ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዳያኑ ኣብ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ከጻውቱ ተሓርዮም

ምንጪ ስእሊ, Eyobel Michael
ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዳያኑ ኣብ መንጎ ዩጋንዳን ኒጀርን ንዝካየድ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ክዳንዩ ከም ዝተመረጹ ተፈሊጡ።
እቲ ግጥም ሎሚ ረቡዕ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታድየም ቅድስቲ ማርያም ኪተንደ ዩጋንዳ ዝካየድ ኰይኑ፡ ጸጋይ ሞጎስ ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ ከጻውት እዩ።
እዮቤል ሚኪኤልን ሲራክ ሳሙኤልን ተሓጋገዝቲ ደያኑ ክኾኑ እንከለው፡ ኢድሪስ መሓመድ ዑስማን ራብዓይ ዳኛ ኰይኑ ተመሪጹ።
እዚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይን ካልኣይን እግሪ ናይ ምድብ ጸወታ ኰይኑ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ግጥማት ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየዱ'ዮም።
ናብ ሃገራት ወጻኢ ንጸወታ ዝገሹ ተጻወትታ ብተደጋጋሚ ክጠፍኡ ዝረኣየላ ኤርትራ ኣብዚ ግጥማት መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ኣይተሳተፈትን።
ኣብ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ትሕቲ 20 ዓመት ትሳተፍ ናይ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣርባዕተ ኣባላት ኣብ ዩጋንዳ ድሕሪ ምስዋሮም ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ተጸብጺቡ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ 2009 12 ተጻወቲ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምስዋሮም ኣሰልጣኒን ሓደ በዓል ስልጣን ስፓርትን ጥራይ ንኣስመራ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት ናይቲ እዋን ይገልጹ።
ሎሚ ሰዓት 4 ድቀ ዝገጥማ ኒጀርን ዩጋንዳን ዛጊት ሓሓደ ጸወታታት ኣካዪደን ኣለዋ።
ብቐዳም ኡጋንዳ ብኣልጀርያ 2 ብ 0 ክትሰዓር እንከላ፡ ኒጀር ምስ ታንዛንያ ማዕረ እያ ተፈላልያ።
መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ንመበል 34 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 23 ሰነ 2023 ጀሚሩ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ክካየድ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







