ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ሩስያ 2018፡ ሕጋዊ ምስሕሓብ ሚልዮናት ዘኸተለ ዓፍራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ከም ናይ ጭሕሚ መስደዲ ቅብኢ (ክሬማ) እዩ ዝመስል። ኣብ ንኡሽቶ ታኒካ ታዓሺጉ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ዳኛታት ኣብ ማዕጥቖኦም ብምግባር፡ ኩዕሶ ዝቕላዓሉ ርሕቀት ንምምልካት ይጥቀሙሉ።
ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ካብ ዝተራእዩ ኣገደስቲ ምዕባለታት ሓደ ድማ'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ነቲ ዝንጸግ ዓፍራ ከም ዝመሃዞ ዝንገረሉ ፊፋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ዘመሓድር ኣካልን ብራዚላዊ ሄይን ኣለማኘን ኣብ ዋንነት ናይቲ ምህዞን (ፓተንት) ዋጋኡን ከሰማምዑ ኣይከኣሉን ዘለዉ።
"እዚ ኣብ መንጎ ዳዊትን ጎልያድን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ'ዩ" ክብል ኣለማኘ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ፊፋ ዓቢ'ዩ፡ ልዕሊ ሕግን ሓቂን'ዮም ማለት ግን ኣይኮነን"።
ፊፋ ብወገኑ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ስለዝርከብ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ኣለማኘን ካልኣዩ ዝኾነ ኣርጂንቲናዊ ፓብሎ ሲልቫን ኣብቲ ዓፍራ ዘለዎም ናይ ምህዞ ዋንነት ኣብ 44 ሃገራት ኣብ ትሕቲ 9.15 ፌር ፕለይ ሊሚት ዝብል ስም ኣመዝጊቦሞ'ዮም።
ዋላኳ ቅድሚኡ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ውድድራት ተፈቲኑ እንተነበረ፡ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም'ዩ ዝዓበየ ተፈለጥነት ረኺቡ።
ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተኻየደ ውድድር 300 ታኒካታት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ ይንገር። ብድሕሪኡ ድማ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ወግዓዊ ውድድራት ኣብ ጥቕሚ ዊዒሉ'ዩ።
እቲ ነቲ ተኸላኸልቲ ኣብ እዋን ናጻ ቅላዕ ዝወሃብ ርሕቀት ብዓመጽ ንምጽባብ ዝገብርዎ ሜላታት ከም ዘኽትም ዝገበረ ዓፍራ ድሕሪ ሓደ ደቒቕ ባዕሉ'ዩ ዝሃፍፍ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ግጥማት ውጺኢታዊ ኮይኑ ተረኺቡ'ዩ።

ኣለማኘን ሲልቫን ምስ ፊፋ ኣብ ምዝርራብ ይርከቡ። ፊፋ ንባዕሉ ካብ 2001 ጀሚሩ ብብልሽውና ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መጀመርታ ከም ተሓባበርቲ፡ ጸኒሑ ከም መሻርኽቲ፡ ሕጂ ድማ ከም ተኸሳሲ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ብራዚል ይርከብ ኣሎ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ፡ ዳኛታት ብራዚል ኣብቲ ፈላሚ መጋባእያኦም፡ እቲ ዋንነት ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ከም ዘሎን፡ ክሳብ'ቲ ናይ ቤት-ፍርዲ መስርሕ ዝውዳእ ፊፋ ነቲ ዓፍራ ክጥቀመሉ ከም ዘይክእል'ዩ ተወሲኑ ነይሩ።
ሕጂ ግን ሓደ ዕድል ጥራይ'ዩ ክህሉ፡ እዚ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ሕጋዊ መስርሕ። ኣብዚ ናይ ሩስያ ዋንጫ ዓለም ኣብ ስራሕ ክውዕል ድዩ ኣይውዕልን ብወገን ፊፋ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
"እቲ ብይን ዋንጫ ዓለም እናተኻየደ እንከሎ ክወሃብ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ዘሕፍር ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣለማኘ።
እቲ ምስሕሓብ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘካትት ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣለማኘ ክሰማማዕ እንኾይኑ 35 ሚልየን ዶላር ክኽፈል ሓቲቱ'ሎ።
ብሕጋዊ መስርሕ እንተድኣ ተሓሊፉ ግን "እቲ ኣሃዝ ክሳብ 100 ሚልየን ዶላር ክበጽሕ ይኽእል" ክብል ይገልጽ እቲ ነጋዳይ። ከም ናይ ጭሕሚ መስደዲ ቅብኢ (ክሬማ) እዩ ዝመስል።
ኣብ ንኡሽቶ ታኒካ ታዓሺጉ'ዩ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ዳኛታት ኣብ ማዕጥቖኦም ብምግባር፡ ኩዕሶ ዝቕላዓሉ ርሕቀት ንምምልካት ይጥቀምሉ። ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ካብ ዝተራእዩ ኣገደስቲ ምዕባለታት ሓደ ድማ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሒ ማሽን ሕርሻ
ሄይን ኣለማኘ ወዲ 47 ዓመት'ዩ፡ 15 ካብአን ድማ ኣብ ምምዕባል እዚ ቴክኖሎጂ'ዚ ኣሕሊፍወን።
ንሱ፡ ካብታ ኡብረላንድያ ዝተባህለት፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውራሣ ሚና ግራይስ፥ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዝመጸ'ዩ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ናይ ቡን ሕርሻ ከም መራሒ ናይ ሓደ ዓቢ ማሽን ኮይኑ ይሰርሕ።
"ኣነ ዓቢ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ዋናኒ ሃሴንዳ ኣይኮንኩ፡ ኩሉ ሳዕ ዘይውሑስ ሂወት'የ ዝነብር። (ካብኡ ንምውጻእ) ድማ'የ ነቲ ንኩዕሶ እግሪ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ዝበልክዎ ክምህዝ ተገዲደ፡ ምኽንያቱ ዓቢ ጸገም ስለዝነበረ" ይብል ንሱ።
ቅድሚ ተቐናቐንቲ ምዃኖም፡ ርክቦም ምስ ፊፋ ጽቡቕ'ዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ዝነበረን ኣብ ፊፋ ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮን ነፍሲሄር ጁልዮ ግሮንዶና ከይተረፈ እቲ ፍርያት ኣብ ፊፋ ተቐባልነት ክረክብ ይደፋፍእ ነይሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ተሓባባራይ ናብ ጸላኢ ፊፋ
ብደገፍ እቲ ናይ ስፓርት ጋዜጠኛ ዝኾነ ሲልቫ፡ ምስ ፊፋ ኣብ ልምምድ፡ ኣኼባታትን ስልጠናን ጀሚሮም።
ኣብ 2002 እቲ ንሕግታትን ቅጥዕታትን ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝከታተል ዓለምለኻዊ ቦርድ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዝተባህለ ኣካል ነቲ ዝንጸግ ዓፍራ ኣብ ስራሕ ክውዕል ኣፍቂዱ።
"እቲ ፊፋ ነቲ ዋንነት ብ500, 000 ዶላር ክገዝኦ ደልዩ ነይሩ ዝብል ዛንታ ንሱ'ዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ትሑት'ዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ነቲ ናይ ዋንነት ንምትሕልላፍ ዝተገብረ ወጻኢ ከማን ክሽፍን ኣይክልን'ዩ። ግሮንዶና 40 ሚልየን ዶላር'ዩ ኢሉኒ" እዩ ዝብል ኣለማኘ።
እቲ ዓፍራ ኣብ ሜዳ ኣብ ስራሕ ውዒሉ፡ ግሮንዶና ሞይቱ፡ ድሕሪኡ ኣለማኘ ከም ዝብሎ "ፊፋ ደሓር እቲ ናይ ዋንነት ጉዳይ ብዝግባእ ኣብ ማዕልቦኡ ኣየብጻሕናዮን፡ ስለዚ እቲ ስምምዕ ኣይተዓጽወን ክብል ጀሚሩ"።
ኣለማኘ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ "ፊፋ ምስካልኦት ነቲ ዓፍራ ዘፍርዩ ትካላት ርክባት ክገብር ጀሚሩ፡ እቶም ትካላት ድማ ምስ ናይ ምህዞ ዋንነት (ፓተንት) ጉዳያት ዘሳልጡ ትካላት ርክብ ዘለዎም'ዮም። እዚ ዝገበሩ ካብቲ ናትና ወጻኢ ፕሮጀክት ንምጅማር'ዩ"
ኣለማኘ ምስ ፊፋ ክዕረቕ ዝገበሮ ፈተነታት ከይተዓወተ ተሪፉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብእምነት ምጉዳል፡ ንግዳዊ ጥልመትን፡ ወንነት ብዘይ ፍቓድ ምጥቃምን ክኸሶ ወሲኑ።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣዒንቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ናብ ኣብያተ-ፍርዲ ከብላ'የን። ገለ ሰብመዚ ፊፋ ግን ኣዒንቶም ናብ ኣብያተ-ፍርዲ ብራዚል'የን ከብላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







