ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ተቐቲሎም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, South Africa Police Service/Twittter
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብመንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ተቐቲሎም ጸኒሖም።
እቲ ኣብታ ሃገር ቁጥዐ ፈጢሩ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለት ኣብ ኣውራጃ ኩዋዙሉናታል፡ ካብ ከተማ ፒተርስማርዝበርግ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ካባቢ'ዩ ተፈጺሙ።
ጎረባብቲ ናይቲ ኢምባሊ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ዘሎ መንበሪ ገዛ ናይቶም ግዳያት ንጉሆ ወጋሕታ ተዂሲ ምስ ሰምዑ ፖሊስ ከምዝጸውዑ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ጠንቂ ናይቲ ቅትለት እንታይ ምዃኑ ዝጊት ኣይተፈልጠን።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ደቂኣንስትዮን ሰለስተ ደቂተባዕትዮን ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ፖሊስ እታ ሃገር በኪ ጸለ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብመዚ ጸጥታ ናብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ከምዝበጽሑ ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ጠቒሶም።
እቲ ኣንጻር ገበናት ብዘለዎ ተሪር መርገጺ ዝፍለጥ ሚኒስተር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ሃገር ከቢድ ብድሆ ምስ ብረት ዝተሓሓዝ ጎነጽ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ፍጻመ ኣብዚ ሰሙን እዚ ጥራይ ኣብ ተመሳሳሊ ኣውራጃ ንካልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ኮይኑ'ሎ።
ብሓሙስ፡ ሰሜን ካብ ወደባዊት ከተማ ደርባን ኣብ ዝርከብ ኩዋማሹ ዝተባህለ ቦታ ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም።
ኣብታ ብሕጽረት ኤለክትሪሲቲ ትሳቐ ዘላ ሃገር ዘሎ ኩነታት ገበናት ኣብዚ ቀረባ እዋን እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ገለ ኤርትራውያን ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ሓምለ 2022 ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ሰዌቶ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።
ኣብ ውርሒ ሰነ ናይቲ ዓመት'ውን 22 መንእሰያት ብዘይተፈልጠ ኩነታት ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ሞይቶም ተረኺቦም ነይሮም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







