ሎስ ኣንጀለስ ባርዕ ጫካ ንምምካት እሱራት ኣዋፊራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ ዘሎ ባርዕ ጫካ ንምግታእ ዝሕግዙ ኣማኢት እሱራት ተዋፊሮም።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝበዝሐ ጉድኣት ከምዘስዓበ ዝንገረሉ ባርዕ ጫካ ንምምካት ኣብ ትሕቲ ክፍሊ መእረምታን ተሃድሶን ካሊፎርንያ ኣብ ዝካየድ ወለንታዊ መደብ ኣስታት 939 እሱራት ይሳተፉ ከምዘለዉ እዩ ተገሊጹ።
እቲ ባርዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 7 ጥሪ 2025 ዝጀመረ ኰይኑ ዝርጋሐኡ ኣብ ምግታእ ዝሕግዙ ቍጽሪ እሱራት በብመዓልቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ብሰንኪ'ቲ ባርዕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 10 ሽሕ ህንጻታት ክዓንዉ እንከለዉ 37 ሽሕ ሄክታር መሬት ድማ ተቓጺሉ እዩ።
ክሳዕ ሕጂ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።
እቶም ዝተዋፈሩ እሱራት ብመንግስቲ ኣብ ዝመሓደሩ 35 መዓስከራት መጥፋእቲ ሓዊ ስልጠና ዝወሰዱ እዮም።
ክፍሊ ተሃድሶ ቤት ማእሰርቲ ብኢመይል ንቢቢሲ ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ እቶም እሱራት "ዝርገሐ እቲ ባርዕ ንምግታእ 24 ሰዓት ይሰርሑ ኣለው" ክብል ኣመልኪቱ።
እሱራት ኣብ ስርሓት መጥፋእቲ ሓዊ ክሳተፉ ምግባር ኣብ 1946 ዝጀመረ ኣገባብ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ መደብ ንተቓላዕቲ እሱራት ይምዝምዝ ኣሎ ኢሎም ዝነቕፉ ኣለዉ። ብካልእ ወገን ድማ እቲ መስርሕ ለውጢ ክምጽእ'ዩ ዝብሉ ደገፍቲ እውን ኣለዉ።
መንግስቲ ንእሱራት ካብ 5.80 ክሳብ 10.24 ዶላር መዓልታዊ ደሞዝ ዝኸፍል ኰይኑ፡ ኣብ ህጹጽ ኣገልግሎት ክዋፈሩ ከለዉ ድማ ኣብ መዓልቲ ተወሳኺ ሓደ ዶላር ይኸፍሎም።
እዚ ደሞዝ ምስቶም እሱራት ዘይኰኑ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ክነጻጸር እንከሎ ውሑድ እዩ። ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከቡ መጥፋእቲ ሓዊ ዓመታዊ 100 ሽሕ ዶላር እዩ ዝኽፈሎም።
"ምስ ካልኦት ኣብ ከባቢና ዘለዉ መጥፋእቲ ሓዊ ክነጻጸር እንከሎ ብደረጃ ሳንቲም እዩ ዝኽፈለና" ይብል ንመኽሰብ ዘይሰርሕ መደብ ምልመላ ምክልኻል መጥፋእቲ ሓዊ ዝመርሕ ሮያል ራመይ።
"ሓዊ ንምጥፋእ እናተቓለስካ ህይወትካ እንተስኢንካ፡ ዋላ ሓንቲ እትረኽቦ ረብሓ የለን።"
"ከም መጥፋእቲ ሓዊ ኣፍልጦ ኣይክትረክብን" ክብል ይውስኽ።
እቲ ፓሊሳደስ ዝብል መጸውዒ ዝተወሃቦ ባርዕ ጫካ ኣብታ ግዝኣት ዝኸበደ እዩ።
ዛጊት ንከባቢ ፓሲፊክ ፓሊሳድስ ሓዊሱ ልዕሊ 17,200 ሄክታር ዝሽፍን ሰፊሕ ግዝኣት ኣዕንዩ ኣሎ።
ኢተን ዝበሃል ባርዕ ጫካ ድማ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስን ኣልታዴናን እውን ዝዝርጋሕ ዘሎ ኰይኑ ኣብታ ግዝኣት ካልኣይ ዝኸበደ እዩ። 10,600 ሄክታር ድማ ኣዕንዩ ኣሎ።
እቲ ሳልሳይ ባርዕ ጫካ ሃርስት እዩ። እዚ ብሰሉስ ዝጀመረ ባርዕ ናብ ሰሜን ሳን ፈርናንዶ'ውን እናተዘርግሐ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናዊ ከባቢ ኣክቶን ዝተወልዐ ባርዕ ሊድያ እዩ። ዛጊት ኣስታት 350 ሄክታር ኣብ ዝሽፍን ከባቢ ተዘርጊሑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







