ይብል።

እዚ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ብርጌድ-ንሓመዱ "ግብረ-ሽበራዊ" ኣካል ኢሉ ጠርጢሩዎ ስለ ዘሎ፡ ነዚ መርትዖ ዝዀኖ መረጋገጺ ንምእካብ እዩ ብረቡዕ 26 መጋቢት፡ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ጀርመን ልዕሊ ክልተ-ሚእቲ ፖሊስ ብምውፋር፡ ን19 ንብረታት (ገዛ፡ ድኳን ወይ ቤት ምግቢ ምዃኑ ኣይሓበረን) ናይ 17 መራሕቲ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ዝበሃሉ ሰባት ፈቲሹዎ።

"ኣብ ዴንማርክ እውን ተፍትሽ ተኻይዱ። እቶም ብኣኽባሪ ሕጊ ዝምርሑ ፖሊስ እኹል ጭብጢ እንተ ረኽቦም፡ "ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ-ሽበራዊ፡" እዩ ኢሎም ናብ ፍርዲ ከቕርቡዎ እዮም። ካብኡ ፈራዳይ ነቲ ዘቕረቡዎ መረጋገጺ ርእዩ፡ ንጠለቦም ከጽድቕ ወይ ክነጽግ ይኽእል። እዚ መስርሕ'ዚ ክሳብ ዝፍጸም ግን "ጀርመን ንብርጌድ-ንሓመዱ ግብረሽበራዊ ኢላቶ፡" ዝብል ወረ ሓቅነት የብሉን፡" ይብል ሃብቶም።

እዚ ኣካል እዚ መስረትቲን ኣባላትን [ብርጌድ ንሓመዱ] ውሽጣዊ ግብረ ሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም፡ ብምባል ምስ ፖሊስ ኰይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራቦም ይሰርሕ ምህላዉ ከኣ ይሕብር።

"እቲ ብመንግስቲ ይዅን ብምኒስትሪ ፍትሒ ዘይዝወር ፈራዲ ነቲ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ ዝቐረበሉ መርትዖታት ሓቅነቱ እንተ ኣረጋጊጹ'ዩ ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ-ሽበራዊ ጕጅለ ተባሂሉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል፡" ክብል የረድእ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ብኣንጻሩ ወከልቲ ብርጌድ ንሓመዱ ባዕሎም ይዅኑ ብጠበቐኦም ገይሮም፡ ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ-ሽበራዊ ጕጅለ ከም ዘይኰነ ንፈራዳይ ብመርትዖ እንተ ኣእሚኖም፡ ናይቲ ኣኽባሪ ሕጊ ክሲ ንጹግ ይኸውን ማለት እዩ፡" ብምባል ይውስኽ።

ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዝነበረ ተፍትሽን ሃድንን ኣብ ዴንማርክ'ውን ይካየድ ነይሩ'ዩ።

እዚ ብደረጃ እተን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተወደበዶ ኣይመስልን ንዝብል ሕቶ፡ "ንዅሉ ዘማእክል ኢንተርፖል ስለ ዘሎ እዚ ሓደ ኣጋባብ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ካልእ ከኣ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ'ውን ሓበሬታታት ይለወዋወጡ'ዮም፡" ዝብል መብርሂ ሂቡ።

"ንኣብነት፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ [ጆን ብላክ] ካብ ቀንዲ መራሕቲ እቲ ምንቅስቃስ ተባሂሉ'ውን ይጥቀስ'ዩ። ኣብ ሆላንድ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር ከም ዝተፈረደ ኵላትና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ካብቲ ኣርባዕተ ዓመት ዘፍረዶ እቲ ሓደ እቲ ኣብ ጊሰን ገይሩዎ ዝተባህለ'ዩ፡" ይብል ሃብቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእሲ ተሳቲፎም ንዝበሎም ናይ 22 ኤርትራውያን ኣሳእል ዘርጊሑ ኣብ ምህዳኖም ተዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ግጭት ብ25 ግንቦት 2024 ዉድቦርን ኣብ ዝተባህለ ጐደና ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ሳውዝ ዮርክሻየር ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዕግርግር ኣብ መንጎ ክልተ ንመንግስቲ ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ኤርትራውያን ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ብዘጓነፈ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተውን ካብኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ይፍለጥ።

ምስዚ ብዝተሓዝ ዛጊት 18 ሰባት ብናዕቢን ስርዓት ኣልቦነትን፡ ምሓዝ ሓደገኛ ኣጽዋር ከምኡ'ውን ጉድኣት ብምውራድ ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።

መንግስቲ ሽወደን'ውን ብተመሳሳሊ ብ27 መጋቢት ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ዝተጠርጠሩ ፍርዲ ሂቡ።

እቶም ሽዱሽት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ 2023 ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ንማእሰርቲ ከም ዝተፈረዱ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሐን።

ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ክፍረዱ እንከለዉ፡ እቲ ሻዱሻዮም ከኣ ንመንፈቕ ክእሰር ተበይኑዎ።

እቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ምዃኖም ዝንገረሎም ውልቀሳባት ዝውድቡዎ ኰይኑ ዓመታዊ'ዩ ዝካየድ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2023 እቲ ፈስቲቫል ክካየድ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ኣማኢት ሰባት ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብምኻድ፡ ዕግርገር ብምግባሮም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣእማንን ኣባትርን ብምሓዝ ንመካይንን ነቲ ፈስቲቫል ንምክያድ ዝተተኸለ ቴንዳታትትን ብሓዊ ብምቕጻል'ዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።

