ስዕረት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንድሕነት ኣውሮጳ ወሳኒ'ዩ- ፕረዚደንት ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን፡ ድሕነት ኣውሮጳ ውሕስነት ክረክብ እንተኾይኑ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ክትስዓር ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።
እቲ መግለጺ፡ ብሓይልታት ሩስያ ትድፋእ ዘላ ኪቭ ህጹጽ ደገፍ ኣጽዋርን ተተኮስትን ኣብ እትጠልበሉ ዘላ እዋን'ዩ ተዋሂቡ።
ማክሮን፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ብዛዕባ ንዩክረይን ዝወሃብ ዝዘተየ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት፡ ልፍንቲ ብምፍጣር ማእከላይን ነዊሕን ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ንዩክረይን ክህቡ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመልታት ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ተሰሊፉ ዘሎ ሰራዊት ሩስያ ንቕድሚት ብምግስጋስ ኣገደስቲ ቦታታት ክቆጻጸር ከምዝኸኣለ ይፍለጥ።
ቀንዲ ምንጪ ምዕቡል ኣጽዋር ናይቶም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ናይ ምክልኻል ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ዩክረይን ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት እየን።
ብፍላይ እታ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓይሊ እትውንን ኣመሪካ እትህቦ ደገፍ ወሳኒ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
እንተኾነ ግና፡ ምምሕዳር ባይደን ንኮንግረስ ዘቕረቦ ናይ 95 ቢልዮን ዶላር ንኣገደስቲ መሻርኽቲ ዝወሃብ ሓፈሻዊ ደገፍ ብላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) እኳ ደገፍ እንተረኸበ፡ ታሕተዋይ ባይቶ (ወከልቲ ህዝቢ) ስለዘየጽደቕዎ ኣብ ኢድ ዩክረይን ክበጽሕ ኣይክኣለን ዘሎ።
ኣስታት 61 ቢልዮን ዶላር ካብዚ ንዩክረይን ጥራይ ክወሃብ ዝተመደበ'ዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝበሎ፡ ፍርቂ ናይቲ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ክመጽእ ትጽቢት ዝተገበረሉ ደገፍ ተደናጉዩ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ድሕሪ መግለጺ ማክሮን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብዘይካ ኣብ ስልጠና ዝሳተፉ ውሑዳት ወተሃደራዊ ኪኢላታት፡ ሃገሩ ኣብ ዩክረይን ዓቢ ሓይሊ ናይ ምውፋር መደብ ከምዘይብላ ተዛሪቡ።
ጀርመን፡ ስዊድን፡ ፖላንድን ቸክ ሪፓብሊክን ብወገነን፡ ሰራዊት ናይ ምውፋር ውጥን ከምዘይብለን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሃንጋሪ ነቲ ብፕረዚደንት ቤትምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ዝተላእከ እቲ ሕብረት ንዩክረይን ዘለዎ "ዘይዕጸፍ" ደገፍ ዝገልጽ ሰነድ ከይወጽእ ዓጊታቶ ነይራ።
እቲ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ቅርበት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ነቲ ኣንጻር ሩስያ ዝግበር ውሳነታት እቲ ሕብረት ክዕንቅፎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ይኹን ወተሃደራት ከምዘይትልእኽ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ኲናት ዩክረይን ከብቅዕ ኣለዎ፡ ክሰፍሕ የብሉን" ክብል ፒተር ሲጃርቶ ተዛሪቡ።
ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መግለጺ ማክሮን "ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ'ዩ" ክብል ብምግላጸ፡ ንረብሓ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣይኮነን ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ እቲ ኪዳን ወተሃደራት ብዛዕባ ምስዳድ ከምዘይተላዘበ ብምግላጽ፡ ነቲ ኪቭ ዝህቦ ዓቢ ደገፍ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን፡ ሰሜን ኮርያ ንኲናት ዩክረይን ዝውዕል ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ተተኮስቲ ንሩስያ ከምዝሃበታ ደቡብ ኮርያ ገሊጻ።
እቲ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎን ናይ ምውዳእ ኣንፈት ዘይብሉን መጠነ-ሰፊሕ ጎበጣ ሩስያ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ ኲናት ኣውሮጳ ምዃኑ ይግለጽ።
ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ኣውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ኣብቲ ናይ ሰኑይ ኣኼባ፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳን ልኡኻት ብሪጣንያን ካናዳን ተረኺቦም ነይሮም።
ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ጸጥታን ምርግጋእን ኣውሮጳ፡ ኣብ ስዕረት ሩስያ ዝምርኮስ ምዃኑ ኣሚንና ኣሎና" ኢሉ።
"እንኮ ወራሪት" ክብል ንሩስያ ብምግላጽ ድማ "ምስ ህዝቢ ሩስያ ኣብ ኲናት ኣይኣተናን። ጥራይ ክዕወቱ ኣይንደልዮምን ኢና" ክብል ኣነጺሩ።
እቲ ልፍንቲ ሃገራት ንዩክረይን "ናብ ውሽጢ ዝኣቱ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘኽእል ማእከላይን ርሑቕን ሚሳይላትን ቦምባታትን" ክህብ ምውሳኑ ጠቒሱ። መዓስ ኣብ ኢድ ኪቭ ከምዝበጽሕ ግን ኣየነጸረን።
ኣጋር ሰራዊት ካብ ምስዳድ ከምዝሕየብ ከየነጸረ ብምሕላፍ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ፍልልይ ከምዘሎ ኣሚቱ።
"ብወግዓዊ ኣገባብ ሰራዊት ምስዳድ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓባራዊ ምርድዳእ የለን። እንተኾነ ግን፡ ካብ ተኽእሎታት ወጻኢ ዝኾነ ነገር ኣይክእሉን'ዩ። ሩስያ ነዚ ኲናት ከይትዕወተሉ ዝክኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና"።
"ጸጥታ ንምርግጋጽ ገለ ኣካላት ሰራዊት ናይ ምውፋር ተኽእሎ ካብ ሓሳብ ኣይክወጽእን'ዩ። ግና፡ ከምቲ ኣነጺረ ዝበልኩኹም፡ መርገጺ ፈረንሳ ስትራተጂካዊ ዘይንጹርነት እዩ፡ እዚ ድማ ደው ኢለ" ዝጣበቐሉ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቸክ ሪፓብሊክ ብወገኑ፡ ሃገሩ ሰራዊት ናብ ዩክረይን ናይ ምስዳድ መደብ ከምዘይብላ ኣፍሊጡ።
ካብ ማዕዶ ብቪድዮ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ " ንወራር ሩስያ ንምምካት ንገብሮ ኩሉ፡ ጸጥታ ሃገራትና ንዓሰርተታት ዓመታት ንምውሓስ ዝድርዕ'ዩ" ኢሉ።
ሩስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ሰራዊተን ኣብ ዩክረይን እንተድኣ ኣዋፊረን፡ ኣብ መንጎኣን ኔቶን ቀጥታዊ ግጭት ክፍጠር ዝዕድም'ዩ ብምባል ከተጠንቅቕ ጸኒሓ'ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







