ኣብ ጋምቤላ ብዘጋጠመ ውሕጅ ልዕሊ 185,000 ነበርቲ ተመዛቢሎም-ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Google
ኣብ ክልል ጋምቤላ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ ብውሕዱ 185 ሽሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ሓዊሱ ኣብ 12 ወረዳታት ብርቱዕ ዝናብ ከምዝዘነበ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ድማ 185,200 ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ኣብ ፈታኒ ኩነታት ከምዝርከቡን እቲ ውድብ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ከምኡ እውን ኣብ ደገ ኣብ ዝተጨናነቐ ኩነታት ተዓቚቦም ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ።
ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ እቶም ተመዛበልቲ ቆፅልን ሱርን ብምብላዕ ብህይወት ክጸንሑ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ብሰንኪ እቲ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብማእከላይ ገምጋም 72 ሚእታዊት ኣብቲ ክልል ዝነበረ ዘራእቲ ተሃስዩ፡ ደርሁን ከብትን ድማ ሞይቶም ኣለዉ።
እቲ ውሕጅ ንብረት ነበርቲ ከም ዘዕነወን ትሕተ ቅርጺ ከምዝሃሰየን'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኣብቲ ከባቢ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዘሎ ዝሕብር እቲ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ውሕጅ መስመራት መተሓላለፊ ማይ ከምዝተሃስዩን ቀረብ ማይ’ውን ከምዝተቋረጸን ይገልጽ።
ኣብተን ዓሰርተ ክልተ ወረዳታት ብዘጋጠመ ውሕጅ ካብ 77 ኣብ ዘይውሕዱ ትካላት ጥዕና ጉድኣት ስለዘብፅሐ፡ ነበርቲ ካብ ግልጋሎት ጥዕና ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዘይከኣሉ እውን ይሕብር።
እዚ ፀገም ግልጋሎት ጥዕና፡ ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ክውስኽ ገይሩ'ሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተመዛበልቲ ምጭንናቕ ስለዝተፈጥረ ሕማም ዓበቕ፡ ዕንፍሩርን ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስን ናይ ምልዕዓል ሓደጋ ኣንጸላልዩ ይርከብ።
ክልል ጋምቤላ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ሩባታት ስለዝውሕዙ ንሃንደበታዊ ውሕጅ ዝተቓልዐ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ወሓይዝ ኣኮቦ፡ ኦልዎሮ፡ ባሮ (ኦፔኖ)ን ጊሎናን ይርከብዎም።
እዞም ሩባታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ክረምትን ብርቱዕ ዝናብን ኣዝዮም ስለዝመልኡ ነቲ ከባቢ ኣዕለቕሊቖም ኣብ ህይወት እቲ ማሕበረሰብ ሞትን ዕንወት ንብረትን ከምዘስዕቡ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







