ኣብ እንዳመስተ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 መናእሰይ ተቐቲሎም

ናይ ፖሊስ መኪና

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትርከብ ስዌቶ ትብሃል ንእሽቶ ከተማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ገሊጹ።

ብረት ዝተዓጥቁ ሰባት፡ ሎሚ ሰንበት ንጉሆ ናብቲ 'ኦርላንዶ ኢስት' ብዝብል ዝፍለጥ ቤት መስተ ኣትዮም ናብቶም መናእሰይ ክትኵሱ ከምዝጀመሩ ፖሊስ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት።

ብድሕሪ'ቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ናብ ጻዕዳ ሚኒባስ ተሳፊሮም ከምዝሃደሙ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ጠንቂ ናይቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝኾነ ኣይነጸረን።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳማሴኮ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዘለዉ ሓቢራ።

እቶም ግዳያት ካብ 19 ክሳዕ 35 ዓመት ዝዕድመኦም ከምዝኾኑ ይግመት።

ሓለቓ ፖሊስ ግዝኣት ጋውተንግ ሌተናል ጀነራል ኤልያስ ማዌላ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት መስተ ዘነፃፀረ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት" ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዅሲ ልሙድ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝሳተፉ ሰባት ወይ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተተሓሓዘ እዩ ዘጋጥም።

እዚ ግን ብዙሓት መንእሰያት ዝተቐተሉሉ ብምዃኑ ከምዝፍለ ይግለፅ።

ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ከተማ ኢስት ለንድን ኣብ ዝርከብ ካልእ እንዳመስተ ብጋዝ ወይ ብመርዚ ንዝሞቱ 22 መናእሰይ ስዒቡ እዩ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ሽዑ እቶም 22 ኣፍላ መናእሰይ ምውዳእ ፈተና ፍርቂ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ብሓባር ኣብ ሓደ እንዳ ለይታዊ ትልሂት ይዘናግዑ ነይሮም።

እቶም 22 ኰተቴ ኣብ ውሽጢ እቲ ለይታዊ ትልሂት፡ ኣብ መሬትን ጠረጴዛን ወዲቘም ዝተረኽቡ እንትኾን ዕድመኦም ካብ 13 ክሳብ 20 ዓመት ይግመት። ካብቶም ግዳያት ብዕደመ ዝነኣሰት፡ ጓል 13 ዓመት ህጻን ነይራ።

ኣብ ሓደ ለይቲ ክንድዚ ዝኣኽሉ መንእሰያት ብምማቶም ኣብታ ሃገር ዓቢይ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ብሞት እቶም መናእሰይ ዝተሰምዖ “ዓሚቝሓዘን” ምግላፁ ድማ ይዝከር።

ሎመዓልቲ ድማ ኣብ ስዌቶ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት መስተ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት 14 መናኣሰይ ምቕታሎም ዘደንግጽ ኩነታት ፈጢሩ'ሎ።