ኣብ መቐለ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, Tigrai TV
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተፈናቐልቲ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ህጹጽ ሰብኣዊ ምትእትታው ክግበርን ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብቲ ሎሚ 24 ጥሪ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ተመዛበልቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ምትእትታው ክግበርን ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክትግበርን ሓቲቶም።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን እውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ይዝከር።
ብሰንኪ እቲ ኣብ 2020 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወለዐ ኲናት ብሚልዮን ዝቑጸሩ ነበርቲ ናብ ሱዳንን ኣብ ውሽጢ እቲ ክልልን ተፈናቒሎም። ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ህዝቢ ብቐንዱ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት እታ ክልል ከምዝተመዛበሉ ይፍለጥ።
ምዕራብን ገለ ከባቢታት ደቡብ ትግራይን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ካብ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ዕጡቓት ይርከቡ።
ድሕሪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ኣብ ትግራይ ኣንጻራዊ ሰላም ዝሰፈነ ኮይኑ፡ ካብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ከባቢታት ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ግና ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ኣይከኣሉን።
ብሰንኪ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ከቢድ ህይወት ክመርሑ ከምዝተገደዱ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።
ሓደ ካብቶም ኣዳለውቲ’ቲ ሰልፊ ዝተባህለ ብርሃነ ሃይላይ፡ ድሕሪ ሕጂ ከምተመዛበልቲ ኰይኖም ክቕጽሉ ከምዘይኽእሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ንሕና ንብሎ ዘለና ‘ከም ተመዛበልቲ ክንነብር ኣይንደልን። ናብ ዓድና ምለሱና። ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይግባእ። ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁርራጽ ኣሎ” ኢሉ።
“ብጥሜት ንሞት ኣለና” ብምባል ጠለብ እቶም ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ህወሓት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ክውዕል ክገብሩ ከምዘለዎም እውን ኣስሚሩ።
ሓደ ካብቶም ጠለባት እቶም ተመዛበልቲ፡ “ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል ዝከታተሉ ኣካላት ንብደል ከምዘለና፡ በደልና ይፍለጡልና” ከምዝዀነን ብሰንኪ ምቁርራጽ ሰብኣዊ ረድኤት ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉን ሓቢሩ።
ነቲ ሰልፊ ስዒቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እቶም ጸገማት ክሳዕ ሕዚ ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም ይቕረታ ብምሕታት ንኽፍትሑ ይስራሕ ከምዘሎ ምግላጾም ብርሃነ ሓቢሩ።
ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝዘርግሖም ስእልታት፡ ኣብቲ ሰልፊ ብቃሬዛ ኰይኖም ዝተሳተፉ ሰባት የርእዩ።
እዚኦም ብሰንኪ ጥምየትን ሕጽረት መድሃኒትን ዝደኸሙ ሰባት ምዃኖም ድማ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።
ካሊእ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ኣሸብር ሓገዞም እዩ፤ ንሴ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝርከብ መንበሪኡ ብሓይሊ ተፈናቒሉ ኣብ መቐለ ኣብ ዳስ ይነብር ኣሎ።
ኣሸብር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝረኽቡ ኣስታት ዓሰርተ ወርሒ ከምዝሓለፈ ሓቢሩ።
“ጠሚና፡ ሓሚምና። ሰብኣዊ ሓገዝ የድልየና እዩ። ንመወዳእታ ግዜ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኸብና ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ነይሩ። ብተስፋ ጥራይ ኢና ንነብር ዘለና” ኢሉ።
ንዝተፈላለዩ ጸገማት ብምቅላዖም ድማ “ናብ ኣስከሬን ተቐይሩ እዩ ዘሎ ህዝብና” ዝበለ ኣሸብር ወሲኹ፡ “መዓልቲ ካብ መዓልቲ” ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣብ ማእኸላት ተመዛበልቲ ብውሕዱ 39 ሰባት ብሰንኪ ጥምየትን ሕፅረት መድሓኒትን ከምዝሞቱ ኣዳለዊ እቲ ሰልፊ ብርሃነ ጠቒሱ።
እቶም ተፈናቐልቲ ቅድሚ ሕዚ እውን ብተደጋጋሚ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝጸውዑ ሰላማዊ ሰልፊታት ዘካየዱ ኮይኖም፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብክልል ኣምሓራ ዝተትሓዙን ናይ እግኣአኒ ሕቶ ዝለዓለሎምን ከባቢታት ናብ ትግራይ ብዘይምምላሶም እቶም ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይተኽኣለ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Tigrai TV
ኣብቲ ዳሕረዋይ ሰልፊ ንተሳተፍቲ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ናብ ዓዶም ንምምላስ ብዘይምኽኣሉ መንግስቱ ብኸፊል ተሓታቲ ምዃኑ ተኣሚኑ።
“ኣብ ኣሰቃቒ ኵነታት ዘለኹም እጃምና ክንዋጻእ ብዘይምኽኣልና እዩ” ኢሉ።
ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ እውን ወሲኹ ቃል ኣትዩ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከቡ ምምሕዳራት ከምዝፈርሱን ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ህዝበ ውሳነ ከምዝካየድን ገሊጹ ዝነበረ ኮይኑ ዛጊት ግን ዝተወሰደ ስጉምቲ የለን።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብግዲኡ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር እንከይተመለሱ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ከምዘይህሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ተጋሩ እውን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሓደጋ ብምእታዎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ የቕርቡ ኣለዉ።
ግንባር ሓርነት ህዝቢ ትግራይ (ህወሓት)፡ነበርቲ ብሰንኪ ድርቂ ዘበገሶ ጥምየት ኣብ ዝሞትሉ ዘለዉ እዋን፡ ነቲ ቅልውላው ኣመራርሓ ዝበሎ ጸገም ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ኣኼባታት ከካይድ ብምጽንሑ ዝወቕሱ ሒደት ኣይኰኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







