ኣፍኮን 2019፡ ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ናይ መስመር ዳኛ

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ዳኛ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ 21 ሰነ ዝተጀመረ ውድድር ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ይሳተፍ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣፍኮን 2019፡ 24 ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ይሳተፋ ኣለዋ።
ኤርትራዊ ናይ መስመር ዳኛ በርሀ ተስፋጌርግስ ድማ ሓደ ካብቶም ነቶም ኣብ ውድድር ዝግበሩ ግጥማት ክዳንዩ ዝተሓርዩ ዓለምለኻውያን ዳኛታት'ዩ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ ኣብ ኣስመራ ከም ዝተወለደን፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ስፓርት ይፈቱ ከም ዝነበረን ተዛሪቡ።
ብፍላይ ኣብ ኣትሌቲክስ ፍሉይ ፍቕሪ ከም ዝነበሮን፡ ኣብ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ርሕቀታት ጉያ እግሪ ይወዳደር ከም ዝነበረን ገሊጹ።
በርሀ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ጉያ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት'ውን፡ ካብ 1993 ጀሚሩ ስልጠናታት ዳንነት ይወስድ ነይሩ።
"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መጽዮም ጎስጓስ ምስ ገበሩልና ኢና ተመዝጊብና። ግና ካብቶም ሸዑ ዝተምሃርና ዳርጋ ኩሎም የለውን" ይብል ንሱ፡ ብኸመይ ናብ ዳንነት ከም ዝኣተወ ክዛረብ እንከሎ።
"ዳኛ ኮይንካ ክሳብ ነዊሕ ዕድመ ክትዋሳእ ስለ እትኽእል፤ ካብ ስፖርት ንከይፍለ ኢለ እየ እምበር ዳንነት ረብሕኡ ጥቕሙ ፈሊጠዮ ኣጽኒዐ ኣይኮንኩን ኣትየዮ።"
በርሀ፡ ናይ ቀዳማይ ደረጃ መዓርግ ኣብ 1995 ድሕሪ ምርካቡ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ኣብ 2000 ናይ ፈደራል ዳኛ ክኸውን በቒዑ።
ኣብ 2004 ከኣ ግቡእ ስልጠና ብምውሳድ ዓለምለኻዊ መዓርግ ካብ ፊፋ ረኺቡ።
"ብድሕሪ እዚ ኣብ 2007 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተማሂረ 'ያንግ ኤሊት' ስዒቡውን 'ኤሊት ቢ' ረኺበ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መንእሰያት፡ ናይ ክለባት ናይ ፊፋ እና ኣጻወትኩ ጸኒሐ ኣብ 2013 ኣብ 'ኤሊት ኤ' ምስ ብሉጻት 57 ደያኑ ኣፍሪቃ ተጸምቢረ ይርከብ" ኢሉ።
ማእከላይ ዳኛ ንምኻን ከተማልኦም ዘለካ ቅጥዕታት እንታይ ምዃኖም ክነግረና ምስ ተወከስናዮ፡ በርሀ፡ "ናትካ ድልየትን ብቕዓትን እዩ ዝውስኖ። ናብኡ ክትሰግር ምስ እትደሊ ንሓደ ዓመት ካብቲ ዘለኻዮ ዓለምለኻዊ ዳንነት ደው ተብል እሞ፤ ናብ ውሽጢ ሃገር ተመሊስካ ብፈደራል ትነጥፍ፤ ብድሕሪኡ ብቕዓትካ ተረጋጊጹ ናብ ማእከላይ ዳኛ ትቕጽል" ብምባል መሊሱ።
ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሳተፈሎም ዓበይቲ ጸወታታት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፡ ግጥማት ክለባት ፊፋ፡ ዋንጫ መንእሰያት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክስን ይጠቅስ።
ከም ዳኛ፡ ኣብ ጉዕዝኡ ካብ ዝጋጠምዎ እቲ ዝዓበየ ዝብሎ ብድሆ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ግጥም ዝሃቦ ውሳነ ምዃኑ ይዝክር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ሊብያን ናብ ዋንጫ ዓለም መጻረዪ ዝነበረ ግጥም፡ ሓያል ጸወታ እዩ ነይሩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ምዕቡል ናይ ካሜራ ስርዓተ ሓገዝ ኣይነበረን። እቶም ሓደ ኦፍሳይት ይብሉ እቶም ካልእ ከኣ ጎል ክብሉ ዕግርግር ኮይኑ። በታ ሽዑ ዝሃብክዋ ውሳነ ንኽልተ ሰለስተ ወርሒ ከየጻውት ደው ኣቢሎምኒ። ኣብ መወዳእታ ግና ይቕረታ ኢሎም መሊሶምኒ። ከም ሰብ ክትጋገ ባህርያዊ እዩ። ከምኡ ክትገብር ከሎኻ፡ ክትእረም ምእንቲ ደው ከብሉኻ ግቡእ እዩ።"
እቲ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ስሙን ስም ሃገሩን ዘጸውዕ ዘሎ በርሀ ተስፋጌርጊስ፡ ብዛዕባ ዳንነት ዘሎ ርድኢት ድሩት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ደያኑ ዝረኽብዎ ክፍሊትን፡ ዝሳተፍዎ ጸወታታትን ውሑድ ብምዃኑ ንብዙሓት ኣየተባብዕን'ዩ ይብል።
"ፈለማ ንኹሉ ተረዲኣ ወትሩ ኣብ ጎድነይ ኮይና ትሕግዘኒ በዓልቲ ቤተይ፡ ንሃገራዊ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ንኮምሽን ስፖርት ኤርትራ፡ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኢሚግረሽንን ወትሩ ብኹሉ ዘድልይ ዝተሓባበሩኒ ኣዝየ ከመስግን ይደልይ።
"በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ንኣሽቱ'ውን ኣብዚ ደረጃ ንኽበጽሑ ምትሕብባሮም ከይፍለዮም ይላቦ። ኤርትራ ብኹዕሶ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽትበጽሕ ተስፋ ኣለና። እቲ መጽዩ ዘሎ ሰላም'ውን ነዚ ከም ዝሕግዘና ይኣምን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







