መንቀሊ ባርዕ ጫካ ሎስ ኣንጀለስ እንታይ'ዩ?

እቲ ባርዕ ጫካ ኣሽሓት ኣመዛቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Wally Skalij/Los Angeles Times via Getty Images

ኣብ መላእ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣቱ ስለ ዘይከኣለ፡ ምኽንያት ሞት 16 ትንፋስን ምጥፋእ ደሃይ 13 ሰባትን ከም ዝዀነ ተገሊጹ።

መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ንሎስ ኣንጀለስ ዘስግእ ዘሎ ቀታሊ ባርዕ ጫካ፡ ናብቶም ፍሉያት ከባቢታት እታ ከተማ ከይዝርጋሕ ኵሉ መዳያዊ ምክልኻል የካይዱ ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ኣየር ነቲ ናብ ሓደ ሽሕ ሄክታር ዘስፋሕፍሐን ንብሬንትዉድ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ዘሎ ባርዕ ፓሊሳዴስ ንምዕጋት፡ ነቶም ብሃልሃልታ ሓዊ ዝነዱ ዘለዉ ጐቦታት ማይን መከላኸሊ ሓዊን ክኽዕውሎም ጸኒሖም ኣለዉ።

ሓያል ንፋስ ኣብ ለይቲ ዳግማይ ክለዓል ትጽቢት ስለ ዝግበር፡ ነቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ዝሞትሉ ሃልሃልታ ዝያዳ ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ዕሉማት ኣኽላባት ሬሳታት ኣብ ምድላይ፣ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብቲ ብሰንኪ ኣዕናዊ ባርዕ ዝተሃሞኸ ፍርስራሳት ተዋፊሮም ኣለዉ።

ነበርቲ ከኣ ብሰንጊ`ቲ ባርዕ ማያት ባሕሪ ተበኪሎም ከይኰኑ ብምስጋእ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ተነጊሩዎም ኣሎ።

ዛጊት እንታይ ኣሎ?

እቲ ዝዓበየ ባርዕ ሓዊ ፖሊሳዴስ ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ ሓደ ሽሕ ሄክታር ክልሕም እንከሎ፡ እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ምዕጋቱ ክዕወቱ ኣይከኣሉን።

እቲ ባርዕ ናብ ምብራቕ ገጽ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ነቲ ብሬንትዉድ ዝበሃል ፍሉይ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ ኣሎ።

እቲ ኣብዚ ከባቢ ዝርከብ 'ጌቲ ሴንተር' ዝበሃል ኣብ ዓለም ዝተፈልጠ ቤተ-መዘክር ስነጥበብ`ውን ካብዚ ቦታ ክወጽእ ተገይሩ ይርከብ።

ኣስታት 3,700 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ኣለዉ።

ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ሰብ-መዚ ዝህቡዎም ሓደስቲ ሓበሬታታት ክሰምዑ ኣብ ተዳሎ ይርከቡ።

ብሰንኪ`ቲ ባርዕ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም፣ ካልኦት ሰለስተ ድማ ብባርዕ ፓሊሳሴስ ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ።

ሰበስልጣን ናይቲ ምምሕዳር፡ ብዛዕባ`ቶም ደሃዮም ዝጠፍአ 13 ሰባት ይምርምሩ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ልዕሊ 153 ሽሕ ሰባት ካብቲ ዝነብርሉ ገዛውቲ ክወጽኡ መምርሒ ከም ዝተዋህቦም ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ ትማሊ ቀዳም ሓቢሮም።

ካልኦት 166 ሽሕ ድማ ኣብ ትሕቲ መጠንቀቕታ ምውጻእ ይርከቡ።

እቲ ባርዕ ሓዊ፡ 12 ሽሕ ትሕተ ቅርጺ ከም ዘዕነወ ይፍለጥ። እዚኦም መንበሪ ኣባይቲ፡ ተንቀሳቐስቲ ኣባይቲ፡ መካይንን ካልኦት ህንጻታትን ዘጠቓለሉ'ዮም።

ኣብ ባርዕ ፖሊሳዴስ ዝቃለስ ዘሎ ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባርዕ ፖሊሳዴስ ዝቃለስ ዘሎ ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ
ባርዕ ሓዊ ፖሊሳዴስ ኣስታት 23 ሽሕ ሄክታር እዩ ሸፊኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባርዕ ሓዊ ፖሊሳዴስ ኣስታት 23 ሽሕ ሄክታር እዩ ሸፊኑ

ባርዕ ሓዊ ኢተን፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ መሰረተ-ልምዓታት ከዕኑ እንከሎ፡ ባርዕ ፓሊሳሴስ ብውሕዱ 426 ኣባይቲ ሓዊሱ ኣስታት 5,300 መሓውራት ህንጻ ኣዕንዩ።

