ኣብ ገለ ወረዳታት ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ፡ ኤርትራ ከኣ ኣጠንቂቓ

ኣንበጣ በረኻ ምሸላ እንትበልዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ገለ ወረደታት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ትግራይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ካብ የመንን ሶማልያን ከምዝተበገሰ ዝግመት ኣንበጣ በረኻ፡ ብቐንዱ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተጫጭሐ ከምዝዀነ ይዝረብ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝዘነበ ውሱን ዝናብ ንምርባሕ ኣንበጣ በረኻ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፈጥር ብምግላጽ፡ ቅድመ ጥንቃቐ ክግበር ሚኒስትሪ ሕርሻ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ዮሃንስ ኣለማዮ፡ ኣብ ክልተ ዞባታትን ኣብ ውሱናት ወረደታትን ከምዝተራእየ ተዛሪቡ።

ዛጊት እቲ ዕስለ፡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ምብራቕን ዝተራእየ ከምዝዀነ ዝገለጸ ዮሃንስ፡ ኣብ ወረዳታት ኣጽቢ ወንበርታ፡ ክልተ-ኣውላዕሎ፡ ሰውሓ-ሳዕሲዕን እንደርታን ብብዝሒ ከምዝተራእየ ተዘሪቡ።

እቲ ኣንበጣ ክበልዕ ኣብ ዝኽእለሉ ዕቤትደረጃ ከምዝርከብ ዝገለጸ ዮሃንስ፡ ዛጊት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኣብ ዝበሃለሉ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ገለ ሒደት ጣብያት ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከውርድ ከምዝጀመረ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ብፍላይ ኣብ ወረዳ ኣጽቢ፡ ጣብያ ገብረኺዳን፡ ኣብ እትበሃል ከባቢ ዘራእቲ ከምዝበልዐ ተዛሪቡ።

“ኣብ ኦምን ኣብ ዘራእትን እዩ ሓዲሩ። መጠን እቲ መጥቃዕቲ ገና መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ፤ ኣብ ሓንቲ ጣብያ ዘራእቲ ከምዘጥቀዐ ግን ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብኣንፈት ደቡብ ብራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ንምእታው ፈቲኑ ከምዝነበረ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ስግኣታት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ ከሚካልን ብባህላውን መገዲ ንምክልኻል ምድልዋት ተገይሩ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

ምስ ፌዴራል መንግስትን ክልል ዓፋርን ገለ ምትሕብባራት ከምዝተጀመረ ዝገለጸ እቲ በዓል ሞያ፡ መጀመርታ መንግስቲ ፈደራል እቲ ሓበሬታ ጠርጢሮም ከምዝነበሩን ‘የለን’ ዝበለ ዝተጋገየ ሓበሬታ ከምዝነበሮምን ተዘሪቡ።

ሕጂ ግን፡ ካብ ክልል ዓፋርን ካብ መንግስትን፡ ሓለፍቲ ናብ መቐለ ኣትዮም ይመኻኸሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እንተዀነ ካብ መንግስቲ ፈደራል ክሳብ ሕጂ ዝተገብረሎም ሓገዝ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋን ግን ብፍላይ ሰውሓ-ሳዕሲዕ ኣብ ዝተበሃለት ወረዳ ኣትዩ ዝሓደረ ኣንበጣ በረኻ ክዕዘቡ ተንቀሳቒሶም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝዘነበ ውሱን መጠን ዝናብ ንምርባሕ ኣንበጣ በረኻ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፈጠረ ብምምልካት፡ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ድማ ሓረስቶትን ዝተዋደደ ምክትታል ከካይዱ ብ 25 ሓምለ ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ምምሕዳራት፡ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ምስ ክኢላታት ብምውህሃድ፡ ስሩዕ ዳህሳስን ምክትታልን ከካይዱ እቲ ሚኒስትሪ ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝርአ ኣንበጣ በረኻ፡ ናይ ምርባሕ ዓቕሙ ከማዕብልን በብቕሩብ ናብ ከበሳታትን ምብራቓዊ ኣጻድፍን ክዝርጋሕን ዕድል ክረክብ ከምዝኽእል ብምግንዛብ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምእታው ዝተዋደደን ኣድማዒን ጻዕሪ ከምዘድሊ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ጋዴን-ዓላ ዝተረኸበ ኣንበጣ ምድረበዳ ብክኢላታት ሕርሻ፡ ምምሕዳራትን ህዝብን ብዝተዋደደ ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሓይሊ ዕማም ንምክልኻል ኣንበጣ

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 22 ሓምለ 2015 ዓ/ም [ኣግ] ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣሕሊፉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ወሰናስን ክልል ዓፋር ዝርከባ ወረዳታት ዕስለ ኣንበጣ ከም ዝተራእየ ዝገምገመ እቲ ካቢነ፡ ብካቢነ ሰክረታሪያት ስግግር ልምዓት ቍጠባ ዝምራሕን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዝሓቘፈ ሓይሊ ዕማ ከቕውም ወሲኑ ኣሎ።

ብተዛማዲ ንስራሕ ዘድሊ ባጀት ክምደብ ኣንፈት ዘቐመጠ እቲ ካቢነ፡ መንእሰያት፡ ሰብ ሃብቲ፡ ሰራዊት፡ በብደረጃኡ ዘለዉ ሞያውያን፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ከባቢኡ ብትዅረት ክከታተል፡ መንግስቲ በብእዋኑ ብዝህቦ ሓበሬታ ድማ ድሉዋት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣትዩ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራእትን ከባቢን መጠናዊ ጉድኣት ኣውሪዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብኣብዝሓ መናእሰይ ተወዲቦም ነቲ ሓደጋ ክከላኸልዎ ከምዝፈተኑ ድማ ዝዝከር እዩ።

እቲ ሕጂ ቈይሙ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ኣቐዲሙ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያታት ዝተዘርግሐ መሓውራት፡ ናብ ተግባር ዘእቱ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዘይካ ኣብ ዞባታት ማእከላይን ሰሜን ምዕራብን፡ እቲ ውዳበታት ኣብ ኣብዝሓ ዞባታት ትግራይ ዝተጀመረ ከምዝዀነ ዮሃንስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን፡ ክርአ ንዝጀመረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ምድላዋት ክገብራ ውድብ መግቢን ሕርሻን ( FAO) ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣጠንቂቍ ነይሩ።

እቲ ውድብ፡ ብ17 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ የመንን ስዑዲ ዓረብን ባርኖስ ከምዝተራእየ ብምርግጋጽ፡ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘርእቲ ከቢድ ዕንወት ከየውረደ ሓባራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።