ሩስያን ዩክረይንን ዘተዓርቕ እንታይ ተረኺቡ ድዩ? ትራምፕ ሕዚኸ ምስ መን ክውግን ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ንፃውዒት ፑቲን ኣወንታዊ ዝመስል ምላሽ ሂቡ ኣሎ።
ኪቭ ምስ ሩስያ ተኹሲ ደው ንምባል ንዝርርብ ድልውቲ ምዃና ፕረዚደንት ዩክረይን ኣፍሊጡ።
እቲ ኲናት ዘጨንቖም ብዙሓት ድማ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ፡ ካብ ፈረንሳይ ክሳብ ኣመሪካ።
ንሱ፡ ኣብ ኢስታንቡል ተራኺቦም ንክዘራረዑ ካብ ፑቲን ንዘቕረበሉ ዕድመ ብቐጥታ መልሲ ከይሃበ፡ "ሩስያውያን ኣብ መወዳእታ ነቲ ኲናት ደው ከብሉ ክሓስቡ ምጅማሮም እወታዊ ምልክት'ዩ" ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ "እዚ ካብ ዝጽበዮ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኰይኑ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ኲናት ብሓቂ ንምውጋድ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ 'ምቁራጽ ተኹሲ' እዩ" ኢሉ።
"እቲ ምቅትታል ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ምቕጻሉ ትርጉም የብሉን። ሩስያ ካብ ጽባሕ 12 ግንቦት ጀሚሩ ተኹሲ ደው ምባል፤ ምሉእን ነባሪን ዘተኣማምንን ዕርቂ ከተረጋግጽ ትጽቢት ንገብር፡ ዩክረይን ድማ ተራኺባ ንምዝታይ ድልውቲ እያ።"
ፑቲን ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ውጥን ተኹሲ ደው ምባል ተስማሚዑ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ፡ ብዛዕባ'ቲ ፑቲን ብሓሙስ ዘቕረቦ እማመ ቀጥታዊ ዝርርብ ርእይቶ እንትህብ፡ ስጉምቱ "ካብ ተገዲድካ ተኹሲ ደው ምባል ብድሌትካ ዝሐሸ እዩ" ካብ ዝብል ዝመንጨወ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዳኒኤል ትራይስማን፡ ፑቲን ትማሊ ብፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪን መራሕቲ ኤውሮጳን ዘቕረቡዎ፡ ናይ 30 መዓልታት ጻውዒት ተኹሲ ደው ምባል 'ከምዝቕበል' ይዛረብ።
"ፑቲን ልሙድ ናይ ጁዶ ምንቅስቓሱ ይገብር ኣሎ፡ ካብቲ ክወግዶ ዝፍትን ነገር ድማ ካልእ ሓሳብ ብምቕራብ ክወጽእ ይፍትን ኣሎ" ይብል።
ከምኡ ዀይኑ 'ውን፡ ሩስያ ንዩክረይን ብናይ ሻሄድ-ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዳግማይ ምጥቃዕ ጀሚራ ኣላ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን፡ ካብተን [180] ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እተን 101 ከምዝተዓገታ ወይ ዝኾነ ጉድኣት ከየብጽሓ ከምዝወደቓ ተገሊጹ።
ሓደ ቁልፊ ሓጋዚ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀጥታዊ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሩስያ ተኹሲ ደው ንምባል ክትሰማማዕ ኣለዋ ኢሉ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዩክረይን ኣንድሪ የርማክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "መጀመርታ ን30 መዓልታት ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕሪኡ ካልእ ኩሉ ይርከበሉ እዩ። ሩስያ ነቲ ኲናት ንምቕጻል ዘለዋ ድሌት ብቃላዊ ምጥምዛዝ ክትሽፍኖ የብላን" ክብል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዩክረይን ገሊጹ።
