ኢሰመኮ ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዝርከቡ ተጋሩ ክፍትሑ ጸዊዑ

ኣብ ሰመራ ተዳጒኖም ዝርከቡ ስድራቤታት ተጋሩ

ምንጪ ስእሊ, AM

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ሰመራን ኣጋቲናን ኣብ መዓስከራት ተታሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኵነትን ክፍትሑ ጸዊዑ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ 22 ሰነ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ማእሰርቲ “ዓሌት መሰረት ዝገበረ፡ ዘይሕጋውን ጃምላውን ስለ ዝዀነ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ይግባእ” ኢሉ።

“ናብ መንበሪ ከባቢኦም ክሳብ ዝምለሱ ኣብቲ መጽንሒ ቦታ ክጸንሑ ዝደልዩ እንተሃልዮም እውን፡ ብድልየቶምን ብዘይ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ክኸውን ኣለዎ” ክብል ሓቲቱ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ዝዀነ ገበን ተዳጒኖም ንኸቢድ ስቓይን ሞትን ከም ዝተቓልዑ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

እቶም ወገናት ብ9 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኣብዓላ [ሸኸት] ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ውግእ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓይልታት ዓፋር ‘ናብ ውሑስ ቦታ ከነግዕዘኩም ኢና’ ብምባል ዓይነ ስውራን ከይተረፈ ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ፈለማ ናብ ቤት ማእሰርትን መደበር ፖሊስን፡ ካብኡ ድማ ብመኪና ተጻዒኖም ናብ ሰመራ ከም ዝወሰድዎም ተዛሪቦም።

ምስ ህወሓት ርክብ ነይርኩም ዝተባህሉ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝቐተሉ እውን ገሊጾም።

ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ሸኸት (ኣብዓላ) ገዲፎም ምስ ወጽኡ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ብዕጡቓት ዓፋር ከም ዝተቐተሉ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጋሩ ይገልጹ።

መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣብዓላ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ክስታት ‘ጃምላዊ ቅትለት’ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መብርሂ የለን።

 ኣርማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት

ምንጪ ስእሊ, EHRC

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ ካብ መዳውብቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን “ንድሕነትን ብገበን ዝድለዩ ንምፍላይን ብዝብል” ኣብ ሰመራን ኣጋቲናን ዝበሃሉ መዓስከራት ኣስታት 9 ሽሕ ዝግመቱ ተወለድቲ ትግራይ ተታሖዞም ምህላዎም ኣረጋጊጸ ኣለኹ ኢሉ።

እቶም ብስም መዕቆቢ ተታሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ፡ ሰብ መዚ ጸጥታ ዓፋርን ሲቪላት ኣመራርሓ ዞባን ወረዳን ተዋዲዶም ንተወለድቲ ትግራይ ብምፍላይ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንመዓልቲታት ብመኪና ዘጓዓዓዝዎም ከም ዝዀኑ ገሊጹ።

“እቲ ኮሚሽን ዘዘራረቦም ኣብቶም መጽንሒ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት፡ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ክወጽኡን ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ክጸንሑ ዝተገበሩን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ምዃኑ ገሊጾም፡” ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቶም መጽንሒ ቦታታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ 8560 ሰባት ከም ዝረኸበ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተፈላልዮም ክተሓዙ ስለ ዝተገብሩ “ኣባላት ቤተሰብ ተፈላልዮም ክነብሩ ተገዲዶም’ ክብል ሓቢሩ።

ኣብቶም ማእከላት ሕጽረት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ሕክምናን ከም ዘሎን ተላባዒ ብዝመስል ሕማም ሰባት ከም ዝሞቱን ዝሕብር መግለጺ ኢሰመኮ፡ “ሓንቲ ቤተሰባ ስነ-ልቦናዊ ጸገም ኣጋጢምዋ ኢሎም ዝኣሰርዋ ንእስቲ፣ ሓሙሽተ ዝኾኑ ከቢድ መቝሰልቲ ዘለዎም ሰባት፣ ጸገም ምዕባለ ኣእምሮ ዘለዎም 5 ህጻናት፣ ከምኡ ድማ ብሕማም ቈርበት ዝተጠቕዑ ካብ 4 - 5 ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ኣብቶም መዓስከራት ይርከቡ” ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካብቲ መዳጐኒ ከም ገለ ኢሎም ካብ ዝወጽኡ ውሑዳት ሓደ ዝዀነ ውልቀሰብ ብፍላይ፡ ከም ብዝሒ ደምን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም ኣዝዮም ከም ዝተሳቐዩ፡ ዝሓመመ፡ ንኽወጽእ ይዅን ክሕከም ከልኪሎም፡ ልክዕ ከም ምሩኻት ከም ዝሓዝዎም ገሊጹ ነይሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳኒኤል በቀለ፡ ማእሰርቲ እቶም ተጋሩ “ብሰም መዕቆቢ ዝተፈጸመ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ፡ ዘይሕጋውን ጃምላውን ማእሰርቲ ብምዃኑ ቀልጢፎም ክፍትሑ ይግባእ፡" ክብል ጽዊዑ ኣሎ።