ሩስያ፡ ስነስርዓት ቀብሪ ሞቱ ዘዘራርብ ዘሎ መራሒ ተቓውሞ ኣሌክሲ ናቫልኒ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝሞተ ፍሉጥ ሩስያዊ መራሒ ተቓውሞ ሩስያ ኣሌክሲ ናቫልኒ ሎሚ ተፈጺሙ።
እቲ ተሪር ነቓፊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝነበረ ናቫልኒ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ብ16 ለካቲት ሞይቱ። እቲ ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት'ዩ ብፖለቲካዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ክስታት ን19 ዓመታት ተፈሪዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ናብ ዝተባህለ ካብ ሞስኮ ኣዝዩ ዝርሓቐ፡ ኣብ ሳይቤሪያ ዝርከብ ኣዝዩ ዝሑል ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ።
ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝተኻየደ፡ ወለዱ ዝተረኽብሉ ስነስርዓት ቀብሪ፡ ብኣሽሓት ዝቐጸር ህዝቢ ተሳቲፉ።
እቲ ኣጋጣሚ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ፑቲን ምዃኑ ተገሊጹ።
ማእሰርቲ ፈሪሓ ኣብቲ ቀብሪ ዘይተረኽበት ብዓልቲ ቤቱ ዩሊያ ናቫልኒ "ስለቲ ናይ 26 ዓመታት ሓጎስ" ከምእተመስግኖ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ገለ ካብቲ እኩብ ህዝቢ "ሩስያ ብዘይ ፑቲን" ዝብል ጭርሖታት ተቓውሞ ከስምዑ ከምዝወዓሉ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ናዕቢ ከይልዓል ዝሰግኡ ሰብመዚ ሩስያ፡ ኣብታ ከተማ ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ኣዋፊሮም ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ'ሎ።
ዛጊት፡ ኣብ መላእ ሩስያ 45 ሰባት ምስቲ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓላቒ መሰላት ሁዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሞቱ ከም ንቡር ዘይተቐበሉ ብዓልቲቤቱ ትርከቦም ብዙሓት ሩስያውያን ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን'ዮም ተሓታቲ ዝገብርዎ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ግን፡ ናቫልኒ ብሃንደበት ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ወዲቑ ከምዝሞተ'ዮም ዝምጉቱ።
ወከልቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት'ውን ኣብቲ ቀብሪ ተረኺቦም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







