ዩክረይን፡ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ለውጢ መሪሕነት ከካይድ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ኣብ ገለ ወተሃደራዊ መራሕቲ ለውጢ ከምዝገበር ኣአንፊቱ።
ጀነራል ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ገምጋም፡ ገለ በራጊድ ንምንታይ መጥቃዕቲ ሩስያ ክዓግታ ከምዝኸኣላን ካልኦት ድማ ከምዘይከኣላን ንጹር ክኸውን ከምዝኸኣለ እዩ ገሊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ዩክረይን ካብታ ብሓይልታት ሩስያ ዝተኸበበት ቀንዲ ምብራቓዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ'ዩ።
እቲ ውሳነ ህይወት ሰባት ንምድሓን ዝተወሰደ ምዃኑ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።
ንኣዋርሕ ብርቱዕ ውግእ ክካየደላ ዝጸንሐት ኣቭዲቭካ ካብ 2014 ጀሚራ ድማ ከተማ ዓውደ ውግእ ኰይና እያ ጸኒሓ።
ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ግንቦት 2023 ነታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ባክሙት ካብ ዝቈጻጸሩ ንደሓር፡ ኣቭዲቭካ ካብ ኢድ ዩክረይን ምውጻኣ፡ ኣብቲ ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር ግንባር ዝዓበየ ለውጢ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ሰራዊት ዩክረይን ካብተን ኣብ ጥቓ ኣቭዲቭካ ዝርከባ ክልተ ተወሳኺ ኣቁሻት ከምዝሰሓበን፤ ሕጽረት ካብ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ዝወሃቡ ኣጽዋርን ተተኮስትን ስለዘጋጠመ ድማ ዝያዳ መሬት ከምዝሰኣነን ኣመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጀነራል ሲርስኪ፡ እቶም ትእዛዛቶምን ተግባራቶምን ኣብ ህይወት ሰራዊት ሓደጋ ዘስዓበ ኣዘዝቲ ክቕይሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ቅድሚ ኵሉ እቲ ኣዛዚ ብርጌድ ኣብ ዘለዎ ደረጃ ስልጠና፡ ተመኵሮ፡ ሚዛናዊ ውሳነታት ናይ ምውሳን ዓቕሙን ዝተመደበሉ ዕማማት ንምፍጻምን ከምኡ’ውን ንህይወትን ጥዕናን ሰራዊቱ ምሉእ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ክእለቱን ዝምርኰስ እዩ" ክብል ኣብ ተሌግራም ጽሒፉ።
"ብዘይጥርጥር እቲ ኣዛዚ ዝጥቀመሉ ደረጃ ስልጠናን ምውህሃድን ዋና ቤት ጽሕፈት ብርጌድ ዓቢ ተራ ኣለዎ።"
"ስለዚ ኣብ ምድላው ዋና ቤት ጽሕፈት ጸገም ናብ ዘለወን ነፍስወከፍ በራጊድ ተመኵሮ ንምስግጋር ዝሕግዙ ጕጅለታት ክኢላታት ሰዲደ ኣለኹ" ክብል ወሲኹ ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።
እንተዀነ እቲ ጀነራል ንገለ በራጊድ ንኢዱ እዩ፤ ነዘን በራጊድ ዝድግፍ ዕቑር ትሕዝቶ፡ ተተኮስትን ክእለትን ክህብ ድማ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሎ ኵነታት "ኣጸጋሚ ግን ከኣ ካብ ቍጽጽር ዘይወጸ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ" ክብል ኣስሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ብዝተፈለየ ቀዳም ንግሆ ኣብ ሩስያ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ክልተ ህንጻታት ክህሰዩ እንከለዉ ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ክወጹ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ሴንት ፒተርስበርግ ኣሌክሳንደር ቤግሎቭ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ክራስኖግቫርደይስኪ፡ ዝዀነ "ሓደ ፍጻመ" ከምዘጋጠመን ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን ሓቢሩ።
እንተዀነ ጠንቂ ናይቲ ፍጻመ ይዅን እንታይነቱ ኣይገለጸን።
ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ጠንቂ እቲ ፍጻመ ተሃሪማ ዝወደቐት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዩክረይን ክትከውን ከምትኽእል ጸብጺበን።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ናብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ገጻ እያ ትበርር ነይራ።
እዚ ካብ ክረምሊን ይዅን ካብ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ወግዓዊ መረጋገጺ ኣይረኸበን።
ብኻልእ ወገን ኣብ ዩክረይን፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ፡ ሩስያዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ሓደ ኣፓርታማታት ብምውዳቓ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ቆሲሎም።
ካብቶም ግዳያት ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ህጻንን ወዲ ሰለስተ ዓመት ቈልዓን ምዃኖም ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ "ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኲናት ምክያድ ትቕጽል ኣላ" ኢሉ።
ምዕራባውያን ሃገራት እውን ሓገዝ ኣጽዋር ክገብራ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