"ተኹሲ ምቁራጽ ነቲ ኲናት ንምውዳእ ቀዳማይ ስጉምቲ'ዩ፡ ሩስያ ድማ ነቲ ቅትለት ንምውጋድ ድልውቲ ምዃና ከረጋግጽ ኣለዎ"።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ ኣቐዲሙ ዘሌንስኪ ዝሃቦ ርእይቶ ብምድጋም፡ "ዝርርብ ምእንቲ ክጅምር ሕጂ መጀመርታ ተኹሲ ደው ምባል የድሊ" ኢሉ።
ማክሮን ንሱን ካልኦት መራሕቲ ኤውሮጳን፡ ብንጹር ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ን30 መዓልታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ምባል ሓሳብ ከምዘቕረቡ ይዛረብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣካል እቲ ፃውዒት እዩ።
ንሱ፡ ዘለንስኪ ከምዝተሰማምዐሉን፡ እተን ሃገራት ድማ "ካብ ሩስያ ማዕረ ማዕሪኡ ንጹር ምላሽ" ይጽበያ ከምዘለዋን ይዛረብ።
እንተዀነ፡ "ኣጽዋር እናተዛረበ ድርድር ክህሉ ኣይክእልን'ዩ" ይብል፡ ዘለንስኪ።
ፕረዚደንት ዩክረን ዘለንስኪ፡ ቭላድሚር ፑቲን ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ ኢስታንቡል ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ንዝቐረበሉ ሕቶ፤ ጥንቃቐ ዝመልኦ ዲፕሎማስያዊ ምላሽ እዩ ሂቡ።
ኪቭን ምዕራባውያን መሻርኽታን ዝጠልብዎ፡ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ቃል ብዘይምእታዉ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ከሐይል ምኸኣለ ነይሩ።
ብሓቂ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ድሌታት እንተኾይኑ ክትፈልጥ ኣጸጋሚ'ዩ።
ሓደ ነገር ግን ሓቂ ይመስል፤ ኩሎም እቲ ዕርቂ ዝደለዩዎ ኣይመስሉን።
ግን ድማ፡ ፑቲን ይኹን ዘለንስኪ ኣብ ቅድሚ ዶናልድ ትራምፕ ከም ዓንቂ-ሰላም ኰይኖም ክረኣዩ ኣይደልዩን።
ትማሊ ኣብዚ ኣብ ኪቭ ዝነበረ ፕረዚደንት ፈረንሳ ማክሮን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እማመ ፑቲን 'እኹል ከምዘይኮነ'፡ መራሒ ሩስያ ድማ 'መውጽኢ መንገዲ ይደሊ' ከምዘሎን ግዜ ይዕድግ ከምዘሎን ገሊጹ።
ስለዚ ትራምፕ እንታይ እዩ ክገብር?
ሓደ ካብቲ ዓቢ ስክፍታ፡ ክረምሊን ከምቲ ሓይልታታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ድኒፕሮ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ዝተኮስዎ፡ ካልእ 'ኦሬሽኒክ ሃይፐርሶኒክ' ባሊስቲክ ሚሳይል ከይተውንጨፍ እዩ።
ን10 ዕጽፊ ፍጥነት ቀዲሙ ዝኸይድ ኣጽዋር እዩ፤ ሩስያ እዚ ሚሳይከይል "ዘይዕገት" ምዃኑ ትምካሕ።
ኣብ ፈለማ፡ ግብረ መልሲ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን፡ ብግልጺ ተስፋ ዝህብ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኦንላይን መድረኹ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እዚ ኲናት ክውዳእ ከምዝቐረበ ደጊሙ ኣተንቢሁ። 'ንሩስያን ዩክረይንን መዓልቲ ሓጐስ ክኸውን ዝኽእል እዩ!' ኢሉ ጽሒፉ።
ስለዚ ሕጂ እቲ ቁልፊ ሕቶ፡ ትራምፕ ቀጺሉ እንታይ ከምዝገብር ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ሞስኮ ዘሎ ግዝያዊ መሓዝኡ፡ ተኹሲ ደው ምባል ንኸይሰማማዕ መመኽነይታ እናደርደረ፡ የታልሎ ከምዘሎ ክስመዖ ይኽእል እዩ።
ወይስ ምስቲ፡ ምስ ፑቲን ዘለዎ ምዉቕ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዩክረይን ኣብ ኢስታንቡል ኮፍ ኢላ ንጠለባት ሞስኮ ክትሰምዕ ጸቕጢ ብምፍጣር፤ ንመራሒ ሩስያ ዲፕሎማስያዊ ህይወት ክዘርአሉ ይኸውን?
መፃኢ ሰኑይ ተኹሲ ደው ምባል ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







