ዘለንስኪ፡ ኣብ ኲናት ኣንጻር ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ወራር ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
ንወተሃደራዊ ውጥን ሩስያ ዝሕግዝ ስለዝዀነ፡ ቍጽሪ ናይቶም ዝቘሰሉ ግን ከምዘይህብ ከኣ ኣፍሊጡ።
ከም ልሙድ፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ኣሃዛት ጉድኣት ንህዝቢ ኣይገልጽዎን እዮም፡ ካልእ ግምታት ድማ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ እቲ ምዕራባውያን ንዩክረይን ዝህብኦ ሓገዝ ብምድንጓዩ፡ ህይወትን መሬትን ኣጥፊኡ ኢሉ።
ሚስተር ዘለንስኪ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ሩስያ ዝጠቐሰቶ ዝተጋነነ ኣሃዛት እዋናዊ ቍጽሪ ሞት ይህብ ከምዘሎ ገሊጹ።
"ኣብዚ ኲናት 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ሞይቶም። ከምቲ በዓል ፑቲንን ሓሳዊ ዓንኬሉን ዝብሉዎ 300 ሽሕ ወይ 150 ሽሕ ግን ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ሞት ግን ንዓና ዓቢ ክሳራ'ዩ።"
ሚስተር ዘለንስኪ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኲናት ዘጋጠመ ሰፊሕ ክሳራታት ክዛረብ ከሎ፡ ኣብቲ ብሩስያ ዝተታሕዘ ከባቢታት ዩክረይን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ልክዕ ግን ኣየነጸረን።
"ክንደይ ከም ዝሞቱ፡ ክንደይ ከም ዝተቐትሉ፡ ክንደይ ከም ዝተቐንሰሉ፡ ከም ዝተሳቐዩ፡ ክንደይ ከም ዝተሰጎጉ ኣይፈልጥን እየ።"
ዩክረይን ወተሃደራዊ ቍጽሪ ሞት ክትህብ ዳርጋ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ካልኦት ግምታት ድማ ኣዝዩ ዝለዓለ ቍጽሪ ከምዘለዎ ይሕብሩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ዩክረይን 70 ሽሕ ክበጽሕ ከሎ፡ ዝቘሰሉ ክሳብ 120 ሽሕ ምዃኖም ገሊጾም።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ብመንጽር ክሳራታት ሩስያ ክዛረብ እንከሎ፡ 180 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ቈሲሎም ኢሉ።
ቢቢሲ ሩስያ፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ ሚድያዞና ኣብ ዘካየዶ ሓባራዊ ፕሮጀክት፡ ኣስማት ናይቶም ዝሞቱ ልዕሊ 45 ሽሕ ሩስያውያን ወተሃደራት ኣስፊሩ። እቲ ጠቕላላ ቍጽሪ ግን ካብኡ ከም ዝዛይድ ይግምት።
ኣብ ለካቲት ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ 350 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝሞቱ ወይ ከምዝቘሰሉ ገሚቱ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ምክልኻሉ ሩስታም ኡመሮቭ፡ ምዕራባውያን መሻርኽቲ እታ ሃገር፡ ዝገብርዎ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምድንጓዩን ሳዕቤኑን ኣመልኪቱ ድሕሪ ምዝራቡ'ዩ።
ዩክረይን ኣብዚ እዋን’ዚ ንሩስያ ካብ ግዝኣታ ንምውጻእ ኣብ እትገብሮ ወፍሪ ዕንቅፋት የጋጥማ ኣሎ።
ሚስተር ኡመሮቭ፡ ሕጽረት ቀረብ ንዩክረይን "ኣብ ሒሳብ ኲናት" ንጌጋታት ከምዘቃለዓ ገሊጹ።
"ዝከኣልን ዘይከኣልን ኵሉ ንገብር ኢና፡ ግን ኣብ እዋኑ ቀረብ እንተዘይሃልዩና እንታይ ዋጋ ኣለዎ" ኢሉ።
ጀርመን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ክሳብ መጋቢት ሓደ ሚልዮን ተተኮስቲ መዳፍዕ ንምብጻሕ ዝሓንጸጾ መደብ ከምዘይማላእ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ኣብ ጥሪ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብዚ ቅሩብ ልዕሊ ፍርቂ ናብ ዩክረይን ከምዝበጽሐን፡ እቲ ቃል ዝተኣተወሉ መጠን ገንዘብ ክሳብ መወዳእታ 2024 ከምዘይህሉን ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ዝሓለፈ ዓመት ብሃንቀውታ ዝተጸበየቶ ውጥን ጸረ-መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ዘይጅመረሉ ምኽንያት፡ ሕጽረት ኣጽዋር ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ብዓቢኡ ፈሺሉ እዩ፤ ሚስተር ዘለንስኪ ብተወሳኺ ንጸረ መጥቃዕቲ ዝምልከት መደባት ኣቐዲሙ ናብ ሩስያ ከምዝለሐኸ’ውን ተዛሪቡ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራት ዩክረይን ካብታ ወሳኒት ምብራቓዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ከምዝተሰሓቡ ተገሊጹ ነይሩ፤ እዚ ድማ ንሞስኮ ዝዓበየ ዓወት እዩ።
ሚስተር ዘለንስኪ ነዚ ብኸፊል ንዋሕዲ ቀረብ ኣጽዋር ምዕራባውያን እውን ወቒሱዎ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ኣብ ኮንግረስ ንዩክረይን ዝኸውን ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ፓኬጅ ደው ምባሉ፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሩስያ ንኽትወድቕ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣሚኑ።
ዩክረይን ንካልኣይ ዓመት ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ዘዘከረትሉ እዋን፡ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ናብ ኪቭ ተጓዒዞም ምትሕግጋዝ ከምዝገብሩ ኣመልኪቶም።
ኣብኡ ድማ ኢጣልያን ካናዳን ምስ ዩክረይን ናይ ጸጥታ ስምምዓት ከምዝፈረማ፤ እዚ እታ ሃገር ክሳብ ናብ ኔቶ እትጽንበር ዝግበር ደገፍ ዘደልድል ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ስምምዕ ካናዳ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ካናዳ (1.7 ቢልዮን ፓውንድ) ዝግመት ፋይናንሳውን ምክልኻልን ሓገዛት ዘጠቓለለ እዩ።
እንተዀነ ኣብዚ ክልተ ዓመቱ ዝገበረ ኲናት፡ ዩክረይን ጥራይ ኣይኰነትን ወተሃደራዊ ንጥፈታታ ኣጽዋራትን ክትረክብ ትሽገር ዘላ።
ሩስያ እውን ተተኮስትን ኣጽዋርን ንምቕራብ ትቃለስ ከምዘላ ሰበስልጣን ምዕራብ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