ሰብ-መዚ፡ ኣብቶም ከባቢታት ዘጋጠመ ዝምታ ስዒቡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ካብ 02፡00 ክሳብ ሰዓት 06፡00 GMT ኣብ ውሽጢ እቶም ብባርዕ ፓሊሳዴስን ኢተንን ዝተሃስዩ ከባቢታት ዝጸንሕ ሰዓት እቶ-እቶ "ብጥብቂ ክትግበር" ገይሮም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት፡ 22 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፤ ኣብ ከባቢ ባርዕ ሓዊ ኢተን 19 ሰባት ክእሰሩ ከለዉ፡ ሰለስተ ድማ ባርዕ ሓዊ ፓሊሳዴስ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ተታሒዞም።

ክልተ ሰባት ብጥሕሰት ሰዓት እቶ-እቶ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ካልኦት ድማ ብጥርጣረ ስርቂ፡ ምዝማት፡ ናይ ሓሶት መንነት፡ ዕጸፋርስ ብምሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ሓደ ብሕቡእ ብረት ሒዙ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ግን ብምሕረት ተፈቲሑ።

ኣስታት 400 ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዞባ ተዋፊሮም ኣብ ምዕጻው ጽርግያታትን ኣብ ተልእኾታት መሰረተ ልምዓታትን ሓገዝ ይገብሩ ከም ዘለዉ ሰበስልጣን ገሊጾም።

እዚ ባርዕ ሓዊ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝኸፍአን ካብ 135 ክሳብ 150 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክሳራ ኣውሪዱ ክኸውን ከም ዝኽእልን መባእታዊ ግምት ትካል ኣኩዌዘር ይሕብር።

ትካላት መድሕን፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ክቡራት መንበሪ ኣባይቲ ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክሓቶም ከም ዝኽእል ይግመት።

መል ጊብሰን፡ ሌይተን ሚስተርን ኣዳም ብሮዲን ከምኡ'ውን ፓሪስ ሂልተን ዝርከቡዎም ፍሉጣት ሰባት ሆሊውድ ገዝኦም ዓንዩ ኣሎ።

እዞም ባርዓት ሓዊ ኣበይ ቦታታት ኣለዉ?

ኣብቲ ሰፊሕ ከባቢ ካሊፎርንያ ኣርባዕተ ባርዕ ሓዊ ይነድድ ከም ዘሎ ሰበስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ ካሊፎርንያ ገሊጾም።

ፓሊሳደስ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ዝተላዕለ ናይ መጀመርታ ባርዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ኣዕናዊ ባርዕ ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ 22,660 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ኣቃጺሉ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ልዑል ዕዳጋ ዘለዎ ከባቢ ፓሲፊክ ፓሊሳደስ ዝሓወሰ እዩ። ክሳብ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ 11% ጥራይ እዩ ንምቍጽጻሩ ተኻኢሉ ዘሎ።

ኢተን፡ እዚ ንሰሜናዊ ክፋል ሎስ ኣንጀለስ ዝሃሰየ ኣብ ከም ብዓል ኣልታዴና ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዝነድድ ዘሎ ሓዊ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካልኣይ ዝዓበየ ባርዕ ኰይኑ፡ ኣስታት 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ ይርከብ። 15 ሚእታዊት ናይዚ ባርዕ ከኣ ንምቍጽጻሩ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሃርስት፡ እዚ'ውን ብሰሉስ ዝተላዕለ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሳን ፈርናንዶ ንሰሜን ቍሩብ ርሒቑ ይቃጸል ኣሎ። ዝርግሐ እዚ ሓዊ ናብ 799 ሄክታር ዓብዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ሕጂ 76 ሚእታዊት ንምቍጽጻሩ ተኸኢሉ ኣሎ።

ኬነት፡ እዚ ባርዕ ሓዊ ብሓሙስ ኣብ ዶብ ምምሕዳራት ሎስ ኣንጀለስን ቨንቸራን እዩ ተላዒሉ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1052 ሄክታር ሸፊኑ ይርከብ። ሰብ-መዚ፡ ገስጋስ`ዚ ሓዊ ደው ከም ዝበለን 80 ሚእታዊት ከም ዝተቘጻጸሩዎን ገሊጾም። በዚ ዝስዓበ ዕንወት ኣባይቲን ካልኦት መሰረተ-ልምዓታትን ከም ዘየሎ ይገልጹ።

ንኻልኦት ከም ኣርቸር፡ ሳንሰት፡ ሊድያ፡ ዉድሊን ኦሊቫስን ዝተባህሉ ባርዓት ድማ ክዓግቱዎም ክኢሎም።

ሎስ ኣንጅለስ ነዚ ሓዊ ተዳልያትሉዶ ነይራ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ገለ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ቱቦታት ማይ ከም ዝነቐጸ ድሕሪ ምግላጾም፡ እታ ከተማ ብዛዕባ ዝነበራ ቅድመ ምድላው ንምክልኻል ባርዕ ዝምልከት ፖለቲካዊ ክትዓት ተላዒሉ ይርከብ።

ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም ብዛዕባ እዚ ከምኡ'ውን እቲ ባርዕ ምስ ተላዕለ ስለምንታይ ዕቋር ማይ ሳንታ ይነዝ ንጽገና ተዓጽዩን ጥርሑ ጸኒሑን ዝብልን መርመራ ክካየድ መምርሒ ሂቡ።

"ካብ መጥፋእቲ ሓዊ ዝመጽእ ቀረብ ምጥፋኡ፡ ንገለ ኣባይትን ካንሸሎታትን ንምውጻእ ኰነ ንምክልኻል ንዝግበር ጻዕሪ ኣዳኺምዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።

ከንቲባ ካረን ባስ፡ ኣብ ጋና እተካይዶ ካብ ዝነበረት ምብጻሕ ክትምለስ እንከላ፡ እታ ከተማ ብሓዊ እናነደደት እያ ጸኒሓታ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሰብ-መዚ እንታይ ዓይነት ድልውነት'ዩ ነይሩዎም ዝብል ክትዓት ተላዒሉ ይርከብ።ኣብ ልዕሊኣ ድማ ከበድቲ ሕቶታት ይቐርቡ ኣለዉ።

ብቐዳም፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ህጹጽ ኵነታት ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ቅልውላው ደው ምባል እዩ ቀዳምነት ዝወሃቦ፡" ኢላ።

እቲ ባርዕ ቅድሚ ምንኻሱ፡ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ሎስ ኣንጅለስ፡ ምጕዳል ባጀት፡ ነቲ ክፍሊ ኣብ ህጹጽ ኵነታት ምላሽ ንኽህብ ንዘለዎ ዓቕሚ የተዓናቕፎ ምህላዉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ብቐዳም ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ካውንቲ ሎስ ኣንጅለስ ኣንቶኒ ማሮን፡ እቲ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ድሉዊ ኣይነበረን ንዝብል ክሲ ነጺጉዎ።

"እቲ ቀዳማይ ባርዕ ቅድሚ ምጅማሩ እኹላት ሰራሕተኛታትን እኹል ጸጋታትን ከም ዘለና ንምርግጋጽ ዝከኣለኒ ዘበለ ገይረ'የ። እዚ ዕንወት ዝወረደ፡ ብሰንኪ ምድላው ወይ ውሳነ ዘይምህላው ኣይኰነን - ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ኣብታ ምምሕዳር ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ይነብሩ።

ጠንቂ ናይቲ ባርዕ እንታይ እዩ?

ኣዛዚ ፖሊስ ሎስ ካውንቲ ኣንጀለስ ሮበርት ሉና፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ይጻረ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ኵሉ ነገር ኣብ ጠረጴዛ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ምንጪ ዝበዝሐ ባርዕ ሓዊ ዝዀነ በርቂ፡ ጠንቂ ባርዕ ፓሊሳዴስን ኢተንን ምዃኑ ተገሊጹ።

ከምኡ'ውን፡ ኰነ ኢልካ ዝፍጸም ገበናዊ ተግባር ንምልዓል ባርዕ ሓዊ ወይ መስመራት ኣገልግሎት ምኽንያታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን።

ካሊፎርንያ ኣብ 2022-23 ዝነበረ ልዑል ጠሊ ዝነበሮ ኵነታት ኣግራብ ክዓብዩ ገይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ደርቂ ኣጋጢሙ፣ ደረቕ ኵነታት ድማ እቲ ሓዊ ክጋደድ ኣኽኢሉ ክኸውን ይኽእል።

ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ 0.16 ኢንች (0.4 ሴንቲ ሜተር) ጥራይ እያ ዝናብ ረኺባ።

ከምኡ'ውን 'ሳንታ ኣና ንፋሳት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ንፋስ ዝተጋደደ ባርዕ ጫካ ክፍጠር ገይሩ።

ብርቱዕ ንፋስን ሕጽረት ዝናብን ነቲ ባርዕ ሓዊ ዝደረኹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ጽልዋ ክሊማዊ ለውጢ'ውን ክህሉ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

ካሊፎርንያ ሓዊሱ መብዛሕትኡ ምዕራባዊ ክፋል ኣመሪካ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጥራይ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ደርቂ ኣጋጢምዎ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዞባ ተቓላዓይ ገይርዎ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ደረቕን ርጡብን እዋናት ስለ ዝነበረ ድማ እቲ ምቅይያር ቀልጢፉ ክቃጸል ዝኽእል ልዑል መጠን ደረቕ ኣከባቢ ክፍጠር ገይሩ።

"ምውሳኽ መጠን ምቘት፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደርቂን ጽምኢን ሓዊሱ ለውጢ ክሊማ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣመሪካ ሓደጋን ስፍሓትን ባርዕ ጫካ ኣብ ምውሳኽ ቀንዲ ድርኺት ኰይኑ'ዩ፡" ይብል ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖሳትን ኣትሞስፈሪክን ኣመሪካ።

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ብሓፈሻ ካብ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ ዝዝርጋሕ ወቕቲ ባርዕ ሓዊ ክኽሰት ይዕድም።