ጊሰን

ፈስቲቫላት ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ, Shabait

እቲ ኣብ 2022 ኣብ ጊሰን ጀርመን ጀሚሩ፡ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምዕራብ፡ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ሆላንድ፡ እስራኤል፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ ኣመሪካን ከይተረፈ ዝተላብዐ ጐነጻዊ ተቓውሞ ግን እንታይ እዩ መንቀሊኡ? ዝብል ነገር ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ሓሳብካ እትገልጸሉ፡ ንፖሊሰታት መንግስቲ ክትነቅፍን ርእይቶኻ ክትገልጽ ዘፍቅድን ናይ ብሕቲ ናጻ ጋዜጣታት የሎን።

እተን ኣብ 1996 ብኣዋጅ ቆይመን ብዓቕመን ዝዋስኣ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብ18 መስከረም 2001 ብወግዒ ብኣዋጅ ተዓጽየን እየን።

ኣዳለውተን ሽዑ ተኣሲሮም ምስተሰወሩ ንልዕሊ 24 ዓመታት ደሃይ የብሎምን። ስለዚ ከኣ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምልካዊ መንግስቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱዎ ጸኒሖም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ናይ ፕሮፖጋንዳ ፌስቲቫላት እናወደበ ካብ ሃገር ብዝመጽኡ ካድራቱ ስግረ ሃገራዊ ዓፈና ብምክያድ ነቶም ካብ ሃገሮም ተገፊዖም ዝወጽኡ መንእሰያት ብኽድዓትን ጥልመትን እናኸሰሰ ከሾቕሩሮም ምስ ፈተነ እቲ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተገልጸ ናይ መንእሰያት ህዝባዊ ማዕበል ዝመጽአ ይብል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሎ ዶ/ር ተስፍኣለም።

እዞም ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግዱድ ዕስክርናን ሃዲሞም ኣብ ዶባት ሃገሮም ብጥይት እናተሳሕቱ ናብ ጐረቤት ሃገር ተሰዲዶም ብኣጻምእ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ናብ ኤውሮጳ ዝኣተው፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብዙሕ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ዝረኣዩ ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ እግሪ እግሮም እናሰዓበ ስነ አእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝፈጥረሎም ስርዓትን ፕሮፖጋንድኡን ብሕርቃን ከምዝተላዕሉ እዩ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠቅስ።

እቶም ነቲ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰባት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ፈስቲቫላት ከም ናይ ስግረ ዶባዊ ዓፈናን ፕሮፖጋንዳን ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊፍን'ዩ ዝጥቀመሉ ኢሎም'ዮም ዝኸሱ።

ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, AP

"ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣጽኒዖም ሒዞምዎ ኣለው''

እዚ ኣብ ተቐራራቢ እዋናት ዝካየድ ዘሎ ሃድን፡ ዝተወደበን ንኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ መርገጺ እግሪ ንምኽላእ ዝዓለመን'ዶ ይመስል ንዝብል ሕቶ፡ ሃብቶም ዮውሃንስ "ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣጽኒዖም ሒዞምዎ ከምዘለዉ ዘርኢ'ዩ" ይብል።

ነቲ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ከኣ "እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ኣብ 17 ለካቲት 2024 ኣብ ዘሄግ ዝጋጠመ ጎንጺ'ዩ፡ ኣብኡ ብዙሓት ፖሊስ ተሃስዮም፡ ልዕሊ 750 ሽሕ ዶላር ዝግመት ንብረት'ውን ዓንዩ። ኣሰንቢድዎም'ዩ። መን'ዮም እዞም ሰባት ብከመይ'ከ ንቃለሶም ኢሎም'ዮም ናብዚ በጺሖም" ክብል ይውስኽ።

ብምቕጻል "ኣብ ሓደ ግዝኣተ ሕጊ ዘለዎ ሃገር እንድሕር ድኣ ብጎንጺ ንህዘቢ ኣሰንቢድካ፡ ካልኣይ ንመንግስታዊ ትካል ወይ ንመንግስቲ ድላይካ ንክፍጽመልካ ብጎንጺ ተገድዶ ኰይንካ፡ እዚ ካብቲ ምልክታት ናይ ግብረ ሽበራ ስለዝኾነ፡ እዚ ብርጌድ ንሓመዱ ዝብሃል ጉጅለ መን'ዩ ክጽናዕ ኣለዎ ተባሂሉ፡ ንሓድሕዶም ሓበሬታታት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም" ኢሉ።

"ኣብ ልዕሊኡ'ውን ኣብ ሆላንድ ደገፍቲ መንግስቲ ጉጅለ ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ'ዩ ዝብል ክሲ'ውን ቀሪቡ ስለዘሎ እሱ'ውን መጽናዕቲ ይግበረሉ ኣሎ" ይብል ሃብቶም ዩውሃንስ።

ቤት ፍርዲ ጀርመን ነቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቕሪብዎ ዘሎ ክሲ ተቐቢሉ "ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ'ዩ እንተ ኢሉ፡ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ክኽልከል'ዩ፡ እሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣባል እቲ ጉጅለ እንተዀይንካ'ውን ኣባል ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ትኸውን ስለዘለኻ የሕትተካ'ዩ"

እንተዀነ "እቲ ጉጅለ ኣብ ጀርመን ግብረ ሽበራዊ ስለዝተባህለ ግን ኣብ ካልኦት ኩለን ኣውሮጳውያን ሃገራት ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ይምዝገብ ማለት ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ'ዩ እንተተባሂሉ ግን ክልተ ዜግነት እንተሃልዩካ ንኣብነት ናይ ጀርመንን ናይ ኤርትራን እቲ ናይ ጀርመን ዜግነት ክትሕደግ ትኽእል ኢኻ" ብምባል እቲ ውጽኢት ምስ ግዜ ዝርአ ምዃኑ ሃብቶም ይሕብር።