ኤርትራ፡ እቶም ንልዕሊ 21 ዓመታት ዝተሰወሩ ኣባላት ጉጅለ-15 መን'ዮም?

ብ18 መስከረም 2001፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክእከብን ቅዋም ክትግበር፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምሕታቶም ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው 21 ዓመት ኰይኑ'ሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር፡ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ'ዮም።

ካብቶም ሕቶ ዘቕረቡ፡ ኣባላት 'ጉጅለ 15' እቶም ዓሰርተ ሓደ፡ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካልኦት 4 ኣባላት እቲ ጕጅለ ግን ናብ ስደት ከምርሑ ዝተገደዱ እዮም። ሓደ ካብኦም፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ግን ኣብ ለካቲት 2021 ብሞት ተፈልዩ።

እቶም ኣብ ስደት ብሂወት ዝርከቡ ሰለስተ ድማ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብን ዝነበረ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ዝነበረን ገዲም ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራን ኣቶ መሓመድ ቡርሃን ብላታን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ እዋን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንነዊሕ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ዘገልገለን ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስን እዮም።

ንምዃኑ፡ እቶም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 11 ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበር በዓል መን እዮም? 

1. ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሓዳርን ኰይኑ እውን ዝሰርሐ እዩ።

ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ
መግለጺ ስእሊ, ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ

2. ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ብደረጃ ሚኒስተርነት ከኣ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኰይኑ ሰሪሑ።

ሃይለ ወልደትንሳኤ
መግለጺ ስእሊ, ሃይለ ወልደትንሳኤ

3. ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ብደረጃ ሚኒስተርነት ከኣ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ሰሪሑ።

ጴጥሮስ ሰሎሞን
መግለጺ ስእሊ, ጴጥሮስ ሰሎሞን

4. ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኰይኑ ዝሰርሐ እዩ።

ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር

ምንጪ ስእሊ, SG

መግለጺ ስእሊ, ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር

5. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ከምኡ እውን ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ
መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ

6. በራኺ ገብረስላሰ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ዜና ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኰይኑ ሰሪሑ።

በራኺ ገብረስላሰ
መግለጺ ስእሊ, በራኺ ገብረስላሰ

7. ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዳይረክተር ጀነራል ኣታዊታት ውሽጢ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ስታፍ ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም

ምንጪ ስእሊ, SG

መግለጺ ስእሊ, ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም

8. ጀርማኖ ናቲ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ከምኡ ድማ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበረ እዩ።

ጀርማኖ ናቲ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ጀርማኖ ናቲ

9. ሳልሕ እድሪስ ኬክያ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ኣብ 1994 ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ዝተመረጸ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም እውን ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ነይሩ።

ሳልሕ ኬክያ

ምንጪ ስእሊ, SG

መግለጺ ስእሊ, ሳልሕ ኬክያ

10. ሓምድ ሕምድ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ኣብ 1994 ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ዝተመረጸ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳይረክተር ጀነራል ጠረጴዛ ማእከላይ ምብራቕ ኰይኑ ሰሪሑ።

ሓምድ ሕምድ

ምንጪ ስእሊ, SG

መግለጺ ስእሊ, ሓምድ ሕምድ

11. ኣስቴር ፍስሃጽዮን፡ ካብ 1994 ክሳብ 2001 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ'ውን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ነይራ። ከምኡ ድማ ኣብ ሚኒስtሪ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ዳይረክተር ጀነራል ኰይና ዘገልገለት እያ።

ብተወሳኺ፡ ተደናገጽቲ እቲ ምንቅስቓስ ዝተበሃሉን፡ ጋዜጠኛታት ብሕትን፡ ካልኦት ላዕለዎትን ታሕተዎትን ካድራት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኣስቴር ፍስሃጽዮን
መግለጺ ስእሊ, ኣስቴር ፍስሃጽዮን

ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዞም እሱራት ዝተፈለጠ ነገር

ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላይ መስፍን ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, PETROS TESFAGIORGIS

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላይ መስፍን ሓጎስ

ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ፡ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ዝርከብዎም እሱራት፡ ካብታ ዝተኣሰሩላ ዕለት ጀሚሮም ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ ተገሊሎም ዝተኣሰሩ ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ዝዀነ ሰብ ክበጽሖም፡ ጠበቃ ክግበረሎም ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቤተሰቦምን ከይራኸቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ንዅነታት እዞም እሱራት ከም ምስጢር ሒዙ፡ ንዝዀነ ኣካል ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ይርከብ።

ነዞም እሱራት ብዘይካ እቶም ብቐረባ ዝሕልውዎም ዋርድያታት ዝዀነ ካልእ ሰብ ክርእዮም ይዅን ክበጽሖም ዝፍቀድ ኣይኮነን። ብሂወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ እውን ካብ መንግስቲ ዝተወሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ የለን። ዝበዝሑ ካብኣቶም ግን ኣብ ቀይዲ እንከለው ሞይቶም እዮም ተባሂሉ ይእመን።

እዞም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ እምባትካላ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰነ 2003 ናብ ዒራዒሮ ዝበሃል ቦታ ከምዝተሰጋገሩ ይንገር።

መንግስቲ ብዛዕባ እዞም እሱራት እንታይ ይብል?

ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2002 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንጕጅለ 15 'ከዳዓትን ፈላለይትን' ክብል ገሊጽዎም ነይሩ።

እቲ ባይቶ ብተወሳኺ፡ 'ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ፈቲኖም' ክብል ጠቒስዎም እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንህሉው ኵነታት እሱራት ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ እዩ ዘሎ።

ኣብ 2010፡ ብናይ ቀጠር ጋዜጠኛ ንዅነታት ጕጅለ 15 ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ፡ "ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡ እዚ ጉዳይ እንተተረሰዐ ይሓይሽ" ኢሉ መሊሱ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ'ውን ብዛዕባ ምስዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተተሉ "ዝተኣሰሩ ኣይነበሩን፡ ዝተኣሰሩ የለዉን፡ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ" ክብል መሊሱ ነይሩ